*** ናይ ሳጥናኤል ጎል ኢትዮጵያ!! *** 7ይ ክፋል

ኦም ህይወት! ገነት! ኢትዮጵያ!

#7ይ-ክፋል

“ቱርኪ! ጽቡቕ ሕቶ ምስ ጽቡቕ ርእይቶ ኣቕሪብካ’ለኻ። ካምዝበልካዮ’ውን እቶም መራሕቲ፣ ንኢትዮጵያ ኣቕሊሎም ኣብ ክንዲ ምርኣይ ምጥንቃቕን ምድላውን ክመርጹ ኣለዎም። ኣብቲ ናይ ፍጻሜ ኲናት ዝኾነ ዓይነት ሓላፍ ዘላፍ ነገር ክርአ የብሉን። ነዚ ስለዝበልካ ኣመስጊነ ናብ ናይ ቋንቋ ሕቶኻ ከምርሕ። ነቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ቋንቋ ጸጺኻ
ምፍላጥ ወሳኒ ነገር ኢዩ። ንመራሕቲ ሓገራት G8 ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝነበረና ጉባኤ ኣበርኪትናሎም ኢና። ነዚ ናይ ቋንቋ ጥበብ ንውልቅኹም ጥራይ ዘይኮነ ነቶም ናብ ኢትዮጵያ ትልእኽዎም መጽናዕቲ ዘካይዱን ዝስልዩን ዜጋታትኩም’ውን ተበርክቱሎም። ናይቲ ውግእ ቋንቋ፣ እቲ ናይ መላእኽቲ ቋንቋ ዝኾነ፣ ግእዝ ኢዩ። ትእዛዝ ዝመሓላለፈልኩም’ውን በቲ፣ ኢትዮጵያውያን ብዘለዎም ርእስኻ ናይ ምንዓቕ ሕማምን ምርዳእ ምስ ኣበዮም
ንዒቖምን ኣርሒቖምን ዝደርበይዎ፣ ንሕና ግና ኣኽቢርና ብዝሓዝናዮን ናይ ዕቤትን ናይ ስልጣነን ማዕጾ ኣርሓዊ ዝኾነልና፣ ብናይ ግእዝ ቋንቋን ፊደልን ኢዩ። ነዚ ቋንቋ ብናይ
ልኡልና ሰናይ ፍቓድ ክትፈልጥዎ ዝተሓረኹምን እቶም ቅድሚ ሕጂ ዘይወሰድኩምን መራሕቲ ናብዚ ንዑ” ኢሎም፣ ነቲ ብሸነኽ ቦሎፎን ብቕጽበት እንዳተንሳፈፈ ዝመጸ ግዙፍ
መጽሓፍ ክቕበሉ ኢሎም ክልተ የእዳዎም ናብ ላዕሊ ዘርጊሖም ተጸበይዎ። እቲ ተንሳፊፉ ዝመጸ ሓድሽ ገበር ዘለዎ መጽሓፍ’ውን ብህድኣት ኣብ ኢዶም ዓለበ። ሽዑ ካብ G8 ዘይተጸንበርዎም መራሕቲ፣ ኣብ ከባቢ እቲ መድረኽ ተሰሪዖም ኣንዳተጸበዩ ኸለዉ እቶም ኣቡን “ውሽጥኹምን ደገኹምን ኣብርሁ ሹማምንቲ….” ምስበሉ፣ ኩሎም ክሳዶም ኣድኒኖም የዒንቶም ዓሚቶም ከፈቱ። ኣቕርንቶም ኣብ ግንባሮም፣ ምልክት 666 እውን ኣብ ግንባሮም ክርአ ምስጀመረ ቅንዕ በሉ።
“ብኽልተ የእዳውኩም ነዚ መጽሓፍ ብጥንቃቐ ዳህስስዎ” ብማለት ከመይ ገይሮም ክድህስስዎ ከምዘለዎም ኣርኣይዎም። ኣስዒቦም፣ “ብድሕሪኡ ን6 ሰከንድ ኣብ ግንባርኩም ከተጣብቕዎ ኢኹም” ብማለት፣ ሕጂ’ውን ከመይ ገይሮም ኣብ ግንባሮም ከጣብቕዎ ከምዘለዎም ኣርኣይዎም። ካብቲ ቀዲሙ ዝተሰርዐ ናይ ቱርኪ መራሒ ጀሚሩ እዚ ተመሳሳሊ ተግባር ንኹሎም ተሰሪዖም ዝነበሩ መራሕቲ ተባጽሐ። እቶም ነቲ ቋንቋ ዝተመልኡ መራሕቲ’ውን ምግራሞምን ምድናቖምን ከይፍለጠሎም ክሳዶም ኣቐርቂሮም ንሓድሕዶም እንዳተጨባበጡ ብናይ ግእዝን ኣምሓርኛን ናይ ሰላምታ ምልውዋጥ ንልዑሎም ብሕብረት
ናይ ምምስጋን ተግባሮም ኣብቲ መድረኽ ኮይኖም ቀጸሉ።
“እዚ ዓቢ ጥበብ ኢዩ። ተጠቐሙሉ። ንኻልኦት እሙናትኩም ምምላእ ክትደልዩ ከለኹም’ውን፣ ነቲ መግለጺ ሕውነት ዝኾነ ሰላምታ ኢድ ምስሃብኩሞም ግንባሮም ከም
ቆልዓ ስዓምዎም። ኣብታ ቅጽበት ነቲ ቋንቋ ክምልኡ ኢዮም! ነዚ ቋንቋ ኣኽቢርና ዝሓዝናሉ ብዙሕ ምኽንያት ኣሎ። ንብዙሕ ካብኡ’ውን ክዝርዝር ፈቲነ’የ። ካብቶም ዝዘርዘርክዎም ጥቕምታት ዝዛይድ ኣገልግሎት ብምሃብ ዝረድኣና ምዃኑ’ውን ደጊመ ይነግረኩም ኣለኹ! ብስፓኒሽ ወይ ብእንግሊዝ ወይ ብፍሬንች ወይ ብኻልእ ቋንቋ ተጸልዩን ተደጊሙን ዝናብን በረድን ጠጠው ኢሉ ኣይፈልጥን! ብግእዝ ግና ኩሉ ነገር ጠጠው ምግባር ይከኣል! ነዛ ዩኒቨርስ ከይተረፈ! ብሓጺሩ ካብ ቋንቋነቱ ዝሓልፍ ነገር ከምዘለዎ ደጋጊምኩም ክትሓስቡን ክትርድኡን የድሊ። ኣመስጊንኩም ነናብ ቦታኹም ኪዱ!” ኢሎም ነቲ መጽሓፍ ብኽልተ የእዳዎም ሒዞም ንላዕሊ ሓፍ ምስኣበልዎ እቲ ተቐባላይ ወሳዲ መን ምዃኑ ኣብቲ ቪድዮ እኳ ከይተራእየ፣ ተቐቢልዎም ተሰሊቡ ከደ። ብድሕርዚ ብሓባር ኣመስገኑ።
“ክብሪ ንልኡልና!” ዝብል ናይ ሓባር ድምጺ ካብ ናይ ኩሎም መራሕቲ ኣንደበት ተሰምዐ። ድሕሪ ምስጋና ኩሎም ሰላምታ እንዳተወሃሃቡ ነናብ ቦትኦም ተመለሱ። ኣብዚ ግዜ እቶም ኣቡን ፣ “ክብሪ ነቲ ናይ ጸልማት ልኡል በሉ!” ምስበልዎም፣ ኩሎም ብሓደ ድምጺ ነዚ ቃል ደገምዎ። እቶም ጳጳስ’ውን ቀጸሉ፣ “ልዕል’ዚ ጥበብ ኣሎ?” ኢሎም
ምስሓተቱ፣ “የለን!” ዝብል ቃል ነቲ ኣዳራሽ ጨደዶ።
“እቲ ዘድልየና ጥበብ ኩሉ ዝህበናን ዝሃበናን ንኹሉ ኣብ ኢዱ ሒዙ’ሎ! ስለዝሓዘ’ውን ምድርን ኣብ ውሽጣ ዘሎን ኩሉ ናቱ እዮም! ናቱ ዘበለ ድማ ናትና ኢዩ! እሞ’ኸ ደኣ ነዚ
