ብ ኮሮናቫይረስ’ዶ ዋላ’ስ ብ ወቅዒ ልቢ ዚያዳ ሰብ ይመውት, by Ruta selomon,

እዚ ዘለናዮ እዋን ብልክዕ ብምስትውዓልን ብትዕግስትን ምስ እንዕዘቦ፣ ህዚቢ ዓለም ብሓባርን ብርህራሀን ዚነብረሉ ጊዜ ዚኣከለ ይመስል። ደቂ ሰባት ካብ ሚዛን ወጻኢ ኣብ ቁጠባውን ማሕበራዊን ፖሎቲካውን ኣቃውማታቱ ዕንክሊል ኣብ ዚብለሉ ዚነበረ እዋን፣ዓለም ደው ክትብልን ሓዲድ ቁጠባዊ ምዕባለታታ ኪዚሕትልን ንክዕዘብ ዚካኣለሉ ደረጃ፣ ዕቤት ቁጠባዊ ሃብትታት ትርጉም ኣልቦ ሙካኑን ስድሪ ካብ ሊዳት ቤትካ ከምዘይሕልፈካን ነስተውዕለሉ እዋን በጺሕና። ንሃፍታም ኣይብል ንደካ፣ ንሕሙም ኣይብል ንጥዑይ፣ ንእሽተይ ኣይብል ዓቢ፣ ጸሊም ኣይብል ጻዕዳ ብሓባር ንኩሉ ህዚቢ ዘጥቅዕ ሕማም ፈስሱና ኣብ ዘሎ እዋን፣ ሓባራዊ ስጉምቲ ንክንወስድ፣ ንነብስናን ንሕብረተሰብናን ብሓፈሻ ድማ ንዓለም ለካዊ ህዚብታት ሓላፍነታዊያን ክንከውን ንጽዋዕ ኣሎና።
ኣብዚ ሂወት እንዳተቀየረትሉ ትከይድ ዘላ እዋን፣ ተመኩሮታት ሂወት እንዳተለዋወጠን እንዳተቀያየረን ኣብ ዚከደሉ ዘመን፣ ምስፍሕፋሕ ናይኮሮና ቫይረስ ኣብ ሓደ ክንመጽእን፣ ኣታሓሳስባና ሓደ ክከውንን፣ ኣብ ደረጃ ኣፍልጦና ንክንዓብን ጌሩና እዪ። ነቂሕና ብኣፍልጦ ክንጉዓዚን ዚምዲናና ምስ መሬትና(natural earth) ኪበረሃልና ኪኢሉ እዩ። ን እግዚኣብሄር ንመሬት ዚክዕዎ ዘሎ ረመጽ ከዚሕለልና፣ ብተራእዩ ዘይፈልጥ ስምረት፣ ብዙሕ ሃይማኖታዊ ምንቅስቃሳት ብ ኦንላይን (on line)ጸሎታት ዚግበረሉ እዋን ኪንሪኢ ኪኢልና ኣሎና።
ሕክምናዊ ጸብጻባት ከምዚሕብሮ ኮሮናቫይረስ ሓደ ካብቶም ተማሓላለፍቲ ሕማማት (Communicable diseases (ካብ ሰብ ናብ ሰብ ዚመሓላለፍ)) ሙካኑን፣ ተለኪፍካ ማለት ሜትካ ማለት ከምዘይኮነ፣ ዋላኮ ሓደገኛን ተላባዒን ተኮነ፣ ልክዕ ከም ስዓል (seasonal flu) ኣብ ውሑዳት ማዓልታት ኪሓዊ ከም ዚክእል ይሕብሩ። ከምዚ እንዳኮነ ኮሎ ግን ህዚቢ ዓለም ሸበድበድን ዓቅሊ ጽበትን ኣይገደፉን እካድእ ንኩሉ ንጥፈታት ኣወንዚፍና ኣብ ጭንቀትን ተርባጽን ንርከብ ኣሎና። ህዚባዊያን ትካላት ሕክምና ብግዲኤን እቲ ኣብ ሕጹጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት ዚግበር መጥባሕትታት(emergency operations) ናብ ናይ ብሒቲ ዚውነና ትካላት ሕክምና ኣወንዚፎም፣ ንናይ ኮሮናቫይረስ ሕሙማት ኣብ ልዕሊ ካልኦት ጥዕናዊ ጸገማት ቀዳምነታት ዚህቡሉ እዋን ኮይኑ ኣሎ።
