** ናይ ሳጥናኤል ጎል ኢትዮጵያ!! ** 4ይ ክፋል

ኦም ህይወት! ገነት! ኢትዮጵያ!

#4ይ-ክፋል

እቶም ጳጳስ ህድእ ኢሎም’ዮም ዝዛረቡ። ክሳዶም ኣቕኒዖም ነቶም ተኣከብቲ ፊት ንፊት እንዳጠመቱ ኣብ ክንዲ ምዝራብ፡ ክሳዶም ኣቐርቂሮም ብግንባሮም እንዳስተውዓሉ ምዝራብ ኢዩ ዝቐሎም። ነገራት ምድግጋም ይፈትዉ። እንተዘይደጋጊሞም ሰብ ዝርድኦ ኣይመስሎምን። ምናልባት’ውን ኩሉ ከምኦም ደንቆሮ ዝኾነ መሲልዎም ይኸውን። መራሒ ኣሜሪካ ነቲ ኩሉ ሕቶታት ዝቕበል ዝነበረ ኣብ ልዕሊ’ቲ መድረኽ ጠጠው ኢሉ ኢዩ። ሕጂ ግና ዓንተዎ ዘይነበረን ካበይ ከም ዝመጸ ዘይፍለጥን ምቹእን ብዙርያኡ ብወርቂ ዝተለበጠ ዝመስል ምዕሩግን ኣንጸባራቕን ዝኾነ መንበር ተኸስተ። እቶም ጳጳስ’ውን ኩርዕ ኢሎም ኣብኡ ኮፍ በሉ። ኣብ ቅድሚ እቲ መራሒ ኣሜሪካ ቆይሙሉ ዝጸንሐ ቦታ ዝነበረ ናይ ቁመት መመደሪ ጠረጴዛ’ውን ማንም ከይተንከፎ ኣብ ግዚኡ ትሕት ኢሉ ነቲ ኣቡን ከምዝምችእ ኮይኑ ኣብ ቅድሚኦም ተደቀኖም። ምስቶም ተኣከብቲ ብግልጺ ካብ ምርእኣይ’ውን ኣይዓገቶምን።
“ኦ ሓደስቲ ናይ G20 ሃገራት መራሕቲ! ብናይ ሉሲፌር ዋና ዋና ሹማምንቲ ናይ መተሓዳደሪ ሕጊ መሰረት ማንም ኣባል ኮነ መራሒ፣ ኣብ ጉባኤ ኮነ ኣብ ዝኾነ ቦታ ሃንደበት ብዝርእዮ ተኣምርን ዘደንቕ ነገርን ተገሪሙ ብኣድናቖት ከፋጺ ኮነ ናይ ኣድናቖት ቃላት ክዛረብ፣ ወይ’ውን እህህህ…. ኢሉ ኣፍጢጡ ናይ ምስትውዓል ተግባር ብጥብቂ እኳ እንተዘይኮነ ኩልኩል ኢዩ። ኣብ ክንድኡ ግና ዝኾነ ተኣምር ክግበርን ክግለጽን ከሎ፣ ምንም ነገር ከም ዘይተፈጠረ ሓሲቡ ነገር ግን ነቲ ዝረኣዮ ነገር ኣኽብሮት ንምሃብ ቆይሙ ከጣቕዕ ወይ’ውን ነቲ ቀንዲ ናይ መምለኺ ስርዓት ዝኾነ ናይ ሆረስ ፒራሚድ ቅርጺ ብኢዱ ሰሪሑ ኣብ ቅድሚ ጸጋማይ ዓይኑ ብምግባር ምስጋንኡ ኢና ከነቕርብ ዘለና። በዚ ኸኣ ነቲ ዝረኣዮ ነገር ተገዛኢ ምዃኑን ተኣማንነቱን የረጋግጽ። ናይቲ ጥበብ በዓል ቤት ንሱ ባዕሉ ምዃኑ’ውን በዚ መንገዲ ኣረጋጊጹ ይኾርዕ፣ የመስግን። እምበር…. ምግራም…. ምድናቕ….” ብማለት ቅልል ዝበለ መተሓሳሰቢ ሃቡ።
እቶም ተኣከብቲ’ውን ብ “ተረዲኡና” ዝዓይነቱ ኣጣቒዖም ብማእከል ናይቲ በእዳዎም ዝሰርሕዎ ቅርጺ ስሉስ ኩርናዕ የዒንቶም ኣሕሊፎም ብምጥማት ናይቲ ተኣምራት በዓል ቤት ምዃኖም ኣወጁ። ቅልል ብዝበለ ምሳሌ እዚ ቅርጺ ስሉስ ኩርናዕ ናቶም መስቀል ማለት ኢዩ። ከምቲ ብሰዓብቲ እምነት ክርስትና፣ መስቀል ናይ እምነቶም መግለጺ ዝኾነ፣ ሰዓብቲ ሳጥናኤል ድማ እዚ ቅርጺ ስሉስ ኩርናዕ መግለጺኦም ኢዩ። ዓቢ ኣብዮታዊናን ናይ ናጽነት ኣቦናን ኢሎም ዝጽውዕዎ ሓይሊ፣ ንመጀመርታ ግዜ ጥበቡ ዝገለጸሉ፣ ንወድ ሰብ ዘሰልጠነሉ፣ ንወድ ሰብ ተገሊጹ ዝተራእየሉ፣ ብዙሕ ተኣምራት ዝገበረሉ፣ ናይ መጀመርታ ቤተ መቕደሱ እዚ ናይ ስሉስ ኩርናዕ ፒራሚድ ኢዩ። ምድራዊ ጥበቡ ንወድ ሰብ ገሊጹ ዘርኣየሉ፣ የዒንቶም ዝኸፈተሉ፣ ንመጀመርታ ግዜ ንዕኡ ክስዕቡን ከምልኽዎን ዝገበረሉ ቦታ ስለዝኾነ ናይቶም ሰዓብቱ መስቀል ኮይኑ የገልግል። ንሳቶም’ውን ንዕኡ እሙናት ምዃኖም ይገልጹሉ። ተጻረርቲ መስቀል ምዃኖም ይእውጁሉ። ናይ ኣቦኦም ክብሪ ይገልጹሉ። ተኣማንነቶም የረጋግጹሉ፣ ወዘተ…,, ናይዚ ኣርማ ሰዓብቲ ነብሳት በዚሖም ማለት ብናቶም ትርጓሜ፣ ዓወቶም እንዳሰፍሐ ምምጽኡ ዘረጋግጽ ይኸውን ማለቶም ኢዩ።
እቶም ጳጳስ ቀጸሉ፣ “ንሕቶታትኩም ኣብ ኣእምሮይ መዝጊበ ሒዘዮ’ለኹ። ካብቲ ናይ መጀመርታ ሓታቲ ተበጊሰ ብስሩዕ ቅድመ ተኸተል ይኸውን መልሲ ዝህቦ” በሉ። ነዚ ኣብ ዝተዛረቡሉ ቅጽበት ካበይ ከም ዝመጹ ዘይፍለጡ ንኣሽቱ ኣትማን ኣብ ማእከል ጸጉሮም ፈለኽለኽ ክብሉ ጀመሩ። ቀጺሉ፣ ገጹ ናይ ሰብ ዓጽሚ ዝመስል፣ ካልእ ኣካሉ ግና ቅርጺ ገበል ዝመስል ህጻን ኣብ ትሕቲ እግሮም ኮፍ ኢሉ፣በተን ቀጠንትን ኣዝየን ነዋሕትን ዝኾና መልሓሱ ከንፈሮም ደጋጊሙ ክልሕስ ተስተውዓለ። ብዙሕ ኣይጸንሐን ልሕስ ልሕስ ኣቢልዎም ከደ። እቶም ኣትማን’ውን ሰዓብዎ።
“ኢንዶኒዥያ!” ክብሉ ጀመሩ። ፋልማይ ሓታቲ መራሒ ኢንዶኒዥያ ስለዝነበረ። “እዚ መጽሓፈ ሄኖክ ተባሂሉ ዘሎ ናይ ዓለምና ናይ መጀመርታ ጽሕፈት ኢዩ። እዚ’ውን ካብ ካልእ ፍልይ የብሎ። ናይ መጀመርታ ኮይኑ ብናይታ ሃገር ቋንቋ ጥራይ ምርካቡ’ውን ከምኡ። ሄኖክ ባዕሉ እንተኾነ ወድሰብ ክንሱ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣእምሮኡ ዝተጠቀመ ሰብ ነይሩ። ወድ ሰብ ካብ 20 ፐርሰንት ንላዕሊ ኣእምሮኡ ኣይተጠቀመን ። ሄኖክ ግና 100% ናይ ኣእምሮኡ ኣይ ኪው /IQ/ ዝተጠቐመ እንኮን ናይ መጀመርያን ሰብኣዊ ፍጡር ኢዩ ነይሩ። ልዕሊ ኩሉ ግና ነቲ ልዑልና ጥራይ ዝፈልጦ ነገር፣ እዚ ሄኖክ ዝተባሃለ ሰብ ብዝርዝር ምፍላጡን ክሳብ እቲ ቦታ ከይዱ ምስናዱን፣ ንዕኡ’ውን ብናይ ወድሰብ ቋንቋ ጽሒፉ ንህዝቢ ዓለም ክበጽሕ ስለዝጸዓረን ከምኡ ኸኣ ክኸውን ስለዘይግብኦ፣ ንብዙሓት’ውን ስለዘስሕት ኣተኩሮ ክንህቦ ተገዲድና ኣለና። ኣብ ውሽጡ’ውን ብምሉኡ ናይቲ ‘ናይ ወድሰብ ላዕለዋይ ኣካል ኢየ’ ዝብል ኣካልን ናይ ሰዓብቲ ጭፍርኡን ሓፈሻዊ ኣሰራርሓን ተግባርን ተገሊጽዎ ኣሎ። ካብ ናይ ጸሓይን ወርሕን ጀሚሩ ካሳብ ናይቶም ጭፍርኡ ናይ ስራሕ ብጽሒትን መንፈሳዊ ኣሰራርሓን ኣመዳድባን ገሊጹሉ ኣሎ። ነቲ ዝረኣዮ’ውን ተዛሪቡሉ ኣሎ። እቲ ላዕለዋይ ኣካል ንልዑልና ብዝምልከት ዝሓወሰሉ ገለ ገለ. . . . ሓሶት ነገራት ገዲፍካ ብዙሕ ሓቅታት ኣለዎ። ኣብ ርእስ’ዚ እውን ከም ካልኦት ናይ ሃይማኖት መጽሓፍትታት ተራ ዘይገብርዎ ነገራት ኣብ ውሽጡ ሒዙ’ሎ። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ ዝርከብ መጽሓፍ’ውን እንተኾነ ከም ማንም መጽሓፍ ተራን ዋላ ሓንቲ ክነግር ዘይክእልን ይምሰል ደኣምበር ኣብ ውሽጡ ግን ብዙሕ ሓቅታት ኣለዎ። ኣብቲ ቀንድን ኣብ ኢድና ጥራይ ዘሎን ምሉእ መጽሓፍ ድማ ካብ ካልኦት ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ዝፍለየሉ በብዓይነቱ ነገራት ኣለዎ። ካብዚኦም’ውን እቲ ቀንዲ፣ ንመጀመርታን ንመወዳእታን ግዜ እታ ገነት ዝተባህለት ንደቅሰባት ተሓሲባ ዝነበረት ቦታ ኣበይ ከም ትርከብን ብልክዕ ቦታኣ ኣበይ ከም ዝኾነ ብንጹር ዝሰፈረሉ መጽሓፍ ምዃኑ ኢዩ። ብተወሳኺ’ውን እቲ ካብ ጥፍኣት ማይ ዝደሓነ ናይ መጀመርታን ናይ መወዳእታን ነገድ መስፈሪኡ ዝገበራ ምድሪ ኣየነይቲ ምድሪ ከምዝኾነት ብግልጺ ስለዘፍልጥ ኢዩ። ናይ መጀመርታ ቋንቋ ኣየናይ ከምዝነበረ’ውን ስለዝጥቁም ኢዩ። እዚ ጥራይ’ውን ኣይኮነን ወድሰብ ቅድሚ ምፍጣሩ ካልኦት ፍጡራን ከምዝነበሩ ኣጸቢቑ ስለዘረጋግጽ ኢዩ። ወድሰብ ኣብ ዝተፈጠረሉ ቅንያት እቶም ፍሉያት ፍጥረታት ማለት፣ መጽሓፍ ቅዱሶም ከይዘርዘረ “ኔፊሊም” ጥራይ ኢሉ ዝጸውዖምን ምስ ደቅሰባት መውስቦ ፈጺሞም ዝተዳቐሉን፣ ደሓር’ውን ንናይ ልዑልና ዕላማ ደጊፎም ኣብ ጎኑ ዝቖሙ ረቀቕትን ስልጡንን ዝነበሩ ፍጡራን ዝገበርዎ ዓመጽ ተንቲኑ ስለዝገለጸሉ ኢዩ። ካብ ፍረ ነገራቱ ገሊኦም እዚኦም ኢዮም። እዞም ሓቅታት ድማ ምእንቲ ድሕነት ልዑልና፣ ከይተፈለጡ ክጸንሑ ነይርዎም። ከይተፈለጡ ብምጽንሖም’ውን ንናይ ሄኖክ መጽሓፍ ጥራይ ዘይኮነ ነቲ ቀንዲ መጽሓፎም’ውን ከይተረፈ ኣብ ምልክት ሕቶ ከእቱ ክኢሉ’ሎ። ነቲ ክፍጠር ንደልዮ ዘይንጹርነት’ውን ጽቡቕ ሓገዝ ኮይኖም ኣለዉ። ብርግጽ ነቲ ሄኖክ ብዛዕብኦም ዝጸሓፎ፣ መጽሓፍ ቅዱሶም ብሓንቲ ቃል ብምጥቕላል ገሊጽዎ ይሓልፍ። ንዕኡ’ውን እንተኾነ ካልእ ትርጉም ክሕዝን ክወሃቦን ኢና ጌርና። እስከ . . . . .ሓደ ናይ ቤተ ክህነት ሊቅ ከም ምዃነይ መጠን ነቲ መጽሓፍ ገንጺለ ሓደ ምሳሌ ከርኢ’ሞ ከረድእ ክፍትን” ብማለት፣ ከም ላግጺ ዝበለ ፍሽኽታ ኣርኣዩ’ሞ ርግእ ኢሎም ተንሲኦም ነቲ ስክሪን ዳህሰስዎ። ዓበይቲ ፊደላት ነቶም ተኣከብቲ ብንጹር ከም ዝንበቡ ኮይኖም ክርኣዩ ጀመሩ። እቶም ጳጳስ’ውን ገፈፍ ገፈፍ እንዳበሉ፣ ናብቲ ስክሪን ብኢዶም እንዳጠቆሙ ከረድኡ ጀመሩ።
“ኦሪት ዘፍጥረት ኣብ ዝብልዎ፣ ምዕራፍ 6 ቁጽሪ 1ን 2ን ከምዚ ክብል ይጅምር፣ “ኮነ ድማ ሰብ ኣብ ልዕሊ ገጽ ምድሪ ኺበዝሕ ምስ ጀመረ፣ ኣዋልድ ከኣ ምስ ተወልዳሎም፣ እቶም ደቂ ኣምላኽ ድማ ነተን ኣዋልድ ሰብ፣ መልክዔኛታት ከም ዝዀና ምስ ረኣዩ፣ ካባታተን ዘዝሓረይወን ኣንስቲ ወሰዱ።”
“ኣብ ምዕራፍ 6 ቁጽሪ 4 ድማ ከምዚ ይብል፣ “ደቂ ኣምላኽ ናብተን ኣዋልድ ሰብ ምስ ኣተዉ፣ ንሳተን ከኣ ምስ ወለዳሎም ፣ በቲ ዘበን እቲ፣ ብድሕሪኡ ድማ፣ ኣብ ምድሪ ንጉዓት ሰባት (ኔፊሊም) ነበሩ። እቶም ካብ ጥንቲ ስሙያት ዝነበሩ ጀጋኑ ሰባት እዚኣቶም እዮም።” ይብል።
“ደቂ ኣምላኽ ዝብል ዘሎ ንመን ኢዩ? እቶም ንጉዓት ሰባት (ኔፊሊም’ከ) በዓል መን ኢዮም? ኢልኩም ንዝኾነ ናይ ሃይማኖት ሊቃውንቲ ሕተቱ። ዝህቡኹም መልሲ ሓደ ዓይነትን ተመሳሳልን መልሲ ኢዩ። ኣብ ናትና ቤተ ክርስቲያን ኮነ ኣብ ካልእ ተመሳሳሊ ቦታታት ካልእ ትርጓሜ ተዋሂብዎ ከምዝተርፍ ኢና ጌርና። እንታይ ኢዩ ንሱ? ደቂ ኣምላኽ ዝብል ዘሎ ንወገን ኣቤል፣ ኣዋልድ ሰብ ዝብል ድማ ንወገን ቃኤል ኢዩ ኢሎም ኢዮም ዝነግሩኹም። ካልእ ሓቀኛ መልሲ ክትረኽቡ ኣይትኽእሉን። ምዝብራቕ ክበሃል ከሎ ብቐሊል
ምሳሌ ክግለጽ ከሎ ነዚ ይመስል። ቅድሚ ኣዳም ካልእ ፍጡር ነይሩ ኢልካ ምሕሳብ ሓጢኣት ከም ዝኾነ ነጊርናዮም ኣለና። እቲ ዝሓዝዎ መጽሓፍ ግና ብዝጸረየ ኣገላልጻ ነቲ ሓቂ ይነግሮም ኣሎ። ክሰምዑ ዘለዎም ግና ንዓና ኢዩ። ከመይ ገይሮም ሓሲቦሞ ኢዮም? ንደቂ ኣቤል ደቂ ኣምላኽ፣ ንደቂ ቃኤል ኣዋልድ ሰብ ኢሉ ዝስይምን ዝጽውዕን ኣካል’ከ ከመይ ገይሩ ክህሉ ይኽእል? ፍልልይ’ከ ከመይ ገይሩ ብኸም’ዚ ይግለጽ? ኢሎም ክሓቱ ይኽእሉ ነይሮም፣ ከምኡ ንኸይገብሩ ዝገበርና ንሕና ኢና። ኣዝዮም ውሑዳት’ውን ንመጽሓፈ ሄኖክ ጠቒሶም፡ “ንጉዓት ሰባት (ኔፊሊም) ዝወደቑ መላእኽቲ ኢዮም” ዝብል ሓቀኛ መልሲ ክህቡ ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ መልሲ ክህቡ ዝጀመሩ መጽሓፈ ሄኖክ ምስረኣዩ ኢዮም። በዚኣ ሓንቲ ምሉእ ሓሳብ ማዕረ ክንድዚ ለውጢ ዘምጽእ ካብ ነበረ፣ ምሉእ መጽሓፈ ሄኖክ እንተ ዝኣቱ ድማ ክንድ ምንታይ ክሳራ ከውርደልና ከምዝኽእል ሕሰቡ። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግና ኣብ ዕላማና ዝፈጥሮ ሽግር የለን። ንነዊሕ እዋን ከይተፈለጠ ምጽንሑ ግና ጠቒሙና ኣሎ። ዝወደቑ መላእኽቲ ተባሂሉ ምጽዋዕ ዝተጀመረ መጽሓፈ ሄኖክ ምስተረኸበ ከምዝኾነ ኣስተውዕሉ። ብዝኾነ፣ ናይዚ ሕቶ ሓቀኛ መልሲ ዘሎ ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ጥራይ ኢዩ! መጽሓፈ ሄኖክ ብዛዕባ እዞም ኔፊሊማት ከምዚ ክብል ነቲ ሓቂ ኣስፊርዎ’ሎ። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ምዕራፍ 5 ቁጽሪ 69 ፣ ሄኖክ ነቶም ደገፍቲ ልዑልና ዝኾኑ ኔፊሊማት ንምትዕራቕ እንዳተለኣኣኸ ኣብ ዝልምኖም ዝነበረ ወቕቲ ንዝነበረ ኩነታት የርእየና፣ ከምዚ ይንበብ፣ “ናብዚ ቅረብ ቃለይ’ውን ስማዕ፣ ነቶም ምእንትኦም ክትልምነሎም ኢለ ዝለኣኽኩኻ ንሓጢኣት ዝተግሁ ደቂ ሴት ኬድካ ንገሮም። ንስኻትኩም ንሰባት ክትልምኑሎም ይግበኣኩም ነይሩ፣ ሰብ ግን ንዓኹም ክልምነልኩም ኣይግብኦን ነይሩ።” ይብል። ከምዚ እንዳበለ’ውን ኣብ መንጎ ደቅሰባትን ኔፊሊማትን ዘሎ ሓድነትን ፍልልይን ብዝርዝር እንዳተንተነ ይቕጽል። ይኹን ደኣምበር መጽሓፈ ሄኖክ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣብ ዘለዉ መጽሓፍ ቅዱሳት ከይካተት ስለዝገበርና፣ ማንም ከስተውዕሎን ሓደ ኣካል ናይቲ መጽሓፍ ገይሩ ክቖጽሮን ኣይከኣለን። ዓቢ ስራሕ ተሰሪሑ ዝበልናዮ’ውን ነዝን ነዚ ዝኣመሰለን ኢዩ። በዚ ሓደ ምሳሌ ንኩሎም ካልኦት ነገራት ጠቕሊልኩም ክትሓስቡን ብዛዕባ’ቲ ኩነታት ክትርድኡን ትኽእሉ። ሄኖክ ብዛዕባ እቲ ዝነበረሉ ግዜ ጥራይ ዘይኮነ ብዛዕባ ዘይነበረሉ ዳሕረዋይ ዘመን ከይተረፈ ጽሒፉ’ሎ። ብዛዕባ እቲ ኢየሱስ ዝተባሃለ’ውን ኣቐዲሙ ዝጸሓፈ ሄኖክ ኢዩ። ብሓጺርን ንጹርን ቋንቋ፣ ነቲ ናይ መጀመርታ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጸሓፈ ሄኖክ ኢዩ። ካልእ ኩሉ ተረፍ ኢዩ። ናይ ሄኖክ መጽሓፍ ቅድሚ ብሉይ ኪዳን ዝተጸሓፈ ኢዩ። ሄኖክ ባዕሉ ካብ ኣዳም መበል 7ይ ትውልዲ ኢዩ። ብዛዕባ ሰዓብቲ ልዑልና፣ እንታይነቶምን መንነቶምን ዝተዘርዘረሉ መጽሓፍ ኢዩ። ስለዚ ኣተኩሮ ሂብናዮ’ለና። በዝን ብኻልኦት ተዘርዚሮም ዘይውድኡ ምኽኒታትን ተቖሪጹ ንኽወጽእ ጌርና’ለና።
“ርግጽ ኢዩ፣ ከምቲ ሓደ ውልቀሰብ ወይ ጉጅለ ነቲ ዝድግፎን ዝቕበሎን ኣካል ሓያል እንዳገበረን ኣድኒቑን ዝጽሕፍ፣ ንሱ’ውን ነቲ ላዕለዋይ ኣካል እንዳድነቐን እንዳጋነነን ጽሒፍዎ ኣሎ። ኣሸናፊነቱ ዝጸሓፈ’ውን ደጋፊኡ ስልዝኾነ ኢዩ’ሞ ኣይገርመናን። ናትና ልዑል ግና ንዓወቱ ብጽሑፍን ብተስፋ ዝመልአ ወረን ዘይኮነሲ ከምቲ ሎሚ ብግልጺ ዝረኣኹሞ ብተግባር ኢዩ ዘርኣየናን ዘርእየናን! እሞ እዚ መጽሓፍ ብኣፈታሪኽነቱ ጥራይ ተወሲኑ ከምዝተርፍ ምግባር ልዑል መስዋእቲ ይሓትት ነይሩ።
“ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ግና ብማንም ይፈለጥ ኣይፈለጥ ዝኾነ ለውጢ ኣየምጽእን። ነቲ እንተተፈለጠ ጉድኣት ኣየምጽእን’ዩ ኢልና ዝሓሰብናዮን ነቲ ቀዳሞት ኣቦታትና ዝዘባረቕዎን ኢና ኣብ ኢድ ኩሉ ከምዝርከብ ዝገበርና። ብሓጺሩ ነዚ ገነት ዝተባሃለ ቦታ ብጀካ ልዑልና መንም ኣይፈልጦን። ሄኖክ ጥራይ ይፈልጦ ነይሩ። ንዕኡ’ውን ርቕቕ ብዝበለ መንገዲ መልእኽተኛና ልኢኽና፣ እቲ ኣገዳሲ ሙሉእ ሓሳብ ክጠፍእን ብኻልእ ተመሳሳሊ ምሉኣት ሓሳባት ክትካእን ጌርና’ለና። ካብ ሚእቲ ዘይውሕዱ “በለ” “በለ” “በለ” ዝብሉ ቃላት ግእዝ
ጥራይ ኣብ ናይ ነፍስ ወከፍ ምሉእ ሓሳብ መእተውን መዕጸውን ከምዝካተት ብምግባር፣ መን ተዛራቢ መን ኣዛራቢ ከምዝኾነ ክሳብ ዘይፍለጠሉ ደረጃ ኣዛቢዕናዮ ኣለና። ርግጽ’ዩ ደንጒና ኔርና። ይኹን ደኣምበር እቲ መጽሓፍ ምስተረኸበ ናይ መጀመርያ ዕማምና ዝገበርናዮ፣ ነታ ነጥብን ካልኦት ነገራትን ምዝባዕ ነበረ። ነዚ ምትግባር እንተኽኢልና ድማ፣ ነቲ መጽሓፍ ከምዘለዎ ሰሪቕና ኮነ ኣጥፊእና ንጥቀሞ ነገር የለን። ኣብ ክንድኡ፣ ተዛቢዑ እንተጸንሐ ኢዩ ንኻልእ ተወሳኺ ስራሕ ክሕግዘና ዝኽእል። ከምዝበልክዎ፣ ነቲ ካልእ መጽሓፍ’ውን ናብ ምልክት ሕቶ መታን ከእቱ። ስለዚ ገዲፍናሎም ወጺእና። ምሉእ ብምሉእ ኣብ ኢድና ጥራይ ከም ዝርከብ ምግባር ምንም ጥቕሚ ስለዘይነበሮ ማለተይ ኢየ። ሕጂ’ውን ጥቕሚ የብሉን። ቀንድን ዓብን ነገር ግና እቲ መጽሓፍ ምስተረኸበ ብምሉኡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ከይካተት ምግባርና ኢዩ። ካብ ሕዝብታት ዓለምና ነዚ መጽሓፍ ኣብቲ ቀንዲ መጽሓፎም ብከፊል’ውን እንተኾነ ኣካቲቶም ዝጥቀሙሉ ናይ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብያተ ክርስቲያናት ጥራይ ኢየን። ውሑዳት ነቲ ነገር ተረዲኦም ናይ መጀመርያ ቋንቋ ግእዝ ምዃኑ ከይፈልጡን ሄኖክ’ውን ዝጸሓፎ ብግእዝ ምዃኑ መታን ከይፍለጥ ኢልና እቲ መጽሓፍ ኣብ ዝተረኸበሉ ቅንያት ንዝተወሰና ክፍልታት ብግሪኽ፣ ብእብራይስጢ ኣስተርጒምናን ቀደም ዝተጸሓፉ ከምዝመስሉ ጌርና ብምድላውን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን ኣብ ኤውሮፓን ከም ዝብተን ጌርና። በዚ’ውን ናይ’ቲ መጽሓፍ ኣከራኻርነት ኣበራቲዕናዮ። ክሳብ ሕጂ’ውን ሄኖክ ዝጸሓፈሉ ቋንቋ ኣከራኻሪ ኢዩ ዘሎ። ከምዚ ዝገበርና’ውን ኮነ ኢልና ኢና። እዚ ኮይኑ’ውን ኢትዮጵያውያን መሃይም ስለዝኾኑ ክሙግቱ ኣይክእሉን ደኣምበር ተኸራኺሮም ክረትዑ ምኸኣሉ ነይሮም። ከመይ ገይሩ ብብዙሕ ቋንቋ ክጸሓፍ ይኽእል? ኣብ ዘመን ሄኖክ ዝነበረ ናይ ዓለም ቋንቋ ግእዝ ከምዝነበረ እንዳተፈለጠ ከመይ ጌሩ ብግሪኽ ክርከብ ይከኣል? ኢሎም እኳ ኣይሓተቱን። ከምዘይሓቱ’ውን ርግጸኛታት ኔርና። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት’ውን ኢትዮጵያውያን ዝሓስቡ ዘለዉ ካብ ግሪኽ ናብ ግእዝ ከም ዝተተርጎመ ኢዩ። በዚ’ውን ብዙሕ ግዜ ይስሕቕ ነይረ። ምኽንያቱ ናይ ግሪኽ ፊደል ዝመጸ ትማሊ፣ ናይ ግእዝ ቋንቋ ግና ኣዝዩ ቀደም ስለዝኾነ ኢዩ። ሄኖክ ኣብ ዝነበረሉ ዘመን ድማ፣ ግሪኽ /ጽርዕ/ ዝበሃል ሕዝቢ ኮነ ቋንቋ ኣይነበረን። ይትረፍ’ዶ ኣብ ናይ ሄኖክ ዘመን ኣብ ናይ ኣብርሃም ዘመን እኳ ግሪኽ ዝበሃል ነገር ኣይነበረን። ኣብ ናይ ሄኖክ ዘመን እብራይስጥ ዝበሃል ቋንቋ ንባዕሉ ኣይነበረን። ቋንቋ እብራይስጥ ንግእዝ ወድወዱ. . . . ኢዩ። ቋንቋ ክደባለቕ ከሎ’ኳ ግእዝ ጥራይ ኢዩ ህልውናኡ ሓልዩ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ተወሲኑ ዝተረፈን ክሳብ ሎሚ ዘሎን። ቋንቋ ኣብ ዝተደባለቐሉ ግዜ እቶም ካብ ነገድ ሴም ዝኾኑ ነዚ ናይ ሕጂ እብራይስጥ ዝተበሃለ ቋንቋ ምዝራብ ጀመሩ። ብድሕሪ እቲ ምድብላቕ ቋንቋታት ዝተወለደ ኣብርሃም እብራይስጥኛ ክዛረብ ጀመረ። ብድሕሪኡ ዝተንስአ ትውልዲ’ውን ሒዝዎ ቀጸለ። ኣብ ዘመነ ሙሴ’ውን ንዕኡ ይጥቀሙ ስለዝነበሩ ሕገ ኦሪት ተጻሒፉ ተዋህቦም። ኣጽንዕዎ ተመሃርዎ። እቲ ሕገ ኦሪት ድማ ስዒበ ከምዘነጽሮ፣ ናብ ኢትዮጵያ ኣተወ’ሞ ናብ ግእዝ ተተርጎመ። ከምዚ ኢዩ እቲ ታሪኽ። ነዚ ኢየ ብዙሕ ግዜ ዝስሕቕ። ንሶም ግና ጠቓሚ ከምዘይኮነ ስለዝኣምኑ ብቐሊሉ ነቲ ንብሎም ነገራት ንምቕባል ተማቲኦም ኣይፈልጡን። ስለዚ መጽሓፈ ሄኖክ ንዓና ኣዝዩ ወሳኒ ስለዝነበረ ኣተኩሮ ሂብናዮ ጸኒሕና ኣለና፣ ነዚኦም ዝኣመሰሉ ሰፋሕቲ ዕማማት’ውን ሰሪሕና’ለና።
“እቲ መጽሓፍ ስለምንታይ ኣብኡ ከምዝተረኸበን ዝተጻሕፈሉ ቋንቋ እንታይን ብኸመይን ከምዝነበረ ሓቲትካ ኣለኻ። ብግእዝ ከምዝተጻሕፈ እብ ላዕሊ ገሊጸዮ’ለኹ። እወ እቲ መጽሓፍ ዝተጸሓፈ ብቋንቋ ገነት ኢዩ። በቲ በዓል ሳድስ ዝኾነን ነቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ኣዳም ተባሂሉ ዝተዳለወ፣ በዓል ሸውዓተ ተነባቢ ፊደላት ዘለዎን 26 ሆሄያት ብዝሓዙ ፊደልን ቋንቋን ኢዩ ተጻሒፉ። ኢትዮጵያውያን ግእዝ ይብልዎ። እዚ ቋንቋ’ዚ ሃይማኖታዊ ቋንቋ ኣይነበረን። ናይ ሕዝቢ ዓለም ወይ ናይ ኩሉ ወድሰብ ቋንቋ ዝነበረ ኢዩ። ቋንቋታት ክከፋፈሉ ከለዉ’ውን መሰረቶም ግእዝ ገይሮም ኢዮም ተመቓቒሎም። ቋንቋ ቅድሚ ምምቕቓሉ ኮነ ድሕሪ ምምቕቓሉ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ ቋንቋ ኮይኑ ኢዩ ጸኒሑ። ኣብ ዓለምና ኣብዚ ሕጂ ግዜ እቶም እንኮ ቋንቋ ግእዝ ተጠቀምቲ፣ ኢትዮጵያውያንን ሒደት ኤርትራውያንን ጥራይ ኢዮም። ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ግና ነቲ ቋንቋ ብኻልእ ተኪኦም ናይ ግእዝ ዘርኡ ከይሓደገ ብዝተሓደሰ ቋንቋ ለዊጦሞ’ለዉ። ኣምሓሪክ ይበሃል። ሕጂ’ውን ሃገራዊ ቋንቋኦም እዚ ኣምሓሪክ ዝበሃል ኢዩ። እቲ ፊደሉ ያው ከምቲ ናይ ግእዝ ፊደል ኮይኑ 34 ዝኾኑ ሆሄያት ኣለውዎ። በዚ ምኽንያት ብዙሕ ጽሑፋት ግእዝ ናብ ኣምሓሪክ ክትርጉምዎም ተገይሩ’ሎ። ኩሎም ናይ ግእዝ ሰነዳት’ውን ኣብ ኢድና ኣለዉ። ብሓጺሩ እቲ ቋንቋ ክጠፍእን ናትና ዝኾኑ ሰባት ጥራይ ንምርምር ክጥቀሙሉን ጌርና’ለና። ኣብኡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ’ውን ካብ ብዙሓት ብውሑዱ ናትና ኣብ ዝኾኑ ናይ ቤተ ክህነት ሰባት ጥራይ ተወሲኑ ክተርፍ ብዙሕ ሰሪሕና’ለና። ስለዚ መጽሓፈ ሄኖክ ብግእዝ ኢዩ ነይሩ ተጻሒፉ። ብድሕርዚ ብዉሑድ መጠን ነቲ ዝተበረዘ ናብ ኣምሓርኛ ተርጎምዎ። ንሶም ከምኡ ቅድሚ ምግባሮም ግን ጌና ግእዝ ኣብ ዝጥቀሙሉ ዝነበረ እዋን ንሕና ብእብራይስጥን ብግሪኽን ተርጒምና ሃንደበት ከም ዝተረኸበ ኣምሲልና ሰብ ኣብ ዘይበዝሖ ጫካ ሰንደናዮ። ተረኺቡ ተባሂሉ ጉድ ተባህለ። ኣብ እስራኤል’ውን ብተመሳሳሊ ከምኡ ኢና ጌርና። ስዒቡ ናብ እንግሊዝኛን ናብ ኩሉ ቋንቋታትን ተተርጎመ። እታ ሓቀኛ ግና ምሳና ጥራይ ኢያ ዘላ። ከምኡ ዝገበርና ናይቲ ዝተጻሕፈሉ ልክዕ ግዜ መታን ከይፍለጥን ኣከራኻሪ ኮይኑ ክቕጽል ብዝብል ኢዩ። ነቲ ብጽርዕ /ናይ ቀደም ግሪኽ/ ተረኺቡ ዝተባሃለ 1 ሽሕ ፣ ብእብራይስጥ ተረኺቡ ዝተበሃለ ድማ 2 ሽሕ እንዳገበርና ብኹሉ ቋንቋን ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራትን ኣብ ዝተፈላለየ ዘመንን ከም ዝተረኸበ ኣምሲልካ ካብ ምድንጋርን ዝሓይሽን ዝቐልልን ስራሕ ኣይነበረን። ንሱ’ውን ሰለጠና።
“እቲ መጽሓፍ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተረኸበሉ ሚስጥር ከፍልጠኩም” በሉ’ሞ፣ ነቲ ንጹርን ሰፊሕን ስክሪን ኣጻብዕቶም ተጠቂሞም ግንጽል. . . ግንጽል. . . ምስኣበልዎ፣ ጢጥ. . . ጢጥ. . . ጢጥ. . . ዝብል ትሑት ድምጺ ከስማዕ ጸንሐ። ኣብ ዝደልይዎ ቦታ ምስ በጽሑ
ትንክፍ ኣቢሎም ነቲ ናይ ቪድዮ ምስሊ ክጅምር ገይሮም ብህድኣት ናብ መንበሮም መጺኦም ኮፍ በሉ። ፍርቂ ጠመተኦም ናብ ስክሪን ፍርቂ ጠመተኦም ናብቶም ተኣከብቲ ገይሮም ትንተናኦም ቀጸሉ። እቲ ዝትንትንዎ ነገር’ውን ብምስሊ ቪድዮ ውሕዘቱ ሓልዩ ነቶምተኣከብቲ ብግልጺ ምርኣዩ ቀጸለ።
“እቲ መጽሓፍ ኣብ ኢትዮጵያ ክርከብ ዝኸኣለ ብሰንኪ ወድ-ወዱ ኢዩ። ብናይ ሄኖክ ወድ-ወዱ ማለተይ ኢየ። ኣቐዲሙ ብሓውኹም መራሒ ኣሜሪካ ከም ዝተገለጸ ወድሰብ ብኢፍትሓውነት ብጥፍኣት ማይ ምስ ጠፍአ ካብ ናይ ምድሪ ሰባት ሓደ ውልቀሰብ ጥራይ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ኣይሓደጎን ነበረ’ሞ ምስ ቤተሰቡ ደሓነ። እዚ ንሄኖክ ወድ-ወዱ ዝኾነ ኖህ ዝተባሃለ ውልቀሰብ ምስ ቤተሰቡን ምስ ናይ ምድሪ እንስሳታትን ምስ ደሓነ፣ ሚዛናውነት ብዝጎደሎ መንገዲ፣ ነታ፣ እቲ ናይ መጀመርያ ሰብ ዝተሰጎጎላ ምድሪ ክሰፍረላ ሃቦ። እዚ ሰብኣይ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ጥቓ ምንጪ ሩባ ግዮን ኣብ ዘሎ ሓደ ጎቦ ይዓልብ። እዚ ሰብ ናይ ሄኖክ ወድ-ወዱ ከም ምዃኑ መጠን ናይ ኣቦሓጎኡ ኩሉ ዶክመንት ብኽብሪ ሒዙ ኢዩ ናብ መርከብ ኣትዩ። ካብ መርከብ ወጺኡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተባሃለት ምድሪ ናብራ ጀመረ። ካልኣይ ምዕራፍ ወድሰብ’ውን ብመንገዲ እዚ ሰብኣይ ጀመረ። ኣብዚ ሓድሽ ዝኾነ ካልኣይ ናይ ወድሰብ ምዕራፍ ድማ ኣብኡ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ደቁ ክነብር ብምጅማሩ፣ ብመንገዲ ደቁ ብዝሕ ዝበሉ ደቅ-ደቂ ኣፍረየ’ሞ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ነገድ ኮነ። ነቶም ነገዳቱ ኣኪቡ’ውን ነቲ ብትእዛዝን ሓይልን ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ዝተሰርሐ መርከብ መጠኑ ኣንኢሶም ነገር ግን ኣመሳሲሎም ክሰርሑ ኣዘዞም’ሞ ክልተ ተመሳሰልቲ መራኽብ ክሰርሑ ከኣሉ። ብድሕርዚ ነቶም ሴም፣ ካም፣ ያፌት ዝተባሃሉ ሰለስተ ደቁ ካብቲ ላዕለዋይ ኣካል ብዝተዋሃቦ መምርሒ መሰረት ናብ ሰለስተ መኣዝናት ፋሕ ኣበሎም። ንሴም ነታ ናይ መጀመርታ ዝኾነት ናቱ መርከብ ሂቡ ምስ ነገዱ ብሸነኽ ቀይሕ ባሕሪ ክኸይድ መርሖ። ንካም ካብተን ሓደሽቲ ዝተሰርሓ ሓንቲ መርከብ ሂቡ ናይ ሩባ ኣባይ (ፈለግ ኒል) መስመር ሒዙ ብሸነኽ ምዕራብ ነዛ ናይ ሕጂ ኣፍሪቃ ክሕዝን ክፋረን ናብ ምድሪ ኣፍሪቃ ኣፋነዎ። ንያፌት ድማ ነታ ዝተረፈት መርከብ ሂቡ ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣቋሪጹ ክሓልፍ ኣዘዞ። እዞም ሰለስተ ነገዳት 50 ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ ምድላዋቶም ኣጻፊፎም፣ ከምቲ ኣቦኦም ክድሕን ከሎ ዝገበሮ ዓይነት ናይ እንስሳታት ምምቕቓል ገይሮም መርከቦም ብሰብን ብእንስሳን እንዳጓዓዓዙ ናብቲ ዝተሓበርዎ ኣንፈት ተዋፈሩ። ብመሰረት እዚ ዓይነት ዝርግሐ ነገዳት’ውን፣ ሴም ኤውሮፓን ብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕን ሓዘ። ካም ኣፍሪቃ ብምልእታ ሓዘ። ያፌት ብምሉኡ ርሑቕ ምብራቕ ሒዙ ህይወት ቀጸለ። ኖህ ግና ኣብቲ ዝነበሮ ምድሪ ኢትዮጵያ ተወሲኑ ተረፈ። ኣብ ማዕዶ ግዮን ናብ ዘላ ስፍራ ተጓዒዙ’ውን ኣብታ ቦታ ሓንቲ ቁሸት መስሪቱ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ ሞተ። ደቅ-ደቁን ሓሽከራቱን ከኣ ቀበርዎ። ነቶም ደቁ ከፋኑ ከሎ ምስኡ መታን ክኾኑ ዘትረፎም ካብ ሰለስቲኦም ዝተዋጽኡ ትውልዲ ነበርዎ። መጽሓፈ ሄኖክ ሓሙሽተ ጥራውዝቲ ይንበርዎ ደኣምበር ዝኾነ ካብኣቶም ከይተወሰደ ኣብ ኢትዮጵያ ኢዩ ተሪፉ። እተን ኣርባዕተ ጥራዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለየ ስፍራታት ኢዮም ነይሮም ዝርከቡ። ነቲ ሓደን ቀንድን ግና እቶም ምስኡ ዝነበሩ ነገዳት ወይ ደቅ-ደቁ፣ ኖህ ሞይቱ ክቐብርዎ ከለዉ ነቲ ቀንዲ መጽሓፈ ሄኖክን ካልኦት ታሪኻዊ ሰነዳት፣ ኣብ መቓብሩ ኣንበርዎ። ኣስተውዕሉ! ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ከም ዝተገለጸልኩም እቲ ላዕለዋይ ኣካል ብናይ ቁጽሪ ቀመር ኢዩ ንዓለም ሒዝዋ ዘሎ። ኩሉ መንፈሳዊ ኣሰራርሕኡ ምስ ናይ ቁጽሪ ቀመርን ምስ ፊደላት ግእዝን ዝተተሓሓዘ ኢዩ። ናትና ልዑል’ውን ብናይ ቁጽሪ ቀመር ከም ዝምራሕ ትፈልጡ ኢኹም። ስለዚ እቲ ጥፍኣት ማይ ዝተኸስተሉ ብ1656 ዓመተ ዓለም ኢዩ ነይሩ። ሰብ ካብ ዝፍጠር ኣብ መበል 1656 ዓመቱ ናይ ማይ ጥፍኣት ኣጓነፈ/ ድሕሪ 5500 ዓመት ብ1656 ዓ.ም ድማ እቲ ካብ ሕዝቢ ዓለም ተሰዊሩ ዝጸንሐ ናይ ኖህ ቦታ መቓብሩ ተረኽበ። ኣብ 1656 ዓ.ም ሓደ ንጉስ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ መቓብሩ ቤተ መንግስቲ ሓነጸ። እዚ ትርእይዎ ሕንጻ ቤተ መንግስቲ ምሕናጽ ዝወድአ ብ1656 ዓ.ም ኢዩ። ማይ ጥፍኣት ዝመጸሉ ብ 1656 ዓመተ ዓለም እንተድኣ ኮይኑ፣ ክርስትና ክሳብ ዝመጽእ ዝነበረ ዘመን 3844 ዓመታት ይኸውን። ድሕሪ ክርስትና ከም ብሓድሽ ሓደ ኢሉ ምቑጻር ካብ ዝጀመረሉ ግዜ እዚ ህንጻ ክሳብ ዝተሃነጸሉ ዘሎ ግዜ ድማ 1656 ዓመታት ኢዩ። ናይዞም ክልተ ኣዝማን ድምር 5500 ዓመት ይኸውን ማለት ኢዩ። ካብቲ ናይ መጀመርታ ወድሰብ ኣትሒዙ ካሳብ ግዜ ክርስትና ዝነበረ ዘመን ድማ ከም ትፈልጥዎ 5500 ዓመት ኢዩ።