ዝኣመሰለ ጥበብ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ነቶም ዘምልኽዎን ዝኣምንዎን ሂቡ’ዶ ይፈልጥ? ኣይፈልጥን! ናትና ልዑል ግና ፍትሓዊ ስለዝኾነ ንኹሉ ክህበና ኢዩ! ናይ ኩሉ ጥበብ
ብዓልቤት ኢና! ስለዚ ነቲ ኣቦ ጥበብ ዝኾነ ንጉስና ነኽብሮ! ኩሉ ክብሪ፣ ኩሉ ምስጋና፣ ንዕኡ ኢዩ ዝግባእ! ሕጂ ውሽጥኹምን ደገኹምን ኣጥፊእኹም በቲ ዝተመላእኹሞ ቋንቋ ንሓድሕድኩም ገለ ተበሃሃሉ” ዝብል ትእዛዝ ብእንግሊዝኛ ምስሃቡ፣ መራሕቲ ሃገራት G20 ኣብ ዓሚቕ ሓጎስ ጥሒሎም ብግእዝን ኣምሓርኛን ክዘራረቡ ጀመሩ። ካብ መንጎኦም ገሊኣቶም ብዘይእመን ኲነት፣ እንዳተንስኡ ብቋንቋ ግእዝ ቅኔ እንዳደረፉ ንልኡሎም ደጋጊሞም ኣመስገኑ። ኣብ መንጎ’ዚ፣ ሓደ ሓመዳዊ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ፣ ንእስ ዝበለ ገበል ናብቲ ጳጳስ መጺኡ ብቕጽበት ናብ ክሳዶም ደዪቡ ክልተ ዙር ተጠምጢሙ ምስኮለሎም ቀልጢፉ ህልም ኢሉ ይፍለዮም’ሞ ብዘይ ገለ ነዃል ብሸነኽ የማኖም ናብ ዘሎ መንደቕ በሲዑ ይኸይድ፣ ይስወር። እቶም ኣቡን’ውን ምንም ከምዘይተፈጥረን ሓደ ሕጻን ቆልዓ ሃንደበት መጺኡ ነቡኡ ስዒምዎ ከምዝኸደ ዓይነት ኮይኖም፣ ፍሽኽ ኢሎም ሪኦም ኣሕለፍዎ።
“ክብሪ ንሉሱፌል!” ምስበሉ፣ እቶም መራሕቲ’ውን፣
“ኣሜን!” በሉ’ሞ፣ እቶም ኮፍ ኢሎም ዘውግዑ ዝነበሩን፣ ቆይሞም እንዳተንቀጥቀጡ በግእዝ ቋንቋ ዘመስግኑ ዝነበሩን ብሓባር ነቲ ጳጳስ፣ ነቲ ናይ ስሉስ ኩርናዕ ሰላምታ ሂቦም ናብ ቦትኦም ከይዶም ኮፍ በሉ። ንውሱናት ሰከንድ’ውን ፍጹም ጸጥታ ሰፊኑ ጸንሐ። ከይጸንሐ ግና፣
“ኣውስትራሊያ!” ብማለት ቀጸሉ። “ብዛዕባ ብዝሒ ህዝቢ ሕቶ ኣልዒልካ’ለኻ። ነታ ሓዳስ ዓለም ክንምስርት ከለናን ነቲ ሓድሽ መንግስቲ ምድሪ ከነቕውም ከለናን፣ እቲ ልዕሊ ሸውዓተ ቢልዮን ዝኾነ ሕዝቢ ዓለም ብምሉኡ ኣየድልየናን ኢዩ! ጽፈት’ውን ደኣምበር ብዝሒ ጥራይ ኣይኮናን ንደሊ። ነቶም ኣየድልዩናን’ዮም ዝበልናዮም ነብሳት ኩሎም፣ ብስም ልኡልና ቆይሞም ብዘለዉ ግሉጻትን ስዉራትን ትካላት ተጠቂምና ከነጥፍኦም ኢና። እዞም ነብሳት’ውን ኣስዒበ ብዝገልጸልኩም መንገዲ፣ ንናይ ልኡልና ኩለንተና ንምርዋይ ይሕግዙ። እዚ ስለዝኾነ፣ በተን ኣቐዲምና ዘቖምናየን ናይ ሕማም ፋብሪካታትና ብዘፍርይዎ ቀለልትን ጅምላ ኣጥፋእትን ብዝኾኑ ኬሚካላት፣ ከምኡ’ውን ተመሓላለፍቲ ሕማማት፣ ነቲ ቁጽሪ ህዝቢ ንንክዮ። እቶም ከነጥፍኦም ኢልና ዝፈለናዮም ነገዳት ማእለያ ዘይብሎም’ኳ እንተኾኑ፣ ብዋናነት ግና ኣብቶም ንዕላማ ልዑልና ንምርዳእ ኮነ ንዘይምርዳእ ኣሸገርቲ ኮይኖም ዝረኣናዮም ነገድን ሕዝብን ኢና ከነተኩር። ብፍላይ ኣብ ኣፍሪቃ! እዚ’ውን ርእሱ ዝኸኣለ ናይ ኣፈጻጽማ ስልቲ ዘለዎ ክኸውን ከሎ፣ ብራድየስ ኣብ ዝተኸለለ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ መሬት ተመስሪቱ ዝትግበር ኢዩ። “ክንድምንታይ ዓቕምሰብ የድሊ?” ንዝብል ነጥቢ ብዝምልከት ነቲ ልክዕ ዝኾነ ኣሃዝ ኣብ ዝቕጽል ጉባኤ ከነውጽኦ ኢና። ነገር ግና ካብ ሕጂ ንምእንፋት ክሕግዝ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ህዝቢ ናይ ግድን ክጠፍእ ይግባእ። ሃልዩ’ውን ስለዘይጠቅም ኢየ ዝብል ዘለኹ። ነቶም ኣባላት ዘይኮኑ ወይ ክኾኑ ዘይደልዩ እንታይ ክንገብሮም ከምዘለና ደጋጊመ ስለዝገለጽክዎ ኣይደግሞን’የ። ስለዚ በዚ መዳይ ዝተጀመረ ነገር ኣሎ’ዶ? መልሱ እወ ኣሎ ዝብል ኢዩ። እቲ ፈተነ’ውን ተግባራዊ ተገይሩ ውጽኢታዊ ምዃኑ ተረጋጊጹ’ሎ። ተሪፉ ዘሎ ተግባር ጥራይ ኢዩ። ካባኹም ዝድለ ድማ መምርሒ ምስወረደ ብፍጥነት ምትግባር ጥራይ ኢዩ።
“ካናዳ!” በሉ፣ ዜማዊ ቃና ብዘለዎ ኣጸዋውዓ። “ወሰን ዘይብሉን ንኹሉ ዝሓቁፍን ምልመላ ንገብር ከምዝለና እንተ ተረዲእኻ፣ ኣባላትና ካበየናይ ሃገርን ክፍሊ ሕብረተሰብን
