** ናይ ሳጥናኤል ጎል ኢትዮጵያ!! ** 6ይ ክፋል

 

ኦም ህይወት! ገነት! ኢትዮጵያ!

#6ይ-ክፋል

“እዚ እቲ ናይ ኣምሓርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ኢዩ። እዚ ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያውያን ናይ 1962 ዓ.ም ሕታም ዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል፡ “ንስኻ’ውን ናይቲ ገበል ኣራእስ ቀጥቂጥካ ንህዝቢ ኢትዮጵያ’ውን መግቦም ሃብካዮም” ይብል። እዚ ድማ፣ ቅድም’ቲ ናይ ኣምሓርኛ ዝነበረ፣ ናይ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ ክኸውን ከሎ፡ ኣብዚ’ውን ብተመሳሳሊ ኣብ መዝሙረ ዳዊት ምዕራፍ 73 ቁጽሪ 15 ከምዚ ይብል፡ “ወአንተ ቀጥቀጥከ አርእስቲሁ ለከይሲ፡ ወወሀብኮሙ ሲሳዮሙ ለህዝበ ኢትዮጵያ።” ይብል። ናይ ኩሎም ሓበሻ መጽሓፍ ቅዱስ እዚ ኢዩ። እዚ ሕጂ ዝነገርኩኹም ታሪኽ ብኸምዚ ዓይነት ዘየደናግር መልክዑ ብግልጺ ተጻሒፉሎም ሒዞሞ’ለዉ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኮነ ኣብቲ ታሪከ-ነገስት እውን ነቲ ምሉእ ታሪኹ ዝሰፈረሉ ሰነድ ሒዞሞ ኣለዉ። ነገር ግን ኣይርድእዎን። ይደናገሩሉ ደኣምበር ኣይምርምርዎን። ከም ሰብ ክንሓስቦ ከለና’ውን ሓቆም’ዮም። ሰብ ከመይ ገይሩ ካብ ገበል ክመጽእ ይኽእል? ከመይ ገይሩ’ኸ ጣፍ ክበቁል ይኽእል? ኢሎም ይሓቱ’ሞ ምምላስ ምስ ከበዶም ‘ጽውጽዋይ ኢዩ’ ኢሎም ይሓልፍዎ። ወይ ከኣ ቅኔያዊ ኣገላልጻ ይኸውን ኢሎም ይሓድግዎ። ብዘገርም ኩነታት ድማ፡ ነዝን ከምኡ ዝኣመሰለን ምሉኣት ሓሳባት ገዲፎም ነቲ ካልእ ምሉእ ሓሳብ ግን ይቕበልዎን፡ ይኣምንዎን።
“ንሕና ግን ምናልባት እቲ ናይ ካልእ ዓለም ሕዝቢ ኣተኩሮኡ ናብ ኢትዮጵያ ከይገብር ብማለት፡ ምስ ካልኦት ነገራት ኣመዛዚኑ’ውን ኣሰር ናይቲ ሓቂ ከይርድኦ ብዝብል ጥንቃቐ፣ በዞም ናይ ሕጅን ብኻልኦት ቋንቋታትን ኣብ ዝትርጎሙ መጽሓፍ ቅዱሳት ነቲ፡ “ንህዝቢ ኢትዮጵያ መግቦም ሃብካዮም” ዝብል ቃል፡ “ንሰብ ምድረ በዳ ሃብካዮም” ተባሂሉ ክጸሓፍ ጌርና’ለና። ኣስተውዕሉ! ነቲ ካልእ ዓለም ኢየ ዝበልኩ። ነቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣይቀየርናዮን። እቲ ናቶም ከም ዝነበሮ ኢዩ ዘሎ። “ንህዝቢ ኢትዮጵያ መግቦም ሃብካዮም” ኢዩ ዝብል። በምሓርኛ ዋላ ብግእዝ። ዳዊት ክጽሕፎ ከሎ ኢትዮጵያ ኢሉ ኢዩ ጽሒፍዎ። በቲ ናይ ቀደም ብእብራይስጥ ኮነ ብግሪኽ እውን ኢትዮጵያ ኢዩ ዝብል። ኣብቲ ዳሕረዋይ ዘመን ካብ እብራይስጥ ናብ ግእዝ ክትርጎም ከሎ’ውን ኢትዮጵያ ይብል ስለዝነበረ ኢዮም ኢትዮጵያ ኢሎም ዝተርጎምዎ፡ ደኣምበር ነቲ በረኻ ዝብል ዝነበረ ኢትዮጵያ ተባሂሉ ኣይትርጎምን፡ ኣይተርጎምዎን’ውን። ኣብቲ፣ ናብ ካልእ ዓለም ክዝርጋሕ ዝገበርናዮ ትርጉም ግና፣ ነቲ “ኢትዮጵያ” ዝብል “ምድረ በዳ” ተባሂሉ ከም ዝንበብ ኢና ጌርና። ንኣብነት ነቲ ናይ ቀደም ኮነ ናይ ሕጂ እንግሊዝኛ ርኣይዎ፡ psalms /መዝሙረ ዳዊት/ 74፡14 ከምዚ
ይብል። “you broke the heads of leviathan in pieces, And gave him as food to the people inhabiting the wilderness” ኢዩ ዝብል። ነቲ ናይ ካልእ ዓለም ኢና “ኢትዮጵያ” ዝብል ዝነበረ “ምድረ በዳ” ብዝብል ዝለወጥናዮ ደኣምበር ነቲ ናይ ኢትዮጵያውያን ኣይተንከፍናዮን ። ኣጉል ስራሕ ምብዛሕ ኢዩ ዝኸውን። ምኽንያቱ ዓንተዎ ከም ዝነገርኩኹም ናይ ካልእ ሃገር ሰብ ክሳብ ዘይነገሮምን ዘየዘከሮምን፡ ወይ’ውን ክሳብ ዘይደገመሎም ክፈልጡ ዝኽእሉሉ መንገዲ ስለዘየሎ ኢዩ። ሽሕ’ኳ ሓቂ እንተሓዙ፣ ናይ ወጻኢ ሰብ ክሳብ ዘየረጋገጸሎም ፈጺሞም፡ ሕጂ’ውን ክደግሞ’የ ፈጺሞም ስለዘይቕበሉ ኢዩ። ክገርመኩም ግና ብዘይ ናትና ሽርሒ እንታይ ይገብሩ መስለኩም፡ ዝሰልጠኑ መሲልዎም’ድዩ ወይሲ ማዕሬና ንምዃን ደልዮም ኣይፈልጥን ፣ ነቲ ንሕና ንኻልእ ዓለም ኢልና ናብ እንግሊዝኛ ዝተርጎምናዮ፣ ኣብቲ ሓድሽ ሕታሞም ካባና ቀዲሖም ተርጒሞሞ። ኣይትስሕቑን ዲኹም? ኣይተረድኣኩምን ማለት’ዩ። ክደግሞ’የ። ኣብቲ ቅኑዕ ናይ 1962 ዓ.