ናብ ዓመታዊ ጸብጻብ ሞት ውድብ ጥዕና ዓለም ክወስደኩም፣ ኣብቲ ዓመታዊ ጠንቅታት ሞትን ዚርግሔኤኡን ዚወጽእ ጸብጻብ፣ ልዕሊ 55 ሚሊዮን ሰብ ዓመታዊ ይመውት፣ ካብኡ እቲ 17 ሚሊዮን ብሰንኪ ልብን ሰራውርን ዚኣመሰሉ ሕማማት(cardiac problems), እቲ 10 ሚሊዮን ብሰንኪ ካንሰር፣ 4 ሚሊዮን ብ ሰንኪ ስርዓተ ምስትንፋስ ጸገማትን ካልኦት ኣዚዮም ሕክምናዊ ሽህራት ይሞውት። ኣብዚ ስዓት እዚ ክወዳደር ከሎ ምስዚ ናይ ኮሮናቫይረስ መጠነ ሞት(ልዕሊ 30 ሽሕ በጺሕሉ ዘሎ እዋን) ኣዚዩ ውሑድን ኪመጣጠን ዘይክእል እዩ። ካብ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ኪንመተሉ ንክእል ዕድል በዞም ዘይተማሓላለፍቲ ሕማማት(noncommunicalble diseases) ክንመውት ዘሎ ተክእሎ ይዓቢ።
ኣብዚ ኣካታዒ ነጥቢ ዚከውን ብልክዕ እዚ ሰብ ብ ኮሮናቫይረስ ዲዩ ዋላስ በዞም ኣብ ላዕሊ ተጠቂሶም ዘለዉ ሕማማት እዩ ዚመውት ዘሎ፣ ኮሮናቫይረስ’ከ እንታይ ተራ ኣለዎ ንመጠነ ሞት። ኮሮናቫይረስ ልክዕ ከም ሓዊ ንሓሰር ቃልቃል ዘብሎ፣ ንሱውን ነቶም ብዕድመ ዚደፍኡን ሕዱር ሕማም ዘለዎምን ሰባትን፣ ኣብታ ዘላታስ ተወሰከታ እዩ ነገሩ። ብሰንኪ ዚተዳከመ ሰርዓተ ምክልካልን፣ካልኦት ዓይነት ጸገማትን እቲ ሰብ ናብ ንቡር ኪምለስ ጊዜ ይወስድን፣ ኣብ ፈጺሙ ሃለዋት ምጥፍእ ሕጽረት ትንፋስን ጌሩ ንክዳከምን ካብዛ ዓለም ሓንሳብን ንሓዋሩን ክገላገል ይገብር። እዚ ማለት ግን ንመንእሰያትን ካልእ ኪሊ ዕድመን ኣይቀትልን ኣየዳክምን ማለት ኣይኮነን። ስለዚ ብልክዕ ዋላ’ኮ ብኮሮናቫይረስ ኣብ ዘይማዓልቶም እንተመቱ ብሰንኪ እቲ ሕዱር ሕማማትን ትሑት ናይ ሬዚስታንስ ዓቅምን’ውን ካብዛ ዓለም ዚፋነዉ ቁጽሮም ካብዚ ሕጂ ዚግለጽ ዘሎ ኣሓዝ ኣዚዩ ዚትዓጻጸፈ እዩ። ስለምንታይ ድኣ ኩለን ዓለማትን ናይ ሓበሬታ ሜድይታት ነዚ ዕሽሽ ዚብሎኦ እዚ መጠነ ሞት’ዶ ኣይበዚሕን ካብዚ ሕጂ ዚንገረና ዘሎ ኣሃዝ፣ ስለምንታይ’ከ ህዚቢ ዓለም ከምዚ ሕጂ እዋን ነቲ ዚብሃሎ ዘሎ ኣገባባት ምክልካል ኮሮናቫይረስ መሲልዎ ዘሎ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ንምክልካል ሕማምት ልብን፣ሽኮር፣ጸቅጢ ደም ወዘተ ዚባሃሎ ዚነበረ እዋናት ንላዕሊ።