“እቲ ላዕለዋይ ኣካል እንኮ ኣማኒኡ ኖህ ጥራይ ስለዝኾነን ይፈትዎ’ውን ስለዝነበረ ከምኡ’ውን ንዘርኢ ኢሉ ዘትረፎ ሰብ ከም ምዃኑ መጠን ብሽም ቤተ መንግስቲ ዘመኑ ሓልዩ መዘከርታ ኣቖመሉ። ቅርጹን ኩሉ ትሕዝቶኡን ነቲ መርከብ መሲሉ ተሰርሐ። ርግጽ ኢዩ ኢትዮጵያውያን ነዚ ታሪኽ ፈጺሞም ኣይፈልጥዎን ኢዮም።
“ብዝኾነ ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ነቲ ኖህ ዝተቐበረሉ ቦታ፣ እዚ ንጉስ ኣብዚ ዝተባሃለ ዘመን ሃንደበት ነቲ ምድረ በዳ ዝመስል ቦታ ንቤተ መንግስትነት ከውዕሎ ሓሰበ’ሞ ሓጹር ሓጸሮ። ህንጻ ቅድሚ ምጅማሩ ክኩዓት ከሎ’ውን ምስ ኖህ ሓቢሮም ዝተቐበሩ ብርክት ዝበሉን በብዓይነቱን ክቡር ማዕድናት ክርከቡ ከለዉ፣ እዚ ብቖርበት ዝተጻሕፈ ናይ ሄኖክ መጽሓፍ’ውን ምስኡ ይርከብ’ሞ ኣብ ኢድ እቲ ንጉስ ይኣቱ። ስለዚ እቲ ቀንዲ ናይ ሄኖክ መጽሓፍ ን5500 ዓመታት ተቐቢሩ ድሕሪ ምጽናሕ ናይ ሎሚ ኣስታት 400 ዓመት ኢዩ ተረኺቡ። ካብተን ካልኦት ኣርባዕተ ጥራዝ ዝበልጽን ንዓና ወሳኒ ዝኾነን እቲ ቀንዲ እዩ። በዚ’ውን እቲ ካብ ጥፍኣት ማይ ዝደሓነ ወድሰብ ናይ መጀመርታ መስፈሪቱ ዝኾነት ምድሪ እታ ዓዲ ምዃና ተረጋገጸ። ምኽንያቱ ናይ ኣቦሓጎኡ መጽሓፍ ሒዙ እንድዩ ተረኺቡ። ምስኡ ሓቢሩ ዓጽሙ ተረኸበ፣ ሃብትታቱ’ውን ተረኽበ፣ መጽሓፈ ሄኖክ’’ውን ተረኽበ። ኩሉ ነገር ኢትዮጵያ ተረኸበ። በዚ መሰረት እዚ፣ እቲ ወሳኒ ዝኾነ ናይ ሄኖክ መጽሓፍ ተረኺቡ ኣብ ኢድ እቲ ንጉስ ይኣቱ’ሞ ብኽብሪ ይቕመጥ። ብድሕርዚ፣ ድሕሪ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ኣብቶም ተኸታቲሎም ዝነገሱ ነገስታት ናይ ስልጣን ባእሲ ይለዓል’ሞ ሓንቲ ተዋበች /ምንትዋብ/ ዝተባሃለት ዕድመ ዝደፍአት ንግስቲ ካብ ቤተ መንግስቲ ንኽትግለል ይግበር። ኣብቲ ግዜ’ቲ ካብቲ ከተማ ርሕቕ ኢላ ትኸይድ’ሞ ነዚ ቤተ ክርስቲያን ኣስሪሓ ኣብዚ ምንባር ትጅምር። ኣብ ውሽጢ እቲ ቤተ መንግስቲ ዝነበሩ ሓደ ሓደ ዶኩመንታት ክትወስድ ከላ’ውን ነቲ ቀንዲ መጽሓፈ ሄኖክ ኣጠቓሊላ ኢያ ነይራ ወሲዳቶ” ብማለት ነቲ ኣብቲ ሰፊሕ ስክሪን ውልዕ ዝበለ ተንቀሳቓሲ ምስሊ ግልጽ ኢሎም እንዳረኣዩን ብኢዶም እንዳኣመልከቱ ብምርኣይ ገለጻኦም ቀጸሉ። “ኣብቲ ግዜ’ቲ እቶም ነገስታት ህጻናት ስለዝነበሩን ናይቲ ወቕቲ ኩነታት’ውን ንስልጣን ክብሉ ብዝገብርዎ ዝነበሩ ቅልስ ዝተመልአ ስለዝነበረ፣ ናይ ሄኖክ መጽሓፍ ምስተረኸበ ብግቡእ ክምርምርዎን ከመርምርዎን ኣይደፈሩን። ግዜ’ውን ኣይነበሮምን። ኣብ ርእስ’ዚ እውን ናትና ናይ ቅድም ሰባት ዝነበሩ ጳጳሳት እንዳለኣኽና ነመሓድሮም ስለዝነበርና ኩሉ ነገር ኣብ ሓጺር ርሕቀት ኮይኖም ይከታተሉን መንፈሳዊ ሰነዳት’ውን ይቆጻጸሩን ነይሮም። ብመንገዶም ጌርና’ውን ኣብቲ ዘመን ክስራሕ ንዝነበሮ ስራሕ ሰሪሕና’ለና። ኣብ መጽሓፈ ሄኖክ ጥራይ ዘይኮነ ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት። ስለዚ እዚ መጽሓፍ ኣብ ዝተረኸበሉ ወቕቲ፣ ነቲ ቤተ ክርስቲያን ዝመርሑ ኣባልና ዝኾኑ ጳጳስ ስለዝነበሩ፣ ብቐዳምነት ዘርኣይዎም ንዕኦም ኢዩ። ኣብ ኢዶም ምስ ኣተወ’ውን በቲ ኩነታት ተገሪሞም፣ ነገር ግን ከም ዘይተገረሙ መሲሎም ቁሩብ ምስ ረኣይዎ፣ ብዙሕ ናይ ግእዝ ኣፍልጦ ስለዘይነበሮም ካልእ ልኡኽ ክሳብ ዝለኣኸሎም ነቲ ዓንተዎ ዝበልክዎ “በለ” “በለ”…“በለ” ዝብላ ቃላት ጥራይ ብትን ብትን ኣቢሎም ንዕኦም መዘኻኸሪ ሒዞም ኣማቲኦሞ ጸንሑ። ኣብቲ ግዜ ጠቕሊሎም ሒዞሞ ከይዶም ከትርፍዎ፣ ክሓብእዎ ኮነ ከደናጉይዎ ይኽእሉ ስለዘይነበሩ ኢዮም መሊሶሞ። ቀስ ብቐስ ነዚ መጽሓፍ ኣብቲ ወቕቲ ዝነበሩ ሒደት ኢትዮጵያውያን ናይ ቤተ ክህነት ሊቃውንቲ ምስረኣይዎ ብኢዶም እንዳጸሓፉ ሰለስተ ዝኾኑ ኮፒታት ክጥርዙ ከኣሉ። ነዘን ብኢድ ተጻሒፈን ኮፒ ዝተገብራ መጽሓፈ ሄኖካት’ውን ሌክ ታና /ጣና/ ኣብ ዝተባሃለ ቀላይ ናብ ዝርከቡ ዝነበሩ ገዳማት ንኻልኦት ለኣኹሎም።
“እቲ ቀንድን ናይ መጀመርያን መጽሓፍ ግና ኣብኡ ተገዲፉ ብንግስቲ ተዋበች /ምንትዋብ/ ኣብ ዝተሰርሐን ቁስቋም ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣብዚ ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ እቲ መጽሓፍ ተነቢሩ ጸንሐ። ከይጸንሐ፣ እቲ ናትና ጳጳስ ነቲ ሓበሬታ ነቶም ቀዳሞት ኣባላትና ተንቲኑ ምስ ገለጸ ፈታዊ ጌርና ነዚ ሰብ’ዚ ልኢኽናዮ። ‘ጄምስ ብሩስ’ ይባሃል። ተወላዲ ስኮትላንድ ክኸውን ከሎ፣ ናይ ዩናይትድ ኪንግደም ብዓል ውዕለት ኢዩ። እዚ ሰብ ብንግስቲ እንግሊዝ ተኣዚዙን እኹል ባጀት ተመዲቡሉን ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስቶም ናይ ሽዑ ነገስታት ተራኺቡ፣ ሓቢሩ መኣዲ ካብ ምብላዕ ሓሊፉ
‘እሙን ፈታዊ’ ተባሃለ’ሞ ሹመት’ውን ተዋሃቦ። ካብ 1770 ዓ.ም ጀሚሩ’ውን ንሸውዓተ ዓመት፣ ጎንደር ኣብ ዝተባሃለት ከባቢ ዘላ ኣብ ውሽጢ ቁስቋም ቤተ ክርስቲያን ይነብር ነበረ። ንኽንድኡ ዝኣክል ግዜ ዝነበረላ መደቀሲቱ እዛ ክፍሊ’ዚኣ ኢያ። ብሩህ ኣእምሮ ዝነበሮ ሰብ ኢዩ። ናይ ልዑልና ኣቐዲሙ ዝነበረ ኣባል ከም ምዃኑ መጠን’ውን ብዙሕ ስራሕ ሰሪሑ’ሎ! ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ናይ ቋንቋኦም ሰዋስው ፈሊጡን ተረዲኡን ካብኦም ንላዕሊ ሊቅ ኮይኑ ተረኽበ! ስለዚ ነቲ ቀንዲ መጽሓፈ ሄኖክን ነተን ካልኦት’ውን ገልቢጡ፣ ነተን ናብቲ ቀላይ ዝተለኣኻ’ውን ክሳብ ናብቲ ቦታ ከይዱ ሰሪቑ፣ ነቲ ክዛባዕ ዘለዎ’ውን ኣዛቢዑ፣ ንዕኦም ዝተርፍ’ውን ኣትሪፉ፣ ተመልሰ’ሞ ነቶም ናትና ሰባት ኣበርከተሎም። ንግእዝ ብጻዕሩ ምስ ሰዋሰዉ ዘጽንዐ ናይ መጀመርያ ናይ ኤውሮፓ ሰብ እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ጄምስ ብሩስ ዝተባሃለ ሰብ ናይ ቀደም ኣባልና ኢዩ። ብመንገዲ እዚ ሰብ’ውን ነቲ ኢትዮጵያውያን ንዒቖም ዝገደፍዎ ወሳኒ ወሳኒ ሰነዳት ከይተረፈ ኣብ ኢድና ኣተወ። ብኸምዚ ዓይነት ታሪኻዊ ፍጻመ ኢዩ መጽሓፈ ሄኖክ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክርከብ ዝኸኣለ። በዚ ዓይነት መንገዲ ኢዩ ኣብ ኢድና ክኣቱ ዝኸኣለ፣ ኢዩ እቲ መልሲ። ብድሕሪኡ ተተርጎመ። ስለዚ መጽሓፈ ሄኖክ ብግእዝ ተጻሒፉ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ኣብ ኢድና ምእታዉ ጥራይ ኣይነበረን ጥቕሙ። ናይ ሄኖክ መጽሓፍ ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ ማለት “ናይ ኩሉ መንፈሳዊ ነገርን ሓፈሻዊ
ታሪኽ ወድሰብን ኣብ ኢትዮጵያ ኢዩ ማለት ኢዩ” ንዝብል’ውን ተረዲእናሉ’ለና። እዚ’ውን እንተኾነ ካብ ልዑልና ዝተሰወረ ኣይነበረን። ኣብ ዝቕጽል ኣጸቢቐ ከምዝገልጾ ብሰብ ክዕመሙን ብባዕሉ በቲ ልዑልና ክዕመሙን ዘለዎም ነገርራት ስለዘሎ ኢዩ።
“ኢትዮጵያውያን ብልክዕ ብዛዕባ ሄኖክ ኮነ ብዛዕባ መጽሓፈ ሄኖክ እንታይ ኢዮም ዝሓስቡ? ኢልካ ሓቲትካ ኣለኻ፣ እቲ መልሲ ሓደ ኢዩ፣ ዋላሓንቲ! ካብ ዋላሓንቲ ዝሓይሽ መልሲ ዘድሊ እንተኾይኑ፣ ብዛዕባ ኣፈታሪኽነቱ ክሓስቡ ይኽእሉ። ካብኡ ዝሓልፍ ነገር ግን የለን። ምሁራቶም እንተኾኑ ብመሰረት እቲ ዝመሃርናዮም “ዘመናዊ ናይ መጽናዕቲ ኣገባብ ዘይሓለወ” ይብሉኻ ደኣምበር ክምርምርዎ ኣይደፍሩን። ነዚ ብዝምልከት ኩልኹም ኣይትስግኡ! ይትረፍ’ዶ ብዛዕባ መጽሓፈ ሄኖክ ነዚ ሕጂ ንዘራረቦ ዘለና፣ ኣብዚ ጉባኤ ሓደ ኢትዮጵያዊ እንተዝዕደመሉ’ሞ ሰሚዑ እንተዝነግሮም ክብልዎ ዝኽእሉ ሓደ ነገር ኢዩ፣
“ንጽውጽዋይ ብጽውጽዋይ ጌርካ ሓቂ ናይ ምምሳል ድኻም” ይብልዎ ደኣምበር ክቕበልዎ ኣይክእሉን። ካብ ናይ ዓድኹም ዜጋ ሓደ ጻዕዳ ይትረፍ’ዶ ኣብዚ ጉባኤ ተዓዲሙ፣ ኣልዕል ኣቢሉ ብምሕሳው እንተዝነግሮምን እንተዝጽሕፈሎምን ግና ሚእቲ ካብ ሚእቲ ይቕበልዎ።” በሉ’ሞ ብስቕታ ቁሩብ ስጉም ስጉም ኣቢሎም፣ ነቲ ሰፊሕ ንጹር ስክሪን ከም ንሽምዓ ኡፍፍፍ. . . . .ኢሎም ኣጥፍእዎ። ነዚ ምስገበሩ ካባኦም እንዳጎታቱ ናብ መንበሮም ተመሊሶም ኮፍ በሉ። ኮፍ ኢሎም’ውን፣ “ጃፓን!” ክብሉ ጀመሩ።
“ኢትዮጵያውያን ገነት ኣብ ውሽጢ ዓዶም ምህላዋ ኣይፈልጡን። ኣዝዮም ዝቑጸሩ ናይ ቤተ ክህነት ሰባት ግና ኣፋፍኖት ኣለዎም። ነገር ግና ብመርትዖ መታን ከየረጋግጹ ዓቢ ስራሕ ስለዝሰራሕና ኣይፈልጡን’ዮም፣ ኢዩ እቲ መልሲ። ብርግጽ እቶም ቀዳሞት ኢትዮጵያውያን ገነት ኣብ ዓዶም ከም ዘላ ኣጸቢቖም ይፈልጡ ነይሮም። ካብ መበል 18 ክፍለዘመን ንደሓር ዘለዉ ግና ኣይፈልጡን ክፈልጡ’ውን ኣይክእሉን። እቶም ፈሊጦም ዝነበሩ ቀዳሞት ግና ብውሑዱ እኳ እንተኾነ ነዛ ዩኒቨርስ ክሳብ ምእዛዝ በጺሖም ነይሮም። ነፋሳት፣ ዝናብ. . . . ደመና ወዘተ. . . ምቁጽጻር ክኢሎም ነይሮም። ንሱ’ውን እንተኾነ ንተራ ሃይማኖታዊ መጀሃሪ ካብ ምግልጋል ሓሊፎም ንኻልእ ነገር ኣየውዓልዎን። ካልእ ክብልዎን ክገብርዎን ዝኽእሉ ነገር ኣይነበረን።
“ኢትዮጵያ ዘሕዝኑ ፍጡራት ዘለዋ ዓዲ ኢያ። ዜጋታታውን ኣይደማመጹን። ቀናኣትን ተንኮለኛታትን ኢዮም። ሃሜተኛታት ’ውን ኢዮም። ሓደ ሰብ ተንሲኡ ንሓቂ እንተዝነግሮም ዝተዓብለሉ ስለዝመስሎም ኣሚኖም ንምቕባል ኣይደፍሩን። ንኣብነት ናይዚ ዘመን መንእሰይ ትውልዲ ሓደ ነገር ፈሊጡ ክነግርን ክጽሕፍን እንተዝፍትን እቶም ዓበይትን ሽማግለታትን ርእስ ርእሱ ሃሪሞም ይመልስዎ ደኣምበር ክሰምዕዎ ኣይክእሉን። ሰፊሕ መጽናዕቲ ጌርና ብዝረኸብናዮ ውጽኢት መሰረት፣ ዜጋታታ ኣይከባበሩን። ንሓድሕዶም ብጣዕሚ ኢዮም ዝነዓዓቑ። ብመንነቶም ይሓፍሩ። ብገዛእ ርእሲ ምትእምማን የብሎምን። ናይ ሰብ ደኣምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቂ ናይ ምቕባልን ናይ ምእማንን ባህሊ ፈጺሙ የብሎምን። ንዓናን ነቶም ናትና ሰባትን ዝነገርናዮም ጥራይ ከይተማትኡ ይኣምኑ። ብሰንክ’ዚ እውን ብዙሕ ስራሕ ክንሰርሕ ጸኒሕና ሕጂ’ውን ንሰርሕ ኣለና። ኣብ ርእስ’ዚ ናትና ጻዕሪ፣ ናይ ገዛእ ርእሶም ባህሪ ክውስኹሉ ከለዉ ድማ ንስራሕና ከቀላጥፉን ከቃልሉን ክኢሎም ኣለዉ። ስለዚ ስግኣት ኣይሃሉኻ! ሕዝቢ ኢትዮጵያ ክነቅሕ ኣይክእልን ኢዩ። ከማን ሕሉፍ ሓሊፉ፣ ህልውና ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ዝጠራጠሩ ሕዝብታት ዝበዝሕዋ ዓዲ ኢትዮጵያ ኢያ። እቶም ዘመናዊ ትምህርቲ ዝጠዓሙ ዜጋታታ’ውን በዚ ኢዮም ፈላጥነቶም ዘረጋግጹ። ዘይሰምዕን ንገዛእ ወገኑ ንምሕማይን ፣ ንናይ ባዕሉ ሓቂ ንምንቁሻሽን ተዳልዩ እንዳተጸበየ ዝነብር ሕዝቢ ከመይ ገይሩ ክነቅሕ ይኽእል ኢልና ንሓስብ? ከመይ ገይሩ’ኸ ክመራመር ይኽእል? ኢትዮጵያውያን ኣእምሮኦም ብሙሉኡ ንጽውጽዋይን ንምንቁሻሽን ወይ’ውን ንዘይግባእ ዘረባ ደኣምበር ኣብ ዝኾነ ይኹን እዋን ልቦም ንሓቂ ከፊቶም ኣይፈልጡን ኢዮም። ስለዚ ረስዓዮም፣ ከምዘየለዉ ቁጸሮም።
“ናቶም ተጽዕኖ ፈጠርቲ ካብዝኾኑ ሰባት ኣባል ጌርና ዲና? ዝብል ሕቶኻ መጠነኛ ሰሓቕ ዝዕድም ኢዩ። ብዓል መን ኢዮም ናይ ኢትዮጵያውያን ተጽዕኖ ፈጠርቲ ዝበሃሉ ሰባት? ንሕና እንዲና! ጻዕዳ ሕብሪ ቆርበት ሃልዩካ ናብኦም እንተ ኬድካን ሒደት እዋን ሓቢርካዮም እንተኔርካን ንስኻ ባዕልኻ ተጽዕኖ ፈጣሪ ዝኾንካ ንጉሶም ትኸውን። ሸውዓተ ሽሕ ዓመት ሙሉእ ሓቚፎሞ ዝጸንሑ ናይ መንነት ታሪኽ ንስኻ ጃፓናዊ ሎሚ እንተትኸይድ’ሞ ምስኦም ሓደ ሰሙን ጸኒሕካ መጽናዕቲ ጌረ ኢልካ መጽናዕታዊ ጽሑፍ እንተተውጽእ ነቲ ናይ ሸውዓተ ሽሕ ዓመት ታሪኽ ሰንድዮም ንዓኻ ይቕበሉኻ። ሽዑ ብዛዕባኻ ይጽሕፉ፣ ምሁራታ’ውን ንዓኻ ጠቒሶም ነቲ ናትካ ርኽበት ናብ ምስትምሃር ይሓልፉ። ኣብ ሳልስቲ ስርዓተ ትምህርቶም ይቕይርዎ። ዝቕይርዎ ግና ነቲ ናትካ ናይ ጃፓናዊ መጽናዕቲ ንምክታት ኢዩ ደኣምበር ኣጻርዮምን ኣሚኖምሉን ኣይኮነን። ሓደ ናቶም ዝኾነ ሰብ፣ ቋንቋ ግእዞም መሰረት ገይሩ ገለ ናይ ምርምር ውጽኢት እንተዘቕርብን እንተ ዝጽሕፍን ግና ናይ ነቐፌታ መንደራግሕ ይወርዶ ደኣምበር ሰማዒ ኣይረክብን። ነቲ ግእዝ ጠቒሱ ዝጸሓፈን ዝመሃረን’ውን ከም ድሑር ኢዩ ዝቑጸር። ንስኻ ግና ብናትካ ናይ ጃፓን ቋንቋ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እንተትጽሕፈሎም ጃፓንኛ ተማሂሮም የንብቡልካ፣ የድንቑኻ። ስለዚ. . . . ድንቁርና ዘስፋሕፍሓ ዓዲ ስለዝኾነት ተጽዕኖ ፈጣሪ ዝበሃል ሰብ የብሎምን።
“ብርግጽ ጽቡቕ ኢልካ’ለኻ፣ ኣለዉ ዝብሃሉ እንተልዮም ናትና ኣባላት ምግባር ግቡእ ጥንቃቐ ስለዝኾነ። ነዚ መበገሲ ጌርና’ውን. . . . . መቸም ተጽዕኖ ፈጣሪ ኮይኖም ዘይኮነስ ሓደ ሓደ ዝተረፉ ዶክመንትታትን ቅርስታትን ብብዝሕን ብናጽነትን መታን ክንረክብ ብዝብል፣ ከምኡ’ውን ነቲ ልዑል ቁጽሪ ዘለዎ ናይ ኦርቶዶክስ ሃይማኖት ሰዓቢ መታን ከስክረልና ብዝብል ነቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሞተ ሊቀ ጳጳሳ ኣባልና ጌርናዮ ኔርና። ነቲ ስዒቡ ዝሽየም’ውን ናትና ኣባል ክኸውን ናይ ምግባር ስራሕ ኣቐዲሙ ንኽስራሕ ትእዛዝ ሂብናዮለና። ብፍልጠቱን ብተኣማንነቱን ዘይኮነ ኣፍቃሪ ገንዘብ ስለዝነበረን ንኹሉ ሕራይ ይብለና ስለዝነበረ’ውን ናይ ዓለም ኣብያተ ክርስቲያናት ፕሬዚደንት ጌርና ሼምናዮ ኔርና። በዚ’ውን እታ ዓዲ ምሉእ ብምሉእ ናትና ክትከውን ፈቒዶም ኢዮም። እዚ ዝብል ዘለኹ፣ ኢትዮጵያውያን መሃይማን ኢዮም ኢልና ተዘናጊዕና ከምዘይጸናሕና ክሕብር ስለዝደለኹ ኢየ። ተጽዕኖ ፈጣሪ እኳ እንተዘይኮኑ ከምኡ ጌርና ብምሕሳብ ብቐሊሉ ናባና ኣምጺእናዮም ኣለና። ነቶም ካልኦት ቁሩብ ንጥርጥሮም ዜጋታታ’ውን ኣብ ጎንና ጌርና’ለና። ነዚ ዝገበርናሉ ቀንዲ መበገሲ ግና ስግኣት ኣይነበረን። ሕዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ እቲ መንእሰይ ብመንገዲ እቲ ሃይማኖት ክኸዱ ኣይድለን። ንሃይማኖቱ’ውን ኣጸቢቑ ስለዘይፈልጦ ክዘራረብ፣ ክካታዕ፣ ከመዛዝን ድሉው ኣይኮነን። ስለዚ ገና ጸወታ ምስ ተጀመረ ይሃድመልካ። ስለዚ ነቲ መንእሰይ ብኻልእ ነገር ምጽዋድ ኣድላዪ ኮይኑ ረኺብናዮ። ከም ዝበልክዎ መንነቱን ገዛእ ባህሉን ንዝንዕቕ ማሕበረሰብ ምጽዋድ ዝከኣል ብባዕዲ ሃገራት ኢዩ። እዚ ንኢትዮጵያ ጥራይ ዝሰርሕ ኣካይዳ ኢዩ። ስለዚ ነቲ መንእሰይ ንምጽዋድ ብስም ባፎሜት ተጠሚቖም ካብ ዝተወደቡ ቁጽሪ ሰለስተ ሲቢል ኣባላትና ሓደ ክልተ ልኢኽና ልዑልና ቦታ ዝረኽበሉ ነገር ዘመቻቻእና ክኸውን ከሎ፣ ብፍላይ ቅድሚ ሒደት ዓመታት ዝለኣኽናያ ተላሃዪት ነቲ ግዙፍ ስራሕ ሰሪሓ ኢያ ተመሊሳ። እታ ህብብቲ መንእሰይ ናብ ኢትዮጵያ ከይዳ ምስቲ ጳጳስ ገደብ ዘይብሉ ሓጎስ ዝገበረት ክኸውን ከሎ፣ ናብ ውሽጢ መቕደስ ናይቲ ጳጳስ ንምእታውን ነቲ ዓቢ ስራሕ ንምስራሕን ዝተዓደለት ኮይናላ። ኣብቲ ወቕቲ’ውን ብስም ረድኤት ኣብ ዝወሰደቶ ኣልባሳት ተዓሺጉ ክኣቱ ዝተገብረ፣ ነቲ ናይ ልዑልና ተኣዛዚ ዝኾነ ናይ ባፎሜት ምስልታት ናብታ ሃገር
ንምእታው ኣኽኢሉና ኣሎ። ነዚ ዓቢ ስርሓ’ውን እቶም ኢትዮጵያውያን ብሃይማኖታዊ ወግዒ ዝደመቐ ልዑልን ርሱንን ኣቀባብላ ገይሮምላ ኣለዉ። ውሑዳት ኢትዮጵያ’ውን ህጻናት ከይተረፈ ኣኪባ ኣብ ኣደባባዮም ልዑልና ከም ዝምለኽ ዝገበረት ጀግና’ውን ኮይና’ላ። እዛ መንእሰይ ነዚ ስለዝገበረት ዓባይ ኢልናያ ኣለና! ተመሳሳሊ ዕማማት’ውን በዚ ከይተወሰኑ ብደረጃ መንግስቲ ኮላይ ክቕጽሉ ኢዮም።………

ይቅጽል……

©ፍስሐ ያዜ ካሣ

Published by

HABESHA PROFILE

film production writer( screenplay ,poem,and story

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.