ም ሕታም ዝኾነ ናይ ኢትዮጵያ መጽሓፍ ቅዱስ “ንስኻ’ውን ናይቲ ገበል ኣራእስ ቀጥቂጥካ ንሕዝቢ ኢትዮጵያ’ውን መግቦም ሃብካዮም” ይብል።
“ኣመሓይሽናዮ /ሓዲስናዮ/ ኢሎም ብናቶም ኣቆጻጽራ ብ1993 ዓ.ም ኣብ ዘሕተምዎ ድማ፡ “ንስኻ’ውን ናይቲ ገበል ኣራእስ ቀጥቂጥካ ነቶም ሰብ ምድረ በዳ መግቦም ሃብካዮም” ይብል። ካባና ቀዲሖም ማለት’ዩ። ንሕና ድማ ዕላማና እቲ ኢትዮጵያ ዝብል ንኸይፍለጥ ኢዩ። ስግኣትና ኣበቓቑላ ጣፍ ከይፍለጥ ዘይኮነ ምስ ታሪከ-ነገስት ኣነጻጺሮም ነቲ ሓቂ ከይርድእዎ ኢዩ።
“ዝኾነ ኮይኑ፣ ጣፍ ክበቁልን ሽዑ ንሽዑ ምህርቲ ክህብን ዝኸኣለ ናይቲ ዘመን ሰባት ነቲ ገበል “ንስኻ ኢኻ መግብና ትህበና” ስለዝብልዎን ዕለት ዕለት’ውን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዘለዎ ብዕራይ፡ ላም፡ በጊዕ፡ ጤል እንዳገበሩ መስዋእቲ የቕርቡሉ ስለዝነበሩን ኢዩ። ናይ ሕርሻና፣ ናይ ጥሪትና፣ ናትና’ውን ኣመሓዳሪ ንስኻ ኢኻ እንዳበሉ ይሰግዱሉ ስለዝነበሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ገበል እንተድኣ ሞይቱ ተስፋ የብልናን ኢሎም ይሓስቡ ስለዝነበሩ ኢዩ። ስለዚ እቲ ላዕለዋይ ኣካል፡ “መግቢ ዝህብ ኣነ’የ ደኣምበር ንሱ ኣይኮነን” ኢሉ ኢዩ ሽዑ ንሽዑ ተኣምር ኣርእዩ መግቦም ዝሃቦም።
“ኣብቲ ወቕት’ቲ፣ እቲ ትሕት’ቲ ገበል ዝነበረ ናይ ሰብ ሹም /ንጉስ/ እቲ ገበል ክቕተል ኣይደልን ነበረ። ንሱ እንተ ሞይቱ ሓቢርዎ ኢዩ ዝመውት። ውህደቶም በዚ ኢዩ ዝግለጽ። እቲ ህዝቢ ነቲ ገበል ክግብር ዘገደደ’ውን እቲ ንጉስ ኢዩ። ፍርቆም ግና ነቲ ገበል መዓልታዊ ምግባር ሰልችይዎም ነበረ። ትእዛዝ ንጉስ ኮይንዎም ደኣምበር። ስለዚ በዚ ዓይነት መንገዲ፣ ‘መግቢ ኣሎ’ ብማለት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝናብ ዘኒቡ፡ ጣፍ በቚሉ፡ ምህርቱ ሂቡ፡ ተዓጺዱ፡ተኸይዱ፡ ተጣሒኑ፡ ተለዊሱ፡ ተሰንኪቱ ተበልዐ። እቲ ሕዝቢ’ውን ብዘይ እቲ ገበል ክነብር ከምዝኽእል ተረድኦ። እዚ መንፈሳዊ ጥበብ ኢዩ። ልዕሊ እቲ ገበል ዝኾነ ሓይሊ ከምዘሎ ነቲ ህዝቢ ዘእመነሉ ሓደ ቀሊል ምልክት ኢዩ። ክልተ ዓሳን ሓሙሽተ እንጌራን ን5 ሽሕ ሕዝቢ ምብጻሕን ምጽጋብን ብመንፈሳዊ ኣሰራርሓ ቀሊልን ተራ ነገርን ከምዝኾነ፡ እዚ’ውን ተራ ነገር ኢዩ። ሰብ ከይተረፈ ምሉእ ኣተሓሳስብኡ እንተ ዝጥቀም ክገብሮ ዝኽእል ተራ ነገር ኢዩ። ነዚ ታሪኽ ኢዩ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ ዝገለጾ። ካብዚ ሓሊፉ ጣፍ ንዓና ኣይእንታይናን ኢዩ። ስለዚ… ነዚ ዘይኮነስ፡ ካልኦት ምስዚ ዝተኣሳሰሩ ነገራት መታን ከይፈልጡ ኢዩ። ኩሉ እቲ ሚስጥር ብወግዒ ከይዝርጋሕ ወይ’ውን ዓለም፣ ካባና ወጻኢ ነታ ሃገር መንም ኣቓልቦ ከይገብረላ ኢዩ ደኣምበር ንኻልእ ኣይኮነን። ምናልባት ንሶም ኣብ ከምዚ ዓይነት ትርጉም ዝኣተዉ ንኣንባቢ ከቕልሉሉ ኢሎም ይኾኑ። ካልኦት ክፍልታት ኣይፈልጥን፡ ስለዚ ከምዝተተርጎመ ምስ ሰማዕኹ ተቐዳዲመ ነዛ ገጽ ጥራይ ኢየ ነይረ ገንጺለ ዝረኣኽዋ። “ምድረ በዳ” ኢሎም ቀይሮሞ’ለዉ። ሓሲቦምሉ ድዮም ከይሓሰቡሉ ግና ይሕግዙና ኣለዉ። ንሕና ድማ ንቓል መጽሓፍ ቅዱሶም ኣብ ኩሉ ገጻቱ ካብ ምልዋጥን ስራሕ ካብ ምብዛሕን ወይ’ውን፣ ተርጉሙ ኢልና ጸቕጢ ካብ ምግባር፣ ገደፍናሎም’ሞ ስለምንታይ’ከ ነቲ ኣብ ታሪከ ነገስት ዘሎ ኣይነዘባርቕን ኢልና ናብኡ ከድና። ቀደም ኢና ናብኡ ዝኸድና።