ቲቢ እቲ ኣብ ዓለምና ብዓለምለካዊ መከተ ክንከላከሎን ክንምክቶን ዚግባና ሕማም ኢሉ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ዘውጽኦ ሓደ ካብቶም ተማሓላለፍቲ ሕማማት( Communicable diseases) እዩ ። ኣብ ውሽጢ 21 ሰከንዱ ሓደ ሰብ ይመውት ፣ ኣብ ዓለምና ልዕሊ 1.5 ሚሊዮን ሰብ ዓመታዊ ብ ሰንኪ ቲቢን ኤድስን ይመውት (TB is a global pandemic, killing someone approximately every 21 seconds, above 1.5 million in 2018). ቲቢ ልክዕ ከም ኮሮናቫይረስ ብ ኣየር ዚምሓላለፍ፣ኣብ ምሉእ ዓለም ዚተዘርግሐ፣ ክንከላከሎ ንክእልን ክሓዊ ዚክእልን ሕማም ክንሱ ስለምንታይ ድኣ ከምዚ ሕጂ ዓለም ለካዊ ኣድህቦ ዘይረከበ ስለምንታይ’ከ ዓለምና ከምዘይ ሰምዓን ዘይራኣያን ዕሽሽ ኢለንኦ ።

ሕማም እቶም ኣዚዮም ዲካታት ሰባት ስለ ዚኮነ፣ ንድካታት ሃገራት ሰለ ዘጥቅዕ፣ ዚያዳ ኣብ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ስለ ዚሃሰየ፣
ቀንዲ ምትሕልላፍ ናይዚ ሕማም ኣብ ኣዚዩ ዚተሓተ መነባብሮ፣ ኣብ ጭቅጭቅ ዚበለ ገዛ(living in crowded housing) ዚነብሩ ክፋል ሕብረተሰብ ስለ ዚኮነ’ዶ ይከውን። ብኣንጻሩ ለበዳ ኮሮናቫይረስ በተን ኣዚየን ፍሉጣት ከተማታት ዓለምና ስለዚጀመረ፣ ነቶም ካብ ዓለምና ስልጡናት ስለ ዘጥቀዐ’ዶ ይከውን። እቶም ሃፍቲ ትርጉም ከምዘይብሉ፣ ዚፈትውዎም ወገናት ስድራቤቶም ምስ ሰኣንዎም መዚሙር ሓድነትን፣ ምድግጋፍ ኪሳብ ኣእዛና ዚጸምም ዘጋውሕዎ ዘለዉስ ንህዚቢ ዓለም ዚደንገጽሉ’ዶ ይመስለኩም።(እዚኣ ሓቢርና መልሲ ክንደሌላ ኢና ንግዚኡ ግን ግምታተይ ከምዚ ይመስል)።
ስለዚ እዚ ኩሉ ሸበድበድ ሓደ ሓቂ ኣብርሁልና ኣሎ። ዓለምና ካብ ሚዛን ወጻኢ ኣብ ዘይሙዕሩይነት ዕንኪልል ከምትብል ዘላ ዘርእን እዩ። ኣብ መወዳእታ ዓለምና ኣብ ኩሉ መከተታት ሓባጥጎባጥ ኣወጊዳ ብምዕሩይ ኣገባባት ነዚ ንዓለምና መሊእዋ ዘሎ ሕማማት ክትምክቶ ትጽዋዕ ኣላ። ብወገነይ ንኩሉ ዚዋሃበና ምክርታት ሰብ ሞያ ጥዕና ብኣፍልጦን ብዘይ ሸለልትነት ከምዚ ናይዚ እዋን ጌርና ክንምልሰሉ እንዳተማሕጸንኩ፣ እግዚኣብሄር ኣምላክ ምስ ዚወጸ ኣውጺኡ ኣፍ እቶም ንፈትዎም ስድራና ንስዕመሉ እዋን የምጽኣልና።
ሩታ ሰለሙን
30/03/2020