ይምልመሉ ከምዘለዉ’ውን ክትርዳእ ነይሩካ። ከምኡ ስለዘይኮነ፣ ካብ ኩለን ሃገራትን ካብ ኩሎም ዓይነት ክፍሊ ሕብረተሰብ! ኢለ ክምልሰልካ ኢየ። ቁጽሪ ሓደ፣ ቁጽሪ ክልተ፣ ቁጽሪ ሰለስተ ዝብል ናይ ኣወዳድባ ስርዓትን ናይ ኣመላምላ ስልትን እኳ እንተሃለወ ዕላምኡን ተጸዋዕነቱን ግና ነቲ ሓደ ልኡልና ኢዩ! ነቲ ዝኸበረ ናይ ጸልማት ልኡል! ነቲ ናጽነት ዘልበሰና ሓደ ሳጥናኤል! ኣወዳድብኡ ቅድሚ ምግላጸይ ብዛዕባኹም ክዛረብ። ንስኻትኩም ኣብ ቁጽሪ ሓደ ኣቲኹም’ኳ እንተተገለጽኩም፣ ትዛይዱሉ ነገር ኣሎ። ንሱ’ውን ማንም መራሒ ሃገር ዝኾነን ኮይኑ ዝሓለፈን ኣባል፣ ድሕር’ቲ ዓወት ብኣማሓዳሪነት ዝሽየም በዓል ስልጣን ኢዩ ዝኸውን። ነዚ እንተ ኢለ ናብቲ ዝርዝር ክሓልፍ። ቁጽሪ ሓደ ዝበሃሉ እቶም ናይዚ ጥበብ’ዚ ተለገስቲ ዝኾኑን ኣቐዲሙ ምልክት ቀርኒ ዝተዋሃቦምን ክኾኑ ከለዉ፣ መራሕቲ ሃገራትን ናይ ሃይማኖት ኣቦታትን ኢዮም። ቁጽሪ ክልተ ዝበሃሉ፣ ናይ ዓለምና ቢልዮነራትን ሳይንቲስታትን ኢዮም። ቁጽሪ ሰለስተ ዝበሃሉ ድማ ናይ ዓለምና ህቡባትን ተፈተውትን ስነጥበበኛታት፣ ሙዚቀኛታትን ኣብ ተመሳሳሊ ተግባር ዝተዋፈሩን ክኾኑ ከለዉ፣ ኣብ ውሽጦም’ውን ዝርከቡ ተራ ተመልመልቲ ኣባላት ኢዮም። እቶም ቁጽሪ ሓደ ብቐጥታ ካብ ልኡልና ትእዛዝ ተቐቢሎም ተግባራዊ ይገብሩ። ጥበብ ዝረኽቡ’ውን ብቐጥታ ካብቲ ምክትል ልኡልና ዝኾነ ካብ ሉሲፌር ኢዩ። እቶም ቁጽሪ ክልተ ድማ ነቲ ካብ ልኡልና ብሉሲፌር ኣቢሉ ናባና ናብቶም ቁጽሪ ሓደ ዝኾና ንዝመጸን በቶም ቁጽሪ ሓደ ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራትን ኣቦታት ሃይማኖትን ኣቢሉ ንዝወርደሎም ትእዛዝ ዝትግብሩ ኢዮም። ነቲ ካብ ሉሲፌር ዝወሃቦም ጥበብ ተጠቒሞም ድማ ስርሖም ይሰርሑ። እቶም ቁጽሪ ሰለስተ ብስም ባፎሜት ተጠሚቖም ብድሕሪኡ እቶም ሰዓብቲ ልኡልና ዝኾኑ መንፈሳውያን ጭፍራ ይእዘዙሎም። በዚ ኣቢሎም’ውን ብፍልጠት፣ ብገንዘብ፣ ብዝናን ብተመሳሰልቲ ነገራትን ላዕለዋይ ኢድ ዝሕዙን፣ መላእ ህዝቢ ዓለም ንልኡልና ከምዘምልኽ ዝገብሩን ኢዮም። ናይ ኩሎም ተጸዋዕነት ግና ንሓደ ሓያል ልኡል ኢዩ። ኣቲ ናይ ስራሕ ዓይነታት’ውን ብዝተፈላለየ መንገዲ ዝግለጽ ኢዩ። መጠን ጥበቦም’ውን ከከምቲ እምነቶምን ከም ተኣማንነቶምን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ ትሕት’ዚ ብደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ ኣወዳድባ’ውን ብዙሓት ጨናፍር ኣትዮም ይርከቡ። ኣባላት ብመንፈስ እንዳዓበዩ ምስከዱ’ውን ደረጅኦም እንዳለዓለ ይኸይድ። እቶም ቁጽሪ ሓደን ቁጽሪ ክልተን ጎልና ኢትዮጵያ ምዃና ይግለጸሎም። ዝቕጽል ጉባኤና ምስኦም ስለዝኾነ ነዚ ከነበስረሎም ኢና። ካብቶም ቁጽሪ ሰለስተ ግና ነቶም ኣብ ደረጃ መሪሕነት ዘለዉ ህቡባትን ብዓል ዝናን ዝኾኑ ጥራይ ከምዝፈልጡ ይግበር። ሃንደበት ምስዞም ኣሕዋትና እንተትራኸቡን ኣበየናይ ደረጃ ከምዘለዉ ክትፈልጡ ምስትደልዩን ናይ ኢድ ሰላምትኦምን ኣሰዓዕማኦምን ብምርኣይ ጥራይ ብቐሊሉ ተለልይዎም። እዚ ድማ /ሓደ/ ኣብ መንኩብ ስዒሙ ናብ ከባቢ ኣፎም ጽግዕ ኢሉ ምትንፋስ /ክልተ/ ካብ ከብዲ ኢድ ሓሊፉ ነቲ ላዕለዋይ ቅልጽም ምጭባጥ /ሰለስተ/ ንዓባይ ዓባይቶን ኣመልካቲቶን ኣጋጢምካ ናብቲ ሰላም ዝበሃል ሰብ ምጽጋዕ፣ ብድሕሪኡ ዝደለኻዮ ዓይነት ሰላምታ ምውህሃብ። ጥራይ፣ ንሕና ኣብ ዘለናሉ ኮነ ሉሲፌር ተገሊጹ ኣብ ዝረኣየና ኣዋን ድማ ከምትፈልጥዎ ናይ ሆረስ ፒራሚድ ብኢድ ሰሪሕኻ፣ ኣብ መንጽር ዓይኒ ጌርካ ብምጥማት፣ ምምስጋን። እምበኣር እቲ ምልመላ ነዚ ክመስል ከሎ፣ መግለጺታቱ ድማ ሰፋሕትን ዝርዝር ዝበሉን ኢዮም። ተልእኾኦም’ውን ከምኡ። ስለዚ ጎልና፣ ንኹሎም ዘይኮነ ነቶም ኣውራ ኣውራ ዝኾኑ ተነጊርዎም ኣሎ ክብል ይደፍር። ተኣማንነቶም’ውን ተረጋጊጹ’ሎ። እቲ ንስኻትኩም ትገብርዎ ምልመላ ድማ ነቶም ናትኩም ዋና ዋና በዓል ስልጣናት ክኸውን ከሎ፣ ነቲ ይጠቕመና’ዩ ዝበልኩሞ ኩሉ ብቐሊሉ ክትገብሩ ትኽእሉ ኢኹም። ሪፖርት’ውን ክትገብሩ ኢኹም። ትእዛዝ’ውን ክወሃበኩም ኢዩ። ብቐሊሉ ኣባል ንምግባር ትኽእሉሉ ጥበብ’ውን ተዋሂቡኩም ኣሎ። ካልኦት ተተሓሓዝቲ ነገራት ቅድሚ ሕጂ ተነጊሩኩም ስለዘሎ ምድግጋሙ ኣየድልን። ስልጣን፣ ገንዘብ፣ ማቴርያል፣ ጥበብን ውጽኢት ጥበብን ኩሎም ብግብሪ እንዳገለጽና ንኹሉ ምምጻእ ቀሊል ስራሕ ኢዩ። ናብዚ ሕብረት ዝመጸ ድማ ተጠቃሚ ደኣምበር ከሳሪ ኣይኮነን። ምኽንያቱ ኩሉ ወድሰብ ብኣዳም ዝሞተ ብሰንኪ ኦም ህይወት ኢዩ ነይሩ። ሕጂ ድማ እቲ ብዓል ዓወት ልዑልና፣ ነቲ ካብ ሞት ናብ ህይወት ዝመልስ ኦም ህይወት ኣብ ኢዱ ምስ ኣእተዋ በሊዑ’ውን ምስ ኣብልዓና፣ ማለት፣ ‘ይኹን’ ኢሉ ኡፍ ምስበለልና፣ ሽዑ ወድሰብ ካብ ምሟት ናብቲ ናይ ቀደም ዘልኣለማዊ ህያውነት ይምለስ። እዚ ኢዩ ናትና ዕላማ። ስለዚ ነቶም ኣገደስቲ ኢዮም ዝበልኩሞም ሰባት ነዚ ሓቀኛ ጥበብ ኣብ ዘለውዎ ግለጹሎም። ሽዑ ናትና ይኾኑ። ልዑልና ምስተዓወተ’ውን ነቲ ዝተነፈግዎ ህይወት ክህቦም’ዩ! ክብሪ ንልዑልና ኣሜን?!”