“መቸም ንምናልባት ኢልና ኢና እምበር ፈሪሕናዮም ኣይኮንናን። ስለዚ እዚ ታሪኽ ብሰፊሑ ምስ ምሉእ ታሪኹ፡ ኣብ ታሪከ-ነገስቶም ስለ ዘሎ፡ ወይ’ውን ስለዝነበረ ነዚ ጉዳይ ምስ ታሪከ-ነገስቶም ኣገናዚቦም ከይርድእዎ ብዝብል እቲ ታሪኽ ሰፊርሉ ኣብ ዘሎ ሰነድ ኣብ ዳሕረዋይ ዘመን ከም ዝተጸሓፈ ዝገልጽ ናይ መእተዊ ሃተታን ካልኦት ሒደት ምሉኣት ሓሳባትን ኣካቲትና ብመጠኑ ከምዝወጃበሮም ጌርና። እዚ ትርእይዎ ዘለኹም ኣብ ታሕቲ ዘሎ ጽሕፈት፣ ኣብቲ ቦታን እቲ ታሪኽ ኣብ ዝተፈጸመሉ ወቕትን ብናይ ባዕሎም ቋንቋ ዝተጸሓፈ
ታሪከ-ነገስቶም ኢዩ። ንሶም ኣይቅበልዎን ኢዮም። ክቕበልዎ’ውን ኣይክእሉን። ኣጸቢቕና ስለዝሓዋወስናሎም ጥራይ ኣይኮነን ዘይቅበልዎ። ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ኢዶም ዘሎ ስለዘይምርምርዎን ስለዘየድልዮምን ኢዩ። ንሕና’ውን እንተኾንና ከምዚ ዓይነት ስራሕ ንሰርሕ ብሰብ ስለዝኾነ፡ ብሜላ ኢና ንሓዋውሶ፡ ንዕኡ’ውን ሰሪቕና ኢና ጌርና። ብምሉኡ ነቲ ሰነድ ምውሳድ ኣገዳሲ ኣይኮነን። ውሑዳት ቃላት ፋሕ ምባል እኹል ኢዩ። ኢትዮጵያውያን፣ እዛ ዓለም ብገበል ከም ዝተኸበበት እኳ ኣይፈልጡን ኢዮም። እቲ ሚስጥር’ውን ክርድኦም ኣይክእልን። ታሪኽ ናይ ዝኾነት ሃገርን ኣህጉርን ህዝቢ፣ ስለምንታይ ምስ ገበል ተተሓሒዙ ከም ዝግለጽ’ውን ዝነገሮም የለን። ገበል ክበሃል ከሎ ገበል ኢዩ ዝመስሎም። ኣብ በረኻ ዝነብር፡ ሰብ ዝውሕጥ፡ ቁሩብ ካብ ተመን ዝነውሕን ዝረጉድን፡ በቃ። ከምዚ ኢዮም ዝሓስቡ። ኣብቲ ዝሓዝዎ መጽሓፍ ቅዱስ ገበል ዝብል ቃል ተደጋጊሙ ካብ 21 ግዜ ንላዕሊ ከም ዝተጠቐሰ እንዳረኣዩ’ኳ እንታይ ኢዩ ኢሎም ኣይሓቱን። ነቲ ዘይተረድኦም እንዳቖረጹ ይድርብዩ፡ ነቲ ካልእ ይቕበሉ፡ እንደገና’ውን ይቐድሑ። ገሊኡ መጽሓፍቲ ግን ብጥንቃቐ ኢዩ ተጻሒፉ። ኣብ ነፍስ ወከፍ ሙሉእ ሓሳብ ዓንቀጽን ቁጽርን ዝህብ’ውን ብጥንቃቐ ስለ
ዝተጸሓፈን ብምስትውዓል ክንበብ ስለዝነበሮን ኢዩ። ደሓን… ክመሓየሽ ይኽእል’ዩ። ቋንቋ በብዘመኑ ስለዝለዋወጥ። ንኣብነት “ልብኹም ኣይሸበር” ዝብል ዝነበረ “ልብኹም ኣይጨነቕ” ተባሂሉ ተመሓይሹ ሪአ’ለኹ። እዚ ጸገም ከይህልዎ ይኽእል። ነቲ ኣንባቢ’ውን ቅጠቕሞ ይኽእል። ነገር ግን “ኢትዮጵያ” ንዝብል ቃል ብኸመይ “ምድረ በዳ” ኢሎም ይልውጥዎ? ምስ ገበል ተተሓሒዙ ስለዝተጠቐሰ ሓፊሮም’ዶ ይኾኑ? ክሳብ ሎሚ ትዝ እንዳበለኒ ይስሕቕ። ምስ ገበል ስለዝተራኸበ ቆሪጾም ደርበይዎ። ኢትዮጵያውያን ማዕረ ኽንድዚ ኢዮም። ነዚ ኢየ ድማ ዝጸልኦም። በቃ… ኣይርድኡንን። ይረድኡና እኳ እንተለዉ ግን… ኣይፈትዎምን። ምድረ በዳ…. ኣብ ኣማዞን ኣሎ…. ኣብ ህንዲ ኣሎ፡ ኣብ እስራኤል’ውን ኣሎ…. ነዚ እንተደርቢኻ፣ ንመዝሙረ ዳዊት ብምሉኡ’ውን ክትስንድዎ ኣለካ ማለት’ዩ። ምኽንያቱ እቲ ጸሓፊ ከም ዝተጋገየ ኣሚኖም እንድዮም! እንተ ዘይተረዲኡካ ኩሉ ምግዳፉ ኢዩ’ምበር። ከምኡ ኢዩ። ኣርጀንቲና ሕጂ ብከፊል’ውን እንተኾነ ንኢትዮጵያ ዝፈለጥካያ ይመስለኒ።
“ናብቲ ዝጀመርክዎ ክምለስ” ድሕሪ ምባል፡ ገጾም ናብቶም ተኣከብቲ መለሱ’ሞ ርግእ ኢሎም ትንተናኦም ቀጸሉ።
“ስዒበ ዝገልጸልኩም ታሪኽ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝበልክዎ ኣብ ኩሉ ሃገር ኮይኑ ዝሓለፈን ዝተለመደን ነይሩ። ልኡልና ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር ኣዝዩ ዝገነነሉ 400 ዓመት ነይሩ። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ብተመሳሳሊ ን400 ዓመት ዝጸንሐ መግዛእቲ ገበል ነይሩ። ኣብ ህንዲ፡ ኣብ ቻይና፡ ኣብ ካልኦት’ውን ተመሳሳሊ ነገር ኢዩ ነይሩ። ሃይማኖት ቅድሚ ምምጽኡ ዝነበረ ናይ ነፍስ ወከፍ ሃገር ታሪኽ ክጸሓፍ ከሎ ምስ ገበል፡ ምስ ድራጎንን ተመሳሰልቲ ነገራትን ብምትእስሳር ዝጸሓፍ’ውን ብሰንኪ እዚ ዝዓይነቱ ታሪኽ ኢዩ። ናይ ቀደም ናይ ልኡልና ጭፍራ ገበል ኮይኖም፣ ነገር ግን ምስ ሰባት ርክብ እንዳፈጸሙ ይዳቐሉ ነይሮም። ብኣካልን ብመንፈስን ከኣ ሰብ፡ ገበል፡ ተመን እንዳተመሰሉ ኢዮም ዝግለጹ። እቶም ዝውለዱ’ውን ደቂ ኣማልኽቲ ይብሃሉ ነይሮም። ኣብ ኢትዮጵያ’ውን ከም ዝበልክዎ ብናይቲ ላዕለዋይ ኣካል
