ስመይዮ!

 

 

ካብ ፈለማ፣ ካብ እዋን ሌላ

ከጽድፈኒ ደልዩ ህቦብላ

ናይ ማዕበሉ ኣማዓባብላ

ናይ ልበይ ኣጋናፋፍላ፣

ናፊቐካ ናፊቐኪ  ከይበልና ምሸትና ኣይነምስዮን

ፍቅሪ ኣምበር ካልእ ኢልካ ኣይትሰምዮን፣

ንበል ‘ ሞ “ሕውነት ንፍቕሪ ወለዶ

ገዱፍዎ ከይዱ ሰሪሕሉ ኣጉዶ”

ስለምንታይ ? ንዝብል ከምዚ’ዶ ከምቲ’ዶ

ክጋገ ኣይደልን ጸላኢና ይሓንግዶ

እንተዘይ ኣግሂድክዮስ  ከም ርዱእ ዘይወስዶ፡

ኣንቲ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት፣ ብልጭ እትብል ብርሃን

ብጉያ ዝስዕባ  ዝረአ  ብምስኣን

ብዘይ ጻዕሪ ኣድኪምክኒ  ድቃሰይ ወስድኪ

ሃንቀው ይብልለኪ ብጎዶሎ ትዕግስቲ

ምራቐይ ይነጥብ ከም ንብዓት

ኣንጉዐይ ይሕለብ ከም ሰርዓት

ጋብላ ልበይ  መሊኡ ይደፎኦ

ዝቃጸል ሓዊ ማያት ባሕሪ ዘየጥፎኦ

ካብ’ቲ ጡዑም  ልሳንኪ ናብ ልበይ ዝከዖ

ፍቕሪ ብርሃን ‘ተኾይኑ ዘይምፍቃር ግን ዑረት

በይናውነት  እስራት ምፍቃር  ድማ ነጻነት

ዓለም ናይ ፍቁራት ምስ ብሩህ መጻኢ

ኣብ ሕልሚ እንተኔረ ጋህዲ ዘየሪኢ

እነሀኹ ተበራቢረ  

ሎሚ ኣፍቂረ

ኢለ ልበይ ኣበሲረዮ

(እስከ በሊ ( ስመይለይ) 3 ) 2 ስመይዮ።