“ኣሜን!” ናይ ሓባር ድምጺ……።
“ቻይና!” ክብሉ ቀጸሉ። “ካብቶም ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ክዕመሙ እንዳተገብኦም ከይተዓመሙ ዝደንጎዩ ሓደ እዚ ንስኻ ዝጠቐስካዮ ፋይናንሳዊ ትካላት ናይ ምምስራት ጉዳይ ኢዩ። ዝደንጎናሉ’ውን ምኽንያት ኣለዎ። እዘን ፋይናንሳዊ ትካላት ኣብታ ዓዲ ቅድሚ ምምስራተን ክስርሑ ዝግብኦም ቅድመ ዕማማት ኣለዉ። ንግዚኡ ኣብቲ ቅድመ ዕማም ጥራይ ስለዘተኮርና ኢዩ። ንሱ’ውን ይጠናቐቕ ኣሎ። እቶም፣ ፋይናንሳዊ ትካላት ቅድሚ ምምስራቱ እንዳተሰርሑን እንዳተጠናቐቑን ዘለዉ ጉዳያት’ውን ነታ ዓድን ሕዝባን ብገንዘብ ጥራይ ዘይኮነ፣ ንገንዘብ ምስ ኣእምሮን ጉልበትን ከምኡ’ውን ምስ ለውጢ ኣተሓሳስባን ሓቢርካ ምትእስሳር መሰረት ዝገበረ ስራሕ ኢዩ።
“ኣብ ናይ ኢኮኖሚ ውድቀት ትርከብ እንኮ ናይ ዓለምና ሃገር ምዃና ዝፍለጥ’ኳ እንተኾነ፣ ናይ ገንዘቦም ናይ ምግዛእ ዓቕሚ፣ ምስ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ናይ ግድን ክቀራረብ ስለዘለዎ እቲ ቀዳማይ ቅድመ ዕማም ዝገበርናዮ ክብሪ ናይ ባጤራኦም ቀስ ብቐስ ለጠቕ ከምዝብል ምግባር ኢዩ። ከምኡ ምስኮነ ንጉልበት ናይቲ ሕዝቢ ብዘይ ገደብ ክንምዝምዝ ንኽእለሉ ኩነታት ይፈጥር። እቲ ፋይናንሳዊ ትካል ኣብዝምስረተሉ እዋን ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ብልዑል ፍልልይ ስለዘንቆልቁልን፣ ክብሪ ናብራ ስለዝልዕልን እቲ ተራ ሕዝቢ ኮነ ሰራሕተኛ መንግስቲ ናብራ እንዳጸንከሮ ክኸይድ’ዩ። ኣብዚ ግዜ’ዚ ብመንገድና ዝምስረት ፋይናንሳዊ ትካል ብስም መንግስታውን ዘይመንግስታውን ትካላት፣ ናይ ትምህርቲ፣ ጥዕናን፣ ሕርሻን ናይ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ዓውድታትን ብሰፊሑ ሒዝና ክንሰርሕ ምስጀመርና፣ ምስዚ ተተሓሒዙ’ውን እቲ ፋይናንሳዊ ትካል ምስተመስረተ ብናትና ውሑድ ዓለምለኻዊ ገንዘብ ነቲ ናቶም ብዙሕ ዓቕምሰብን ኣእምሮን ብዘይ ገደብ ብሕሱር ዋጋ ምጥቃም ከኽእለና’ዩ። ነቲ ቴክኖሎጂ’ውን ብዘይ ገደብ ምእታው ክንጅምር ኢና።
“መንግስቶም’ውን ብስም ልምዓት ስለዝቕበለናን፣ ንኹሎም መራኸቢ ብዙሃን ብሞኖፖል ስለዝሓዘን፣ ንመንግስቲ ነቲ ቴክኖሎጂ ብነጻ ብምብርካት፣ መንግስቲ ብዘይ ወጻኢ ልዑል መኽሰብ ዝረኽበሉ መንገዲ ንኸፍት። በዚ’ውን ባዕሉ መንግስቶም ነቲ ሕዝቢ ዕርቃኑ ከውጽኣልና ኢዩ። ስለዚ እዚ ዝዓይነቱ ወሳኒ ተግባር ከይተተግበረ ዝጸንሐ ብሰንኪ ነዚኦም ዝኣመሰሉ ቅድመ ዕማማት ኢዮም። ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ትግባሪኡ ክንኣቱ ኢና።
“ፋይናንሳዊ ትካል ኣብ ኢትዮጵያ ምምስራት ዝብል ነጥቢ በዚ መልክዑ መልሲ ተዋሂብዎ ዝሕለፍ ነገር ኣይኮነን። ንሕቶታትኩም ኣብ ዝሰምዓሉ ዝነበርኩ እዋን ዘስተውዓልክዎ ነገር እንታይ ኢዩ፣ ብጀካ ውሑዳት መብዛሕትኹም ዘልዓልኩሞም ኩሎም ሕቶታት ኢለመንታሪን ተራን ኢዮም ይብል ነይረ። ኣቓልቦይ ዝሰሓቦን ዘድነቕክዎን ወሳኒ ሕቶ እዚ ኮይኑ’የ ረኺበዮ።
“ፋይናንሳዊ ትካል ክበሃል ከሎ ንገንዘብ ጥራይ መሰረት ዝገበረ ምንቅስቓስ ኣይኮነን። ፋይናንሳዊ ትካል ምሉእ ብምሉእ ምምስራት ማለት ነታ ሃገር ምሉእ ብምሉእ ኣብ ትሕቲ ግዝኣትና ምእታው፣ ምድርባይ ማለት ኢዩ። እዚ ስለዝኾነ ብመጀመርታ ነቶም ናይ ዓለምና ቁጽሪ ሓደ ቢልዮነር ዝኾኑን ነዚ ተግባር ዝተሓጸዩን ምስ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብምልላይን ብምቅርራብን ርክብ ምፍጣር፣ ቀጺሉ ነቲ ናይ ቢልዮነራትና ገንዘብን ሃብትን ተጠቂምና ንውሑዳት ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ናይ ስራሕ ዕድል ምፍጣር ብዝብል ሽፋን ናብ ኣሜሪካ እንዳጸዋዕኻ ስልጠና ምሃብን፣ ነዚ ተግባር ምድላውን እቲ ቀዳማይ መሰረት ይኸውን። ዓበይቶምን ምሁራቶምን ወይ ናይታ ዓዲ በዓል ጸጋታት ነዚ ብዝምልከት ምንም ፋይዳ ስለዘይብሎም ኣየድልዩናን’ዮም። ኣዝዮም ውሱናትን፣ ኣብዝኾነ ዓውዲ ኣብታ ዓዲ ዘይፍለጡ ኣጋይሽ መንእሰያትን ብምምልማል፣ ኣብቲ ስልጠና ከምዝሳተፉ ምግባርን ኣብ ዙርያ ማሕበራዊ መርበብ ሓበሬታታት ንዘለዎም ርድኢት ምቅናይ። ብድሕሪኡ ብዝሕ ዝበለ ባጀት ብምምዳብ ናብ ስርሖም ከምዝኣትዉ ምግባር ወሳኒ ኮይኑ ስለዝረኸብናዮ ከምኡ ንገብር ኣለና። እዞም መንእሰያት’ታ ሃገር ነቶም ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ብጾቶም ክማርኹ ምስጀመሩ ድማ እቲ ንኻልእ ኣፍሪቃዊ ሃገር ዘይተለገሰ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙን ክላለይዎን ምግባር ኣብ ዝብል ብዙሕ ተጸኒዑ’ሎ። ኣብ ውሽጢ ኣዋርሕ’ውን ናብ ተግባር ክውዕል ኢዩ። ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ’ውን ምስ ማዕከን ምርምር ህዋ ናሳ ብምትሕብባር፣ /ካብቶም ዝመሃርዎም ብሩህ ኣእምሮ ዘለዎም/ ንመንእሰያት ኢትዮጵያ ናብ ናሳ ዓዲምና ከነስተምህር መደብ ከምዝገበርናን፣ ጎኒ ንጎኒ እውን ኣብ ሕምብርቲ ናይታ ከተማ ብዙሕ ኣተኩሮ ዘይስሕብ፣ ከም ተራ ሜትሪዮሎጂ’ኳ እንተኾነ… ኣምሲልና መቆጻጸሪ ሳተላይት ክንገጥም ኢና። እቲ ቀሊል ዝመስል፣ ነገር ግና ተሓላሊኹ ዝጸንሐ መሰረት ንምንባር ብዝብል ምኽኒት ሓደ በዓል ጸጋ ብቐጥታ ናብታ ሃገር ከምዝኸይድ ምግባር፣ ስራሕ ዓሻ መሲሉ ስለዝተራእየና ኣቐዲምና ኣብ ዋና ከተማኣ ኣብ ዝርከብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ካብ ዝመልመልናዮም ናይታ ዓዲ ምሁራትን፣ ቅድሚ ክልተ ጀነሬሽን ኣቐዲምና ብዝለኣኽናዮም ዜጋታትና ብዝኾኑ ቀዳሞት ኣባላትናን፣ ብናቶም ዕድመ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ኣዳልዮም ከምዝጽውዕዎ ጌርና ነቲ ርክብ ጀሚርና’ለና። ምቅርራብን ምልላይን ዝበልናዮ ነዚ ኢዩ። ኣብ ቀረባ እዋን ናይ ክብሪ ዶክትሬቱ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ክቕበል’ውን ኣብ ምድላዋት ኢዩ ዘሎ። ብድሕሪኡ እዚ ቢልዮነር ሓውና ኣብታ ሃገር ዝኾነ ነገር ክገብር እንተበለ፣ ቀዳምነት ዝወሃቦ ሰብ ምዃኑ ንምርዳእ ኣይከብደኩምን። ቅድሚ ሕጂ’ውን ውሑድ ገንዘብ እንዳገበረ ገዛእ ርእሱ ከምዘላሊ ጌርና ስለዝነበርና፣ ኣብ ርእስ’ዚ ከኣ ዶክተር ምስኮነ ብዓይኒ ጥርጣረ ዝጥምቶ ኢትዮጵያዊ ኣይክህሉን ኢዩ። እዚ ዓብን ወሳንን ስራሕ ናብ ተግባር ተለዊጡ ምድላዋቱ ከም ዝተጠናቐቐን ናይ ክብሪ ዶክተሬቱ’ውን ከምዝተዳለወሉ ቅድሚ ሰሙን ተነጊርና’ለና። ኣብ ቀረባ እዋን ክሽለም’ዩ።
“ናይ ክብሪ ዶክትሬት ክወሃብ ከሎ ነቲ ነገር ንምንቃፍ ዝደፍሩ ሓደሓደ ኢትዮጵያውያን ክህልዉ ስለዝኽእሉ ብዝብል’ውን ቅድመ ጥንቃቐ ጌርና’ለና። ምናልባት ኣብ ናይ ብሕቲ ሜድያታት ስለምንታይ? ብኸመይ? ዝብሉ ሕቶታት እንተልዒሎም እኹልን ዘእምንን መልሲ ክህቡ ዘዳለናዮም ሰባት ኣለዉ። ገና ካብ ሕጂ’ውን ናይ ክብሪ ዶክትሬት ክወሃቦ ምዃኑ ኣብ ውሑዳት ናይ መራኸቢ ብዙሃኖም ኣቐዲሙ ይግለጽ ኣሎ። በዚ ዜና ድማ ዝተገረመ ኢትዮጵያዊ’ውን የለን። ርኢኹም’ዶ? ኢትዮጵያውያን እዚኦም’ዮም!