ትእዛዝን ሓይልን እቲ ገበል ብሓዊ ተኸቢቡ፡ ርእሱ ተፈሊጹ፡ እቲ ዝናብ’ውን ዘኒቡ፡ ጣፍ’ውን በቚሉ እቲ መግዛእቲ ገበል ከብቅዕ ከኣለ። ነዚ ዘደንቕ ታሪኽ’ውን ኣብ ታሪከ-ነገስቶም ጸሓፍዎ፡ ዳዊት’ውን ኣብ መዝሙሩ ደገሞ።
“ስለዚ እቲ ናይ መወዳእታ ገዛኢ ገበል ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ፣ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ብልሙድ ኣገላልጻ፣ ናይቲ ዘመን ቀንዲ ጠንቋሊት ነበረት’ሞ ምስቲ ኣብቲ ወቕቲ ገዛኢ ዝነበረን ተቐቲሉ ዝበልናዮን ጥበበኛ ገበል ርክብ መውስቦ ገይራ፣ ሓደ ገበልን ሓንቲ ድማ ፍርቂ ሰብ ፍርቂ ገበል ዝኾነት ጓል ትወልድ። ብኣምሳል ገበል ዝነገሰ እቲ ናይ መወዳእታ ንጉስ ኮነ ቅድሚኡ ዝነግሱ ዝነበሩ ገበላት፡ ሰብን ገበልን ናይ ምዃን ጥበብ ነበሮም። ዘዋፍሮም’ውን ልኡልና ኢዩ ነይሩ። ስለዚ ምስ ሰበይቲ ርክብ ምግባሮም ዝገርም ኣይነበረን። ሎሚ’ውን እንተኾነ ጠንቋላይ፡ ብዓል ዛር፡ ብዓል ቆሌ፡ ወዘተ… ዝበሃሉ ምስ መንፈሳዊ ኣካላት ርክብ ይገብሩ ኢዮም። ከም ናይ ቀደም ብወግዒ’ኳ እንተዘይኮነ ኣብ ነፍስ ወከፍ ሃገር ኣለዉ፡ ይስገደሎም’ውን።
“ስለዚ እታ ጠንቋሊት ሰበይትን እቲ ንጉስ ገበልን ተራኺቦም ወለዱ። ሓንቲ ብከፊል ሰብ ዝኾነት ጓልን ሓደ ገበልን ኢዮም ወሊዶም። እዞም ሓውን ሓፍትን ዝኾኑ መንታ ቆልዑ’ውን /እታ ፍርቂ ሰብን እቲ ገበልን/ ኣሕዋት ኮይኖም ብሓንሳብ ይዓብዩ። ነቲ ንጉስ ገበል /ንኣቡኦም/ ካብቲ ላዕለዋይ ኣካል ሓይሊ ተቐቢሉ ዝቐተሎ ሰብ፣ ንሓፍቲ ናይቲ ገበል ተመርዕዩ ይነግስ። እዛ ትርእይዋ ፍርቂ ሰብነታ ገበል ፍርቂ ሰብነታ ድማ ሰብ ዝኾነት፣ ነገር ግን ምሉእ መንነታ ሰብ ዝነበረት ሰበይቱ’ውን ትወልደሉ። ናይ ገበልነት መግለጺኡ ንግዳማዊ ኣካል ደኣምበር ንናይ ውሽጢ ኣተሓሳስባን ካልእ መንነትን ኣየካትትን። ስለዚ እዛ ከፊል ገበል ከፊል ሰብ ዝኾነት ጓል፣ ነቡኣ ቀቲሉ ንዝተመርዓዋ ሓድሽ ሰብኣያ ትወልደሉ። ከምቲ ሰብኣያ ዝሓሰቦ’ውን ምሉእ ብምሉእ ሰብ ዝኾነት ጓል ኢያ ነይራ ዝወለደትሉ። ብድሕርዚ እቲ ቀታሊ ኣቡኣ ዝኾነ ሰብኣይ መግዛእቲ ገበል ከምዘብቅዐ የበስሮም። እታ ዝተወለደት ቆልዓ’ውን፣ ዋላ’ኳ ንሉእ ብምሉእ ሰብ ዝነበረት ትኹን ደኣምበር፣ ኣብ ሸነኽ የእጋራን ኣጽፋራን ግና ኣሰር ቆርበት ገበል ነበራ። ብዙሕ ከይጸንሐት እታ ጠንቋሊት ሞተት። እቲ ኣቡኡ ዝተቐተሎ ገበል ሓዋ’ውን ነቲ ከባቢ ገዲፉ ተሰወረ። እቲ ሓድሽ ናይ ሰብ ንጉስ’ውን ምስ ወለደ ሞተ። እታ ጓል ዝወለደትሉ ፍርቂ ገበል ፍርቂ ሰብ ዝነበረት ሰበይቱ’ውን ሞተት። ስለዚ እታ ካብኦም ዝተወለደት ምሉእ ንምሉእ ሰብ ዝኾነት ጓል በይና ተረፈት። ስማ’ውን ኣዜብ ትበሃል ነበረት። እቲ ህዝቢ’ውን ንግስቱ ገይሩ ሸየማ። ብኸምዚ ዓይነት መንገዲ፣ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ነቲ ዝነበረ መግዛእቲ ገበል ኣልዩ ናይ ባዕሉ ሰብ ብምንጋስ ዝምለኸሉ ኩነታት ኣመቻችአ ወይ ፈጠረ። እዚ ኣምልኾቱ ኣብ ልቢ ኢትዮጵያውያን መታን ክጸንዓሉ ድማ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ተቐላጢፉ ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ነዛ ንግስቲ ወሲዱ፣ ምስቲ ካብ ዘርኢ ኣብርሃም ዝወረደ ወዲ ዳዊት ዝኾነ ምስ ሰሎሞን ምጥማር እዩ ነይሩ። ብምጥማር ከይተወሰኑ’ውን ወዲ ይወልዱ’ሞ እቲ ዝተወለደ ውላድ ብመሰረት ሕጊ ብሉይ ኪዳን ኣብ ኢትዮጵያ ይነግስ። በዚ ሜላ’ዚ እቶም ኢትዮጵያውያን ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል መተሓዳደሪ ሕጊ ወይ ሃይማኖት ሒዞም ከም ዝቕጽሉ ተገብረ። ሕገ ኦሪት ተቐበሉ። ምስ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ሕዝቢ’ውን ተወሃሂዶም። ናይዞም ክልተ ሃገራት ምትእስሳር ብሓጺሩ ክግለጽ ከሎ ከምዚ ይመስል። በቲ ዝተገለጸ ዓይነት ታሪኽ’ውን እቲ ን400 ዓመት ዝጸንሐ መግዛእቲ ገበል ካብ ምድሪ ኢትዮጵያ ፈጺሙ ጠፍአ። እስራኤልን ኢትዮጵያን ብማዕረ ኢየን ሃይማኖተኛ ኮይነን። ብማዕረ ኢየን ንኣማልኽቲ ምስጋዶም ዘቋረጹ። በዚ’ውን ነፍስ ወከፍ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ኣሰራርሓ፣ ምስ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ጥራይ ዝራኸብ ምዃኑ ኣስተውዕሉ።
“ንኽገርመኩም ግን ኢትዮጵያውያን ካብቲ ዘመን ጀሚሩ፣ ነቲ ካብ ዘርኢ ሓረግ ሰሎሞን ዝወረደን ናይ ንግስተ ኣዜብ ወይ ናይ ንግስተ ሳባ /ሳባ ዝብል፡ ግዝኣት ኢትዮጵያ ንሕዝቢ ሳባውያን የጠቓልል ስለዝነበረ ኢዩ/ ወዳ ዝኾነ ምኒልክ ክግዝኡሉን ብተኸታታሊ’ውን ናቱ ዘርኢ ጥራይ ከምዝነግሱ ክገብሩ ኢዮም ጸኒሖም። ነቲ ጽላት ብምሓዝ’ውን በቲ ላዕለዋይ ኣካል ምእማኖም ቀጺሎም’ዮም። በዚ ታሪኽ’ውን ኣዝዮም ኢዮም ዝኾርዑ። ናይ ቃል ኪዳን ሃገር ምዃና’ውን ይኣምኑ። ነቲ ዝተረፈ ታሪኽ ግና “ከመይ ገይሩ?” ካብ ዝብል ተበጊሶም ቆሪጾም ይድርብይዎ። “ዝኾነ ኮይኑ፣ እታ ንግስቲ ኣብ ኣፍደገ ንጉስ ሰሎሞን ምስ በጽሐት ኣብ የእጋራን ኣብ ናይ ኢድ ኣጽፋራን ዝነበረ ምልክታት ገበል ብቅጽበት ይረግፈላ’ሞ ሕጉስቲ ትኸውን። እዚ’ውን ኣብ ታሪከ ነገስቶም ብግልጺ ሰፊሩ’ሎ። እቲ ብኸምዚ መልክዑ ዝቐጸለ ምትእስሳር’ውን ክሳብ ዘመን ክርስትና ኣገራሚ ኮይኑ ይቕጽል።
“እስራኤል፡ ሰብ ክስራሕ ከሎ ሓመዳ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉሎ፡ ሓደ ነቲ ላዕለዋይ ኣካል ዘይከሓደ ሰብ’ውን ተረኺቡዋ ኣሎ። እቲ ላዕለዋይ ኣካል’ውን ህዝበይ ይብላ። ኢትዮጵያ’ውን፣ ሓውን ማያን ከምኡ’ውን ንፋሳ ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ’ሎ። ሓደ ዘይከሓደ ውልቀሰብ’ውን ተረኺቡዋ ኣሎ። ናትና ጎል’ውን ኣብኡ ኢያ ዘላ። ኣብቲ ጥንቲ ሃይማኖት ኣብ ዘይነበረሉ ዘመን ግን ዝተረፈ ኩሉ ኣብ ትሕቲ ልኡልና ነይሩ። ስለዚ… ናይ እስራኤል ተደጋጊሙ ምጥቃስ ኣቐዲሙ ካብ ዝረኣኹሞ ታሪኽ ብምብጋስ ክኸውን ከሎ፣ ንኢትዮጵያ ክንንዕቓ ዘይንኽእለሉ ምኽንያት ድማ፣ ኣብ ትሕቲ ከምዚ ዓይነት መንፈሳዊ ሓለዋ ስለዘላ ኢዩ፡ ዝብል መልሲ ምሃብ እኹል ይመስለኒ። ይኹን ደኣምበር ኢትዮጵያውያን ዝተሓረዩ ህዝቢ ምዃኖም ዝፈልጡሉ መንገዲ የለን። ክፈልጡ’ውን ኣይደልዩን። ርጉጽ ኢዩ፣ ናትና ዕላማ ነቲ መንፈሳዊ ሓገዝ ክረኽቡ ዝኽእሉሉ መንገዲ ምዕጻው ኢዩ።
