ሓሻካ ገጣሚ ኣብ ቀደም ትነብር
ጋኒን እናኾነንካ ምስ ጋኒን ትሓድር
ዝጸንሐን ዘሎን ዘልኣለም ነባሪ
ቅዲ ይቕየር’ዩ ናይ ናብራና ሕብሪ
ታይ ኢሉ ድዩ ጀዲድ ዙርያ እናነቐሎ
ኡይ ኢሉ ድዩ ዙርያ፡ሽፎን እናቐበሮ
ኣብ ሕሉፍ ኣይትንበር ኣይትኹን ደንቆሮ
እቲ ግዜ ዘምጽኦ ግዜ’ዩ ዝቕይሮ
ሰለፋ ኣጥባታ ናጽነት ኣዊጁ
ቅብኢ ተቐቢኣ ቆርበታ ዘጻዕዱ
ኣለኹ እንተበለት እንታይዩ ገበና
ባህሊ እናበልካ እናሻብ ትኹንና
ኣብ ቀደም ትነብር ጓል ቀደም’ዶ ኮይና?
ተሸፈኒ እንዳልካ ትምዕዳ ትመኽራ
ትከፋፍት እምበር ዓይኒ’ታይ ድራራ
ኣብ ሽፎን ኣብ ጥልፊ ዘመን ተኣሲራ
ዓይኒ በሃልቲ እምበር ንፋስ ነየቑርራ
ቁመት ተበቒቑ ዝፈጠራ
ሰማይ ትትንክፎ ኣስካርባ ሓዂራ
ጸጉሪ ተለቂሓ ትፈሻሸል
ወርቂ ተሰሊማ ጽሕዲ ትምሰል
ብዙሕ እያ ከፊላ ንስለ የዒንቲ
ኩሉ ሙላ ጌራ ተጠማቲ
ኣለኹ እንተበለት ኣብቲ ፖስቲ
ናእዳ እንተዓሰላ ኣብ ኮመንቲ
ብዓይኒ ትማሊ ትምሰል ዛርቲ
ብዓይኒ ለብዘበን ግን ግርምቲ
ምዃና ኣሚንካ ተቐበሎ
ሎሚ ረሲዕካዶ ትማል’ሎ
ምናልባት ግን . . .
ጸቢቐን ንዘይጽብቓ “የኔ ማር”እንተ ኢልና
ኣይምሰልካ መዓር ዝጠፍኣና
ዋጋ ኢና ንኸፍል ስለ ናብራ
ይጠፍኣካ ኣይብልን መግዛእቲ ሲኞራ።
Published by