“ናቶም ክብሪ፣ ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሰብ ካልእ ሃገር ምቕባልን ምኽባርን ኢዩ። ነቲ ናቶም ሰብ ግና ግዲ የብሎምን። ንሓደ ቁጽሪ ሓደ ቢልዮነር ዓለምና፣ እታ ብዙሕ ስራሕ ዝሰርሓላን ዘዕበያን ገዛእ ሃገሩ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ከምዘይሃበቶ እንዳተፈለጠ፣ ኢትዮጵያውያን ግና ካብ
ዓዶም ሓሊፎም፣ ካብ ኣህጉሮም ነጢሮም፣ ንሓደ ኣሜሪካዊ ናይ ክብሪ ዶክትሬት ይህቡ። ብርግጽ እቶም ወሃብቲ ከምዝበልክዎ ናትና ሰባት ኢዮም። ይኹን ደኣምበር እቲ ጉዳይ ዘገርም ኣብ ርእሲ ምዃኑ ኢትዮጵያውያን ከምዘይድነቑሉ ካብ ሕጂ ኣረጋጊጽና’ለና። ስለምንታይ ኢሎም ኣይሓቱን’ዮም። ብዛዕባ እቲ ወሃቢ ኮነ ብዛዕባ እቲ ተቐባሊ ዝፈልጥዎ ምንም ነገር የለን። የዋሃን ኢዮም።
“ብዝኾነ፣ እቲ ፋይናንሳዊ ትካል ናይ ምምስራት ተግባር ከምዝተጀመረ ብኸምዚ ዓይነት ምንቅስቓስ ጥራይ ክትርድእዎ ኣለኩም። ስለዚ ነቶም ናይ ዩኒቨርስቲ ምሁራን ንኸምዚ ዓይነት መሰረት መንበሪ ዝተጠቀምናሎም ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ቀጻሊ ድማ፣ ነቲ ንህቦም ተልእኾታት፣ ናይ መጽናዕቶም ጸብጻብ እንዳቕረቡ ነቲ ሕዝቢ የእሚኖም ናብ ጎልና ከብጽሑና’ዮም ማለት’ዩ። ብድሕሪኡ ካብ ገጠር ክሳብ ከተማ ዘለዉ ማሕበረሰባት ንፍጻሜና ናይ ግድን ስለዘድልዩና ፣ ኣብ ዓውዲ ጥዕናን ብስም ሂውማን ዲቨሎፕመንትን ነቲ ክወስድዎ ዘለዎም ረቂቕ ፍርያት ቴክኖሎጂ ዝኾነ ከኒና ብምውሓጥን ካልኦት ተመሳሰልቲ ክትባት ብምግባርን ናትና ትእዛዝ ተቐበልቲ ኮይኖም ከምዝተርፉ ንምግባር ነዳልዎም ማለት ይኸውን።
“ብተወሳኺ’ውን እታ ሃገር ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ናይ መወዳእታ ድሑር ዝኾነ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ተጠቃሚት ምዃና ትፍለጥ ስለዝኾነት፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ዘይርከቡ ናይ ቴክኖሎጂ ፍርያት ተጠቃሚት ከምትኸውን ምስገበርናያ፣ እቲ ለውጢ ዝመጸ በቶም ንሕና ዘዳለናዮምን ዘሰልጠንናዮምን ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ከምዝኾነ ገይሮም ስለዝቕበልዎ ንብምሉኡ እቲ መንእሰይ ናብ ሓደ ዝተቐደሰ ሕብረት ከነምጽኦ ክኢልና ማለት’ዩ። ምስዚ
ተተሓሒዙ’ውን /ሽልማት ይፈትዉ’ዮም/ ቁጽሪ ኣተባባዕቲ እንዳወሰኸ ከምዝኸይድ ብምግባር ጥቡቕ ዝምድና ይምስረት። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ’ውን ብፍላይ ዩናይትድ
ኪንግደምን ዩናይትድ ስቴትስ ኦፍ ኣሜሪካን ኣቐዲሙ ብዝወረደሎም ትእዛዝ መሰረት ነታ ሃገር ተኸታታልን ተደራራብን ልቓሕ ምሃብ ዝጀመሩ፣ ንመበገሲ ናይዚ ስራሕ ክጠቅም ተባሂሉ ኢዩ። ብመሰረት እቲ ውጥን’ውን እታ ሃገር ክትዓድዮ ኣብ ዘይትኽእለሉ ደረጃ በጺሓ’ላ፣ ክትልቃሕ ዘይትኽእል’ውን ኮይና’ላ። ንኽትልቃሕ ናይ ግድን ክትከፍል ስለዘለዋ። ከምኡ ክትገብር ስለዘይትኽእል ኣቐዲሞም ቦታ ንምሓዝ ዝኣተዉ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ኣባላትና፣ ብሊዝ ንዝሓዝዎ መሬት ብቀዋሚ ሰነድ ኣረጋጊጾም መታን ክቕጽሉ ምቹእ ባይታ ክንፈጥረሎም ጸኒሕና’ለና። ካብቶም ሕጂ ዘለዉ ብተወሳኺ’ውን ንኻልኦት ሓደስቲ ዝኣትዉ፣ ናይ መንግስቲ ለውጢ’ኳ እንተተገበረ ክለቅዎ ዘይክእሉ ናይ መሬት ሃብትን መጠን ሪሶርስን ክሕዙ ዝኽእሉሉ ኩነታት ተጸኒዑ ተወዲኡ’ሎ፣ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣብ ተግባር
ክውዕል’ዩ። እዚ’ውን ነባርን ሕጋውን ብዝኾነ መንገዲ ዝትግበር ክኸውን ከሎ፣ እዚ ተተግቢሩ ማለት ኣተኣማማኒ ብዝኾነ ሰነድ ነታ ሃገር /እቲ ሓውኹም መራሒ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምዝበሎ/ ኣብ ትሕቲ መግዛእትና የእቲናያ ማለት’ዩ። ብሓጺርን ካልእን ኣገላልጻ፣ ከፊሎም ብዘይውድእዎ ዕዳ ምኽንያት ጥራይ፣ ነታ ኢትዮጵያ ዝተበሃለት ሃገር፣ ካብ ናይ ገዛእ ርእሶም ፍቓድ ብዝመጸ ድሌት ምሉእ ብምሉእ ብሕጋዊ ፊርማ ተረኪብና ከነመሓድራ ኢና ማለት’ዩ። ሕጂ ብሓጺር ኣገላልጻ፣ ኣብዚ ዘመነ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣብዝተረፈሉ ዘመን፣ እቶም ብባዕዲ ከይተገዝኡ ዝጸንሑ ኢትዮጵያውያን፣ ብባዕዲ ዘይምግዝኦም ኣጣዒስዎም በጃኹም ግዝኡና ኢሎም ለመኑና’ሞ ገዚእናዮም፣ ከም ማለት’ዩ። ብገንዘብና ኢና ገዚእናዮም። ካብ ናይ ቀደም ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝፍለየሉ’ውን ሕጋዊ ሽያጥ ብምዃኑ ጥራይ ኢዩ። ስለዚ በዚ ዝዓይነቱ ምቹእ መንገዲ ንጓዓዝ ስለዘለናን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ተግባር ስለንኣቱን ነቲ ፋይናንሳዊ ትካል ከምዝመስረትናዮ ሕሰብዎ ክብል ይፈቱ።