“ነቲ ዓንተዎ ዝበልክዎ ነገር ደጊመ ክብሎን ኣጸቢቐ ከፍልጥን ይደሊ። ኣስተውዕሉ! ሓደ ውልቀሰብ ምስ መንፈሳዊ ኣካላት ክራኸብ ክኢሉ ማለት፣ ብምኢቲ ሽሕ ነብሳት ይትመን ማለት’ዩ። ዓሰርተ ሰባት ሓደ ሚልዮን ሰባት ኮይኖም ማለት’ዩ። ርክብ ገይሮም ማለት፣ ናይ ኣተሓሳስባ ዓቕሞም ምስ ናቶም ተመጣጣኒ ከምዝኸውን ይገብሩሎም’ሞ መልእኽቲ ምቕባል፡ ምዝርራብ፡ ሓሳብ ምልውዋጥ ከምዝኽእሉ ይገብርዎም። ንሓደ ሰብ ብሓገዝ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ንጉስ ንዝነበረ ዓቢ ገበል ክስዕር የኽእልዎ ከም ማለት ኢዩ። በዚ’ውን ካብ ናይ ወድሰብ ኣይኪው ንላዕሊ ዝኾነ ምንቕቓሕ ብሬን ተገይሩሎም፣ ሰራዊት ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ክኾኑ በቕዑ ማለት’ዩ። ነዚ ኢና ምድላዋትና ምስ ሰብ ዘይኮነስ ምስ መንፈሳውያን ኣካላት ኢዩ ኢልና ደጋጊምና ንዛረብን ነጠንቅቕን። ከምኡ ስለዝኾነ ንመጽሓፈ ሄኖክ ወሲኽካ ካልኦት መጻሕፍቲ ብዝተኻእለ መጠን ንኢትዮጵያ ደጋጊሞም ከይጠቕሱን ትኩረት ዓለም ኣብ እስራኤል ክዓልብን ተገይሩ’ሎ። ኩሉ ነገር ክኸውን ስለዝነበሮን ክኸውን ስለዘለዎን ጥራይ ከምዝኾነን ይኸውን ከምዘሎን ደጋጊምኩም ሕሰቡ። ካብዚ ሓሊፉ ብዝኾነ ነገር ኣይትጨነቑ። ካብ ልኡልና ዝተሓብአ ዝኾነ ነገር የለን! ካብ መጀመርታ ኣትሒዙ ነበረ፡ ኣብ መወዳእታ’ውን ኣሎ። ሓንቲ ካብኡ ዝተሰወረት ነገር የላን። ኩሉ ሚስጥር ይፍለጥ’ዩ። ነቲ ዘመን ጥራይ’ዩ ዝጽበ ነይሩ። እቲ ዘመን ድማ በጽሐ፡ ተሓሪና ተኣኻኸብና፣ ኣብቂዑ። እዚ መጽሓፍ ኮነ ካልኦት ተመሳሰልቲ መጻሕፍቲ ቅድሚ ምፍላጦምን ምርካቦምን፣ ልኡልና
ዘይተቛረጸ ምድላዋት ክገብር ኢዩ ጸኒሑ። ካብ ፈርኦናት ግብጺ ኣትሒዙ ክሳብ’ዚ ናትና ዘመን እኹል ምድላዋት ክገብርን ከምቲ ተቓናቓኒኡ ንሱ’ውን ኣባላቱ ክምልምል ኢዩ ጸኒሑ። ኣብዚ መጽሓፍ ከም ትርእይዎ፣ ካብ ሰማይ ኣንበጣ ካብ ምዝናብ ጀሚሩ ክሳብ’ዚ ናይ ሎሚ ቴክኖሎጂ በብዘመኑ ጥበቡ ነቶም እሙናት ኣባላቱ ክገልጽን ክህብን ኢዩ ጸኒሑ። እዚ ኩሉ ጻዕሪ’ውን ኣብቲ ዝተመደበ ዘመን ንኦም ህይወት ምስ ቦታኣ ኣብ ኢዱ ንምእታው ኢሉ ጥራይ ክሰርሕ ጸኒሑ ደኣምበር ንኻልእ ምኽንያት ኣይኮነን!
“ብዝተረፈ እስራኤል ናይዚ ሕብረት ኣባል ዘይኮነትሉ፣ ክትከውን ስለዘይብላ ኢዩ። ከምተን ካልኦት ሃገራት ነቲ መስፈርቲ ስለዘየማልአት ኢዩ ዝብል መልሲ ክህበካ ይኽእል ኢየ፡ ግን ኣይህበካን። ኣብዚ ኩልኻትኩም ሓደ ነገር ክትርድኡ ኣለኩም። G20 ትበሃሉ ኣብዚ ዘለኹም፡ ንስኹም ዓለም ብዝፈልጦ መንገዲ ነቲ ናይ ሽፋን መስፈርትታት ዘማላእኹም ብምዃንኩም ክኸውን ከሎ፡ ነገር ግን ኣብ G20 ዘይኣተዋ ብርክት ዝበላ ሃገራት ናይዚ ዕላማ ደገፍትን ኣባላት ናይዚ ሕብረት ዝኾና ከምዘለዋን ክትፈልጡ ኣለኩም። እቲ ምንቅስቓስ ንብዙሓት ኣሽሓት ዓመታት ዝጸንሐን እንዳተወራረደ ዝመጽአን ከም ምዃኑ መጠን’ውን ካልኦት ዘይትፈልጥዎም ብሚልዮን-ብሚልዮን ዝቑጸሩ ኣባላት ከም ዘለውና ክትዝንግዑ የብልኩምን። ብዙሓት ሃገራትን ውልቀሰባትን ከምኡ’ውን ትካላትን ውድባትን ክደኽሙሉ ዝጸንሑ ጉዳይ ስለዝኾነ። እዛ ዓለም ካብ ትፍጠር ኣትሒዙ! ስለዚ ሓንቲ ሃገር ናይዚ ሕብረት ኣባል ኮይና ኣይተራእየትን’ሞ ደጋፊ ናይዚ ጎል ኣይኮነትን ኢልኩም ከይትግምቱ ከጠንቅቕ ይፈቱ።
“ሜክሲኮ! ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ምጥፋእ ኣይከኣልን ኢዩ። ንዕኡ እንተጥፊእና’ሞ ንወገንና ካብ ጸላኢና ብኸመይ ክንፈልዮ ንኽእል? እምበርከስ እዚ ከመይ ገይሩ ይከኣል? እዛ ምድሪ ኢያ ናትና ትኸውን ደኣምበር ኩሉ ፕላኔት ኣይኮነን። ሓሊፍና እንተኸድና’ውን ማርስ። ዓወት ናትና ምዃኑ ፈሊጥና ማለት ድማ ተጻራሪ ሓይሊ የብልናን ማለት ኣይኮነን። እዝን ከምዝን ዝኣመሰሉ ቅንጥብጣብ ነገራት ከም ሕቶ ኮነ ከም ርእይቶ እንተ ዘይተልዕልዎ ሰናይ ኢዩ ይብል። ኣገዳሲ ኣብ ዝኾነን ምስቲ ናይ ፍጻሜ ዘመን ኣብ ዝተኣሳሰርን ጉዳይ ጥራይ ከተድህቡ ይደሊ። ሓቂ ኢዩ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ኮነ ቅዱስ ቁርዓን፡ ካልእ’ውን እንተኾነ ኣብ ኢድ ኩሉ ኢዩ ዝርከብ። ይኹን ደኣምበር ሰማዕን ኣስተውዓልን የብሉን። ይኣምኑሉ ኢዮም ነገር ግን ኣይእመኑሉን ከምኡ’ውን ኣይተኣማመኑሉን። ኣብዚ ሕጂ ግዜ ወድሰብ፣ ነቲ ኣብ
