ምስ ቃል!

እንተ በለሐ ቆርበት ኣይበስዕ
እንተ ጠዓመ ከብዲ ኣይነስዕ
ኣይንኪ ኣውስኽ
ምስ ቃል ምትህልላኽ
ካብ ታሕቲ ናብ በሪኽ
ምስ ቃል ምትህልላኽ
ካብ የማን ናብ ጸጋም
ኢሎም ኢልካ ምሕማም
ኣብ ዘይ ደብርኻ
ኣብ ዘይ ኣስካላኻ
ሕደግ ምስ ቃል ምትህልላኽ።