“ናብዚ ጎል ምስተቓረብና ድማ ምስ መንግስቶም ብዝራኸብ ኮነ ብዘይራኸብ መልክዑ ናይ ገንዘብ ዋሕዚ ገደብ ኣልቦ ብዝኾነ መንገዲ ምልጋስን፣ ምልቃሕን ክንጅምር ኢና። እዚ ማለት’ውን ኣብ ገጠርን ኣብ ከተማን ባዕላትና ንዘዳለናዮ ፕሮፖዛል፣ ካብኦም ከምዝመንጨወ ብምግባርን ናብ ተግባራዊ ስራሕ ብምምራሕን ኣፈጸምትና ይኾኑ ማለት’ዩ። በዚ ዓይነት ኣጀማምራ ዝተኣለመ ተግባር’ውን እንዳዓበየ ከይዱ፣ ኣብ ውሑዳት ዓውድታት ከይተሓጽረ ንኹሉ ዝሓቖፈ ዋሕዚ ገንዘብ ተግባራዊ ይኸውን። በዚ መልክዑ ንመንእሰያት ናይታ ሃገር ብኣባልነት ምውዳብ ይቃለለልና። እታ ሃገር ከይዓበየት ነገር ግን ኣባላትና እንዳዓበዩን ብስርሖም ንብዙሓት እንዳጠቕለሉን ኣብዝኸዱሉ እዋን’ውን፣ እቲ ብሸነኽ መንግስቲ ዝጀመረ ርክብ ጎኒ ንጎኒ እንዳቐጸለ፣ ኣብ ናይ ጽርግያን ኮንስትራክሽንን ከምኡ’ውን ኣብ ካልኦት ተመሳሰልቲ ዓውድታት ንዝትግበር ናይ ባይታ ልምዓት ብምጥቃም፣ ወሰንቲ ወሰንቲ ዝኾኑ ናይ ኬሚካል ኣጽዋር ኢልና ኣብ ትሕቲ ዘጠቓለልናዮም ዝርከቡ ተፈንጀርቲ ኣብ ኣተኣማማንን ስትራቴጂካውን ቦታታት ይቕበሩ።
“ካብዚ ዝሓዝናዮ ዓመት ጀሚሩ ነቲ ገስጋስ በዚ መልክዑ ከነቐጽሎ ኢና። ብድሕሪኡ ነቲ ፋይናንሳዊ ትካል ብወግዒ ንምምስራት ዘኽእል እኹልን ዘእምንን ምኽንያት ምፍጣር
ምስከኣልና… ሽዑ ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ክንገብሮ ኢና። እዚ ስራሕ’ውን ሓምሳ ሚእታዊት ዝተወድአ ምዃኑ ክገልጸልኩም ይፈቱ።
“ናብቲ ተመሳሳሊ ወሳኒ ሕቶ ክንሓልፍ ከለና ….እ…. ናይ ጦር ካምፕ ምስ ምቛም ዝተኣሳሰር ሕቶ ኢና ንረክብ። ናይ ጦር ካምፕ ኣብ ኢትዮጵያ ንምቛም ተመሳሳሊ ዝኾነ ቅድመ ምድላዋት ኣለዎ። ወይ’ውን ነይርዎ። እዚ’ውን ፋይናንሳዊ ትካል ካብ ምምስራት ተፈልዩ ዘይርአ ጉዳይ ምዃኑ ከምዘለዎ ኮይኑ፣ ነገር ግን ቁሩብ ካብኡ ፍልይ ዝበለ ኣገባብን ሜላን ዘድልዮ ኮይኑ ረኺብናዮ’ለና። ብዙሓት የሕዋትና ደጋጊምኩም ከምዝበልኩሞ ጎልና ኢትዮጵያ ምዃና ንስራሕና ኣቕሊልዎ’ሎ። ዘቕለሎ ግና ነቲ ናይ ባይታ ስራሕ ደኣምበር ነቲ ናይ ህዋ ኣይኮነን። ከምኡ ኮይኑ’ውን እቲ ናይ ባይታ ስራሕ ቀሊሉ ምርካቡ ባዕሉ ነቲ ናይ ህዋ ስራሕ ንምቕላል ጠቒሙና’ሎ። እንታይ ክብል’የ ደልየ …እ… ኢትዮጵያውያን ቃሉ ጸዊዕኻ ብግልጺ “ወራር” ኢልካ ክሳብ ዘይኸድካዮም ክከላኸሉኻ ኣይፍትኑን። ነዚ ባህሎም
ጠንቂቕና ንፈልጦ ኢና። ስለንፈልጦ’ውን ሓደ ነገር ቅድሚ ምግባርና ነቶም ዝዝርግሑ ዜናታት እቲ ሕዝቢ ብኣወንታዊ ርድኢት ጥራይ ከምዝርድኦ ካብ ምግባር ሓሊፍና ናብ
ዘጨንቕ ስራሕ ኣቲና ኣይንፈልጥን። ናይ ባዕልና ናይ ሬድዮ ማዕከን’ውን ኣለና። ነዚ’ውን ከም መንም ተራ ዜና ብዜናነቱ ተፈሊጡ ጥራይ ከምዝርሳዕን ንዉሱን ግዜ ከምዝኾነን ኣምሲልና ኢና ብወግዒ፣ ኣብ ዶባት ጎረባብቲ ሃገራት ኴንና ዝጀመርናዮ። ስለዚ ነቲ ናይ ጦር ካምፕ ካብ ንምስርት ቁሩብ ጸኒሕና’ለና። እዚ፣ ናይ ልዑልና ወሳኒ ዝኾነ መርገጺ ኮይኑ ዝወረደልና መምርሒ ኢዩ። ክንምስርቶ ከለና ግና፣ ሓንቲ ሃገር ብውልቃ ናይ ጦር ልምምድ ንምግባር ክትብል ዝጀመረቶ ጌርና ብምርኣይ፣ ግዚያዊ ነቑጣታታ ኣብኦምን ኣብ ጎረባብቲ ሃገራትን ቦታ ክትገብር ምድላያ ብምግላጽ ኢዩ። እወ ከምዚ ብዝኣመሰለ መበገሲ ኢዩ ተጀሚሩ።
“ኢትዮጵያውያን፣ ንርእሶም ካብ ዓለም ወጻኢ ጌሮም ስለዝሓስቡ እዚ ነገር ኩሉ ንዕኦም ዜና ጥራይ ኢዩ። እቲ ዜና ድማ፣ ናይ ዓለምና ክልተ ሓያላን ሃገራት ጸብለልትነተን ንምርግጋጽ ክብላ ዝገብርዎ ምትህልላኽ እምበር ካልእ ኣይኮነን። ብናቶም ትርጓመ ፍረ ነገሩ እዚ ጥራይ ኢዩ። ዜና ጥራይ! ምኽንያቱ ኢትዮጵያውያን ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ዝሓስብዎን ዝሓስብዎ ዘለዉን ሓደ ነገር ጥራይ ኢዩ። ንሱ’ውን “ዓለም ብቴክኖሎጂ ኢያ ኣብ ናይ ምትፍናን
ውድድር ኣትያ ዘላ” ዝብል ኢዩ። ትፈልጡ’ዶ? ብናይ ኢትዮጵያውያን ኣተሓሳስባ፣ ናይ ኩለን ሃገራት ናይ ጸብለልትነት ምፍኽኻር ቀደም ንታሪኽ ብምቅጻጽ፣ ብድሕሪኡ ናይ ሃይማኖት ጸብለልትነት ብምርግጋጽ፣ ቀጺሉ ናብ ወርሒ ብምድያብ፣ ካብኡ ቀጺሉ’ውን ግዝኣት ብምስፍሕፋሕ፣ ሃገራት ብምውራር ምፍኽኻር ከምዝነበረ ይሓስቡ። ካብዚ ብምቕጻል’ውን ብኣጽዋር ኲናት ጸብለልታ ምጉንጻፍ ናይ ኩለን ሃገራት ናይ ሓያልነተን መረጋገጺ ናብ ምዃን ኣምሪሑ ይብሉ። ብድሕርዚ እቲ ዘመን እንዳረቐቐ ስለዝኸደ እቲ መተፋነኒ ናይ ኢኮኖሚ ጸብለልትነት ምዃኑ ተረድኡ። ቀጺላ ዓለም ካብ ናይ ሶሻሊዝምን ካፒታሊዝምን ውድድር ወጺኣ ናብ ግሎባላይዜሽን ስለዝመጸት እቲ ምፍኽኻር ናይ ቴክኖሎጂ ጸብለልታ ኣብ ምሓዝ ኮይኑ ዓረፈ ኢሎም ደምዲሞም ኣለዉ። ናቶም እምነት እዚ ስለዝኾነ’ውን፣ እቲ ናቶም ዘመን ከምዝሓለፈን ኣብ ሓዲኡ ከይኣተዉ ስለዘምለጦምን ዘመኖም ከምዝሓለፈ ተረዲኦም ተስፋ ቆሪጾም ኣለዉ። ስለዚ ናቶም ምስልጣን፣ ብዛዕባ ዓለም ንዝውረዩ ዜናታት ተኸታቲልካ ብምድላው ጥራይ ዝግለጽ ኮይኑ ተረፈ። ወይ’ውን እቲ ካልእ ዓለም ንዘፍርዮ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ዝግለጽ ስልጣነ ሒዞም፣ ማዕረ ከምዝኾኑ ሓሲቦም ኮፍ በሉ። ምኽንያቱ ቁሩብ ክፈኻኸሩሉ ዝኽእሉሉ ዝነበረ፣ ብታሪኽን ብጥንታውነትን ኢዩ ነይሩ፣ ሕጂ ግና ብታሪኽ ምውድዳር ከንቱ ምዃኑ ስለዝተረድኡ፣ ታሪኽ ምንም ጥቕሚ ዘይብሉ ወረ ጥራይ ኮይኑን መሲሉን ተራእዮም። ስለዚ ንዒቖሞ። ብዘገርም ኲነት ግና፣ ቀደም፣ ሎሚ ኮነ ንመጻኢ እቲ መፈኻኸሪ ከምትርእይዎ ታሪኽን ንታሪኽ መሰረት ዝገበረ ነጥብን ጥራይ ኢዩ። ክሳብ ሎሚ ነዚ ስለዘይተረድኡ ኢዮም ንዓና ኩሉ ነገር ቀሊል ክኾነልና ዝኸኣለ ንማለት ኢየ። ስለዚ ክንንዕቖም ጥራይ ዘይኮነ ክንፈትዎምን ምናልባት’ውን ክንሓዝነሎም’ውን ይግባእ ይብል። ይቕሬታ ግበሩለይ ደኣምበር፣ ኣነ ግና ካብ ግዜ ቁልዕነተይ ኣትሒዘ ኢየ ኣዝየ ዝጸልኦም።
“ናብ ነጥበይ ክምለስ። እዚ ናይ ጦር ካምፕ ናይ ምቛም ተግባር ንG20 ሃገራት ኣቐዲሙ ብወግዒ ኣይተገለጸን ነይሩ። ግን ተጀሚሩ’ሎ። ናይ ግድን ክቕልጥፍ ከምዘለዎ’ውን ተፈሊጡ’ሎ። መራሕቲ ሃገራት G20 ተሳተፍቲ ትኾኑሉ ግዜኹም ስለዝኣኸለ ምጅማሩ ተረዲእኹም ተዳለዉ። ኣብ ቀረባ እዋን’ውን ናይ ስራሕ ብጽሒት ክወሃበኩም’ዩ።
“ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ጦር ካምፕ ምቛም ቀሊል መጠን ምዃኑ፣ ከቢድ ስራሕ’ውን ኣብ ውሽጡ ኣሎ። እዚ’ውን ብናትኩም ምትሕብባር ኣብ ፍጻመ ክበጽሕ ዘለዎ ጉዳይ ኢዩ። ናይ ጦር ልምምድ ንምግባር ብዝብል ምኽንያት ጥራይ ዘይኮነ፣ ናይ ማይን ናይ ካልኦትን ዓውዲ ልምዓትን ብዝብል ብሕውነት ዝተፈቐዱልናን ዝሓዝናዮምን፣ ዝገዛእናዮምን…. ስትራቴጂካዊ ቦታታት ኣለዉ። ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ናይ ጦር ካምፕ ምቛምን ነቲ ቦታ ከሊልካ ብምሓዝ ክትጥቀም ምኽኣልን ተራ ነገር ኢዩ። ነገር ግን ነቲ ቦታ ሒዝና ድሕሪ ምኽላል ኣብተን ዝቕጽላ ሒደት ዓመታት ብምትሕብባር እተን 20 ሃገራት ዝስራሕ ስራሕ ኣዝዩ ከቢድን ልዑል ናይ ገንዘብ በጀት ዝተመደበሉ ናይ ትሕቲ መሬት ንመሬት ኩዕታ ክኸውን’ዩ። እቲ ስራሕ ምስተጠናቐቐን እቲ ናይ መእተዊ መንገዲ ምስተወድአን ነቲ ናይ ጦር ካምፕ ብወግዒ ገዲፍካ ምውጻእ ይከኣል። ብቐንዱ ኣብዚ ጉቤኤ ተረኺበ ዘለኹ’ውን ነተን ዝተለዓሉ ሕቶታት ንምምላስ ጥራይ ዘይኮነ ነዚ ውጥን’ዚ ከበስር እውን ኢየ!
“እዚ ውጥን ነቲ በዚ ሎሚ ዕለት ኣብ ኣእምሮኹምን ልቦናኹምን ብግልጺ ዝረኣኹሞ ዓወት ተፈጻሚ ንምግባር ዝረድእ ወሳንን ናይ ወሳኒ ወሳኒ’ውን ዝኾነ ኣጀንዳ ኢዩ። ጠቕላላ ዝተመደበሉ በጀት’ውን 666 ትሪልየን ዶላር ኢዩ!!” ምስበሉ፣ እቶም ነዚ ጉዳይ ዘይሰምዑ መራሕቲ ሃገራት G20 ብሓባር ናይ ምግራም ጉርምርምታ ኣስምዑ። ብጌጋ ዝጠቐስዎ ቁጽሪ መሲልዎም’ውን ብዘይምእማን ዓይኒ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጳጳስ ኣፍጠጡ። እቲ ጳጳስ ግና ነቲ ነገር ብምቅላል ዓይነት ሓደ ኢዶም ኣልዒሎም ጉርምርምታኦም ንኸቋርጹን ነቲ ዝበሃል ዘሎ ብጽሞና ንኽሰምዑን ብዘተሓሳስብ መንገዲ ጸጥ ኣበልዎም’ሞ ቀጸሉ።
“እወ!” በሉ ልስልስ ዝበለ ፍሽኽታ እንዳርኣዩ።
“እወ! እዚ መጠን ገንዘብ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዓለምና ክብጀት ንፋልማይ ግዜ ኢዩ። ንመወዳእታ ግዜ’ውን ኢዩ። ዘልኣለማዊ ክብሪ ነቲ ሰውራዊ ልዑልና ይኹን፣ ግን እቲ ገንዘብ ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ብጥረ ኣብ ኢድና ኣሎ!…” ምስበሉ፣ ቀስ ኢሉ ዝጀመረን እንዳረሰነ ዝኸደን ዘቋርጽ ዘይመስል ጣቕዒት ነቲ ኣዳራሽ መልኦ። እቲ ጳጳስ’ውን ነቲ ጣቕዒት ብኣወንታ ብምቕባል ክሳብ ዝውድኡ ተጸበዩ። እቲ ጣቕዒት ደው ምስበለ፣
“እወ! 666 ትሪልየን ዶላር!” ብማለት ብህድኣት ደገምዎ።
“ልዕሊ ፍርቂ ኳድሪልየን!” ኢሎም’ውን ወሰኹሉ።
“እዚ ገንዘብ፣ ኣንጻር መንነት ልዑልና ክርአ ኸሎ ክንዲ ሽሩፍ ሰናቲም ኣዝዩ ቀሊል ገንዘብ ኢዩ። እቲ ናይ ትሕቲ መሬት ኩዕታን ናይታ ሓዳስ ከተማ ምስረታን ማዕረ ኽንደይ ግዙፍ ፕሮጀክት ምዃኑ ክርድኣኩም ኢዩ ናይቲ በጀት መጠን ብግልጺ ዝጠቐስናዮ። እዚ ገንዘብ ብኣርባዕቲአን ናይ ኢትዮጵያ ጎረባብቲ ሃገራት መበገሲኡ ይገብር። ካብ ኤርትራ ተበጊሱ ናብ ማእኸል ኢትዮጵያ፣ ካብ ሰሜን ሱዳን ተበጊሱ ናብ ማእከኸል ኢትዮጵያ፣ ካብ ኬንያ ተበጊሱ ናብ ማእኸል ኢትዮጵያ፣ ከምኡ’ውን ካብ ጅቡቲ ተበጊሱ ናብ ማእኸል ኢትዮጵያ ዝሳገርን ኣብ መወዳእታ ናብ ሓደ መራኸቢ ዘብጽሕን ኢዩ!!” ኢሎም ነቲ ኮፍ ዝበልዎ መንበር ብምእላይ፣ ገጾም ናብ መንደቕ ምልስ ኣቢሎም ካብ ናይ ዓንተዎ ብዝተፈለየ መንገዲ ብቐሊሉ ናይ ሓንቲ ኣጻብዕቲ ምልክት ብምርኣይ ጥራይ ነቲ ሰፊሕ ንጹር ስክሪን ወልዕዎ። ኣብዚ ግዜ ነቲ ፕላን ዝረኣዩ ተኣከብቲ ብሙሉኦም፣ ንኣድናቖት ብዝምልከት ንዝተሓገገ ስርዓት ፈጺሞም ብምጥሓስ ብኣግራሞት ኣፎም ከፈቱ። ፍርቆም’ውን ክልተ የእዳዎም ብኣግራሞት ኣብ ርእሶም ገበሩ። ገሊኦም ክሳዶም እንዳወዛወዙ፣ እቶም ዝተረፉ ከምቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ የኣዳዎም ኣብ ኣፎም ብምልጣፍ ከስደምሙ ከለዉ፣ እቶም ካልኦት ድማ ነቲ ኩነታት ብዘይምእማን ካብቲ ዝነበሩሉ ተንሲኦም ኣፍጢጦምን ፈዚዞምን ተራእዩ። ነዚ ፕላን እቶም G20 ጥራይ ዘይኮኑ ናይ G8 ኣባላት’ውን ጌና ሎሚ ይርእይዎ ምህላዎም ናይ ሩስያ መራሕን እቶም ካልኦትን ብምድንዛዝ ቆይሞም ምትራፎም ባዕሉ መርትዖ ኢዩ። እቲ ንሰለስተ ደቓይቕ ዝቐጸለ ዘረባ ኣልቦ ምግራም ቀጺሉ ኸሎ’ውን እቶም ኣቡን ካብ ዝነበሩሉ ተንሲኦም፣ ፍርቂ ትርኢቶም ናብ ስክሪን ፍርቂ ትርኢቶም ድማ ናብቶም ተኣከበቲ ብምግባር ቆይሞም ኣጣቕዑ። 20 ጽምዲ የእዳው’ውን ሰዓብዎም። እቲ ኣዳራሽ’ውን ብርሱን ጣቕዒት ምስደመቐ ናይ “ኮፍ በሉ” ምልክት ተዋሂብዎም ኩሎም ናብ ኮፍ መበሊኦም ተመለሱ። እቲ ጳጳስ’ውን ካብቲ ዝጸንሐ ፍሽኽታኦም ብዝተፈለየ መንገዲ ብፍሽኽታ ደሚቖም እንዳተራእዩ ናብ ትንተንኦም ኣተዉ። እቲ ኣብ ስክሪን ዝርአ ዘሎ ፕላን ብጽሑፍ ክገልጽዎ ዘይፍተን፣ እንተፈተኑ’ውን ኣጉል ነቲ ጽባቐኡ ምህሳስ ስለዝኸውን ንግዚኡ ገዲፍካዮ ብምሕላፍ ንመጻኢ ምስ ተንቀሳቓሲ ምስሉ ብወግዒ ምዝርግሑ ኢዩ ዝሓይሽ። ብወርቂ፣ ብብሩርን ብነሓስን
ዝንደቕ ኣንጸባራቕን ደሚቕን ከተማ ይመስል። እቶም ኣቡን ቀጸሉ፣
“እዚ ትርእይዎ ዘለኹም፣ ኣብዛ ምድሪ ተሃኒጹን ተሓሲቡን ተሓሊሙን ዘይፈልጥ ትሕተቕርጺ፣ ብመሰረት እዚ ዝረኣኹሞ ፕላን ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ተሃኒጹ ክውዳእ’ዩ። እዚ ፕላን ብናይ ሰብ ኢድን ኣእምሮን ዝተሃንደሰ ዘይኮነ፣ ልዑልና ባዕሉ ብኢዱ ዝሃንደሶ ኢዩ!!” ሕጂ’ውን ርሱን ጣቕዒት….።
“እዚ ትሕተ-ቕርጺ ብኣርባዕቲኡ ኣንፈታት ናይታ ሃገር ተጀሚሩ ናብ ፍጻሜኡ ክበጽሕ ከሎ’ውን፣ ሓደ ርእሱ ዝኸኣለን ፍጹም ዘመናዊ ዝኾነን ሃገር ምዃን ዝኽእል ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ምድርና ንመጀምርታ ግዜ፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣበር ዘይብሉ ከተማ ኮይኑ ዝጠናቐቕ ኢዩ። ፍጹም ዝኾኑን ዝተማልኡን ነገራት ጥራይ ዝሓዘት ኣገራሚት ከተማ፣ ዘይባተኽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፣ ዘይቆራረጽ ኣዝዩ ቅልጡፍ ዝኾነ ናይ ብሮድ ባንድ ኣገልግሎት፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ጽሩይ ዝኾነ ቀረብ ዝስተ ማይ፣ ተራእዮም ዘይፈልጡ ፍጹም ድንቂ ዝኾኑ ዘመናዊ ሆቴላትን ቤት መስተታትን፣ ፍጹማትን ዘመናውን ዝኾና ኣውቶሞቢላት፣ ኣደነቕትን ረቀቕትን ዝኾና ስካይ ካር /ናይ ልዕሊ ኣየር ኣውቶሞቢላት/፣ ካብታ ዝደቐቐት ጸጸር ዝጸረየ ምቹእ መንገዲ፣ ጸቢቖምን ማዕሪጎምን ብዘይምቁራጽ ንዘንተ ዕለት ዝበርሁ ናይ ጎደና መብራህቲ!! ብፎር ዲ ናይ ናኖ ቴክኖሎጂ ዝሰርሑ ዘመናውያን ባንክታት ወሲኽካ ኩሉ ነገር!! ኦ ኣሕዋት! ኣብ ውሽቲ እዛ ከተማ ንዘለዉ ነገራት ብናይ ሰብ ኣእምሮ ተንቲንካ ንምርዳእ ኣዝዩ ከቢድ’ዩ። ከምኡ’ውን ንርክብ መውስቦ ምቹኣት ዝኾና፣ ናይ ዓለምና ጽቡቓት ኣዋልድን ኣወዳትን ብብዝሒ ዝርከብዋ፣ ሓንቲ ኣበር ዘይብላ ፍጹም ዝኾነት ምችእቲ ከተማ ኢያ! ክብሪ ነቲ ፍትሓውን ጥበበኛን ልዑልና ይኹን! ላዕልን ታሕትን ከይበልና ንነብረላ ናይ ፍጹም ባህታ መጎናጸፊት ከተማ ኢያ ኣሜን!!?”
“ኣሜን!!”
“እዚ ጥበብ ናይ ልኡልና ሰናይ ፍቓድ ኮይኑ ንዓና ተገልጸ! ንዓና ተዋህበ! ኣብዛ ከተማ ዘይህሉን ዘይርከብን ሓደ ነገር ጥራይ ኢዩ!! ንሱ’ውን “የለን” ዝብል ቃል ጥራይ!” ምስበሉ፣
እቲ ኣብ ልዑል ሓጎስ ተዋሒጡ ዝጸንሐ መራሒ እንግሊዝ ተንሲኡ ኣጣቕዐ፣ ካልኦት’ውን ሰዓብዎ። ከምብሓድሽ’ውን ኮፍ በሉ።
“ብሓጺሩ ኣብ ውሽጢ እዛ ከተማ፣ ኣብ ምድርና ናይ መጀመርያ ዝኾነ ፍጹም ዘመናዊ ናይ ጦር ካምፕ ዝምስረተሉ እኳ እንትኾነ፣ ከም ምድራዊ ኲናት ብኢድ ሰብን ተሽከርከርትን ዝካየድ ዘይኮነ፣ ኣብ ዝጸበቐ ምቹእ መንበርናን መንበርኩምን ኴንና ብኣጻብዕትና ጥራይ “ክሊክ” እንዳገበርና ንትኩሶም ረቀቕትን ተወንጨፍትን ኣጽዋር ውግእ ጥራይ ኢዮም ናብ ውሽጣ ዝኣትዉ። ንሕናን ካልኦት ሹማምንትን መምርሒታት ንህበላ ካምፕ’ውን ኢያ! ናይቲ ናይ ፍጻሜ ዓወት መምርሒ መመሓላለፊትን መኽዘን ኣጽዋር’ውን ኢያ። ንላዕለዋይ ክፋል ናይታ ከተማ ከይጨለፉ ናይ ዝሓልፉ ሮኬታት መወንጨፊት’ውን ኢያ። ናይታ ከተማ
ስያመ፣ እቲ ትሕተ-ቕርጺ ምስተዛዘመ ኣብ ቅንያቱ ብልዑልና ብወግዒ ክሕበር’ዩ።

ይቅጽል…

©®ፍስሐ ያዜ ካሣ

Published by

HABESHA PROFILE

film production writer( screenplay ,poem,and story

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.