መጽሓፍ ቅዱስን ቁርዓንን ተጻሒፉ ዘሎ ዘይረአ ተስፋ ዘይኮነ ዝደሊ፣ ነቲ ኬድካ ኣብ ኢዱ ዘቐመጥካሉ ኣቕሓ ኢዩ። ሃብቲ፡ ንብረት፡ ብልጽግና፡ ጥበብ፡ ስልጣነ፡ ሓጎስን ምቾትን ደኣምበር፣ እንታይ ኢዩ ተስፋ? ዋላሓንቲ ስለዘይኮነ ከም ምንም ቁጸሮ። ከምኡ’ውን ከምዝበልካዮ ኢዩ፡ ኣብቲ መጽሓፍ ብዛዕባ መወዳእታ ዘመንን ሽዑ ዝህሉ ኲናትን፡ ብዛዕባ ናይ ልኡልና ስዕረት’ውን ተጻሒፉ’ሎ። ቁጽሩ’ውን ሽዱሽተ ሱሳን ሽዱሽተን ኢሉ ብግልጺ ኣስፊሩዎ’ሎ። እቲ ምልክት ዘይብሉ’ውን ምሻጥ ምልዋጥ ከም ዘይክእል ይዛረብ። ከምኡ’ውን ጥበብ ከምዘሎ። ኩሉ ግልጺ ኢዩ። ነገር ግን በቲ ንሕና ዝፈታሕናዮን ዝፈለጥናዮን ዓይነት ከምኡ’ውን በቲ ንሕና ንዳለወሉ ዘለና መንገዲ ክትግበር’ዩ ኢሉ ዝግምትን ዝጥርጥርን የለን።
“እቲ መጽሓፍ ካብ መጽሓፍነቱ ሓሊፉ ኣብ ናይ ኩሉ ሰብ ሞባይል ከምዝርከብ ዝገበርና ፈሊጥና ኢና። ነቶም ክሳብ ሎሚ ብመልክዕ መጽሓፍ ዝተሓተሙ፣ ፈጺምና ከነጥፍኦም ኣሸጋሪ ስለዝኾነን ኣድላዪ ስለዘይኮነን ኢዩ። ድሕሪ ሕጂ ግና ብመልክዕ መጽሓፍ ከምቲ ዝተለምደ በብግዚኡ ከምዘይሕተሙ ክንገብር ኢና። ከምኡ ንምግባር’ውን ብቐሊሉ ኣብ ኢድ ኩሉ ሰብ ከምዝርከብ ብምግባር ስራሕና ጀሚርና’ለና። ከምኡ ብምዃኑ’ውን ነቲ ዓቢ መጽሓፍ ሒዙ ዝዘውርን ዝገዝእን ኣይክህሉን። ብነጻ’ኳ እንተሃብካዮ፣ ኣብ ሞባይለይ ስለዘሎ ኣይደልን ኢዩ ዝብለካ። ኣቐዲሞም ኣብ ገዝኦም ዝነበሮም’ውን እንተኾኑ ከምናይ ቅድሚ ሕጂ ተጠንቂቖም ኣይሕዝዎን ኢዮም። ኣብዚ ሕጂ ሰዓት ሞባይል ዘይጥቀም ኣዝዩ ውሱን ናይ ገጠር ሕብረተሰብ ጥራይ ኢዩ። ኩሉ ይጥቀም’ዩ። ሞባይል ከላቶ ናይ ኢድ ሰዓት ዝኣስር
ክንድምንታይ ሰብ ኢዩ? ኣዝዩ ውሑድ’ዩ። ናይ ኢድ ሰዓት ዝነበሮም ሰባት ኩሎም ሰዓቶም ሰንድዮሞ ኣለዉ። ቁም ነገር ኢየ ዝብለኩም፣ ኣብዚ ዘመን ናይ ኢድ ሰዓት ዝገዝእ ሰብ የለን። ብሰንክ’ዚ ድማ ሰዓት ዘፍርያ ዝነበራ ትካላት ዓውዲ ስርሐን ቀይረን’የን። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ነቲ ቅዱስ ቁርዓን’ውን ብተመሳሳሊ ሜላ ኣብ ዉሱናት ዓመታት ካብ ኢድ ኩሉ ሰብ ኣሰንዲና፣ በቲ ኣብ ሞባይሎም ዘሎ ጥራይ ተወሲኖም ክጸንሑ ጌርና።ኣብቲ ዝስዕብ ትውልዲ ምስበጽሐ ወይ ኣብ ዝኾነ ኣገዳሲ ዝበልናዮ ግዜ፣ሓንቲ በተን(button) ብምጥዋቕ ነበረያነበረ ጌርና ከነጥፍኦ ንኽእል ማለት’ዩ። በዚ ምኽንያት ኢና ብነጻን ብቐሊሉን ከምዝርከብ ዝገበርና። ወይ’ውን ንኽርከብ ዘኽእሉ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ብወግዒ ዝዘርጋሕና።
“ካልእ…. ሕቶኻ…. ንሃይማኖተኛታት ወይ ነቶም ኣመንቲ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ናብዚ ሕብረት ምምጻእ ኣይከብድን’ዶ ዝብል ኢዩ፣ ኣይከብድን። ምንም ኣማራጺ ስለዘይብሎም ንኹሎም ብዘይጽበይዎ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ናባና ከነምጽኦም ኢና። ኣይንመጽእን ዝበለ ይጠፍእ። እዚ ኣተሓሳሳቢ ጉዳይ ኣይኮነን። ነቲ ምልክት ሹመትና ዝኾነ ኣርማ ኣብቲ ናይ መወዳእታ ግዜ ኣብ ዝህልዉ ዉሱናት ዓመታት እንተዘይኮይኑ ዝኾነ ኣባል ብቐሊሉ ክረኽቦ ዝኽእል እኳ እንተዘይኮነ፣ ነቲ ንህዝቢ ዓለም ዘዳለናዮ ምልክት ኢድ ከምዝጥቀም ንገብሮ ግና ብዘይ መምዘኒ ኢዩ። እንታይ ማለተይ ኢየ፣ ነቲ ማይክሮ ችፕ /microchip/ ዝተበሃለ ረቂቕ ቴክኖሎጂ ኣብ ህዝቢ ዓለም ኣብ የማናይ ከብዲ ኢዱ ከምዝግጠም ክንገብር ኢና። እዚ’ውን ኣብታ ሓያል ዝኾነት ሃገረ ዩናይትድ ስቴትስ ተግባራዊ ከምዝኾነ ዝፍለጥ’ዩ። ንህዝቢ ዓለም’ውን ክባጻሕ’ዩ። ብመንገዲ ማይክሮ ችፕ ድማ ናይ ነፍስ ወከፍ ውልቀሰብ ናይ ሕሳብ ኣካውንት፣ ናይ ጥዕንኡ፣ ዕድሚኡ፣ ናይ ኣተሓሳስብኡን መዐቀኒ ምንቅስቓሳቱን ሓፈሻዊ መንነቱን ብሙሉኡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ኣዳራሽ ኴንና ክንቆጻጸር ክኢልና ማለት ኢዩ። ንነፍስ ወከፍ ሰብ IP address ሂብናዮ ከም ማለት’ዩ። ኣተሓሳስብኡ ጥራይ ዘይኮነ ደሙ፣ ዘለዎ ቦታ፣ ስጉምቱ ንኹሉ ጠጠው ናይ ምባልን ከምዝቕጽል ናይ ምግባርን ስልጣን ናትና ይኸውን! ነዚ ረቂቕ ውጽኢት ቴክኖሎጂ ማንም ናይዛ ፕላኔት ሰብኣዊ ፍጡር ዘበለ ኩሉ ብዘይ ምዕዝምዛም ክቕበል’ዩ። ይቕበል’ውን ኣሎ። ብዘይ ማይክሮ ችፕ ሓደ ሰብ ናይ ሕክምና ኮነ ናይ ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ተጠቃሚ ክኸውን ኣይክእልን። ብናይ ወረቐት ገንዘብ ክጥቀም’ውን ኣይክእልን። ኩሉ ናይ ዓይንን ኢድን ዓሸራ፣ ኣብታ ካብ ሲም ካርድ ትንእስ ማቴሪያል ኣካቲትና ንሕዘሉ ጥበብ ኢዩ ካብ ልዑልና ዝተለገሰልና። ስለዚ ብዘይ ማይክሮ ችፕ ዝኾነ ዜጋ ካብ ሃገር ናብ ሃገር፣ ካብ ቦታ ናብ ቦታ፣ ካብ ኣህጉር ናብ ኣህጉር ምንቅስቓስ ኣይክእልን። ናይ ፓስፖርትን ቪዛን ኣሰራርሓ’ውን ብማይክሮ ችፕስ ዝካተትን ዝልወጥን ኢዩ። ነዚ ኣይቅበልን፣ ኣብ ውሽጢ ኢደይ ክቕበር ኣይደልን ዝብል ውልቀሰብ ኮነ ጉጅለ፣ መራሒ ሃገር ኮነ ተመራሒ ሕዝቢ፣ ወይ’ውን ሃይማኖተኛ እምቢ ናይ ምባል መሰል ይሃልዎ ደኣምበር ንመሰሉ ክሕልወሉ ዝኽእለሉ መንገዲ ስለዘይብሉ ይቕበል። ኣዝዮም ኣጥበቕቲ ዝኾኑ ሃይማኖተኛታትን ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል እሙናት ኢና በሃልትን መራሕቲ ሃይማኖትን ከይተረፉ ክቕበልዎ ኢዮም። ከይፈተዉ ተገዲዶም የማነይቲ ኢዶም ከረክቡና ኢዮም፣ እታ ዘመን ቀልጢፋ ክትበጽሕ የብቅዓያ ደኣምበር /ትበጽሕ’ውን ኣላ/ ብዘይ’ቲኣ ማቴሪያል ስራሕ ምስራሕ፣ ግብሪ ምኽፋል፣ ቆልዑ ምምሃር ኮነ ዝኾነ ነገር ምግባር ስለዘይከኣል፣ ካብዚ ኣምሊጦም ወጹ ማለት ናይ ግድን ገዛእ ርእሶም ካብ ዓለም ኣርሒቖም ኣብ በዓትታት ኣትዮም ኣቑጽልትን ኣብ በዓትታት ዝርከቡ ኣራዊትን እንዳሃደኑ ንምብላዕ እንተደለዩ እኳ ኣይከኣልን። ምኽንያቱ እዛ ማይክሮ ችፕ ንደቅሰባት ጥራይ ዘይኮነ ንእንስሳታትን ንዕጸዋት’ውን ከይተረፈ ትወሃብ ኢያ። እንስሳ ዘቤት ካብ ዝበሃሉ ካብ ድሙን ከልብን ጀሚርካ ካሳብ እቶም ኣብ ፓርክታት ዘለዉ ኣንበሳን ኣድጊ በረኻን ብምሉኦም እንስሳታት ዓለምን ማይክሮ ችፕ ክግጠመሎም ኢዩ። ነፍስ ወከፍ ገረብ ብመልክዕ መርፍእክውጋእ ኢዩ። ኩሎም ዓይነት ኣብ ልዕሊ ምድሪ ዘለዉ ዕጸዋት ኣግራብ ነቲ ማይክሮ ችፕስ ክውግኡ’ዮም። እቲ ስራሕ’ውን ድሮ ተጀሚሩ’ሎ፣ ብኣኹም ብመንገዲ’ቶም መራሕቲ ዝኾንኩም ኣቢሉ ኣብ ሃሃገርኩም ተግባራዊ ይኸውን። ስለዚ….ሰለዚ…. ብዛዕባ ኣጸዋውዳ ሰባትን ብዛዕባ ናብዚ ሕብረት ምጽንባርን ብዙሕ ክትጭነቑ የብልኩምን። ንስኹም እቶም መራሕቲ ከተድህቡሉ ዘለኩም ብደረጃ ሃገርን መንግስትን ክስርሑ ኣብዝግብኦም ዕማማት ኢዩ። ንመራሕቲ ሃገራት ዓለም ናብዚ ሕብረት ምጽዋዕ፣ ንመፈጸሚኡ ዝሕግዝ ዓቕሚ ገንዘብ ምድላብ፣ ናይ ኬሚካል ኣጽዋር ውግእ ኣብዚሕካ ምፍራይ፣ ሕዝብኹም ኣብ ቴክኖሎጂ ጥራይ መታን ከድህብ፣ መራሕትን ኣርኣያን ምዃን፣ ንግርማ ልኡልና ኣብ ሃገራትኩም ምስፍሕፋሕን ምስራጽን ኣብ ዝኣመሰሉን ተግባራት ኣተኩሩ። ብዝተረፈ ነቶም ሃይማኖተኛታትን፣ ናይቲ ላዕለዋይ ኣካል ኣመንትን ብዙሕ ኣይትፍርሕዎም። ኣተኩሮን ጥንቃቐን ግን ትገብሩ! ብዝተረፈ ነቲ ካልእ ኩሉ ደጊመ ክነግረኩም፣ ግደፍዎ።………

ይቅጽል…

©®ፍስሐ ያዜ ካሣ

Published by

HABESHA PROFILE

film production writer( screenplay ,poem,and story

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.