ጸጋይ መሓሪ ምስ በየነ ሃይለ፡ by tsegay meHari)

(ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝጽሓፍኩዎ ዝኽሪ በየነ ሃይለ ፈጣሪ መዝገበ ጥበብ ኣማኑኤል)

ቅብኣታቱ ከይርኣየኒ! ህያበይ ከይሃብኩዎ!

ብህንጡይነት’የ ካብ ገዛ ተበጊሰ። ኣውተቡስ ከተማ ቁ.8 ድማ ንህንጡይነተይ ሰማይ ኣዕረገቶ – ብምድንጓያ። ታክሲ ከይወስድ 50 ናቕፋ ጥራይ’ያ ኔራትኒ። ወላ ንናይ ቃልዓለም ‘ኣነ ‘የ ዝኸፍሎ’ መበሊት ክትኮነኒ ድማ ከሽርፋ ኣይደለኹን። ቁ.8 ረዲኣትኒ። 10 ደቒቅ ኣሕሊፈ ኣብ ቆጸራይ ተረኺበ።

”ማስክ ካፈ” ( ኣብ ጎኒ ኣልባ ቢስትሮ ዘላ ) ቅድሚኣኡ ፈጺመ ኣተየያ ኣይፈልጥን። እትው ኢለ ቀባሕባሕ ምስ በለኩ ሓደ ብስእሊ ጥራይ ዝፈለጦ ዝንበበርኩ ሽማግለ ሰብኣይ ኣብ ቅድመይ ኮፍ ኢሉ ረእኹዎ። ከድኩዎ ድማ። ‘ይቕሬታ ኣቶ በየነ ደንጉየ’ብምባል ኢዱ ጨበጥኩዎ። ‘ጸጋይ ይብሃል’ ተላለኹዎ። “ ጸጋይ” በለኒ ከይከበደኒ። መንበር ስሒበ ኮፍ ድሕሪ ምባል ጠመትኩዎ። እቶም ህያውያን ኮይኖም ዝስምዑኒ ንሱ ዝፈጥሮም ገጸባህርያት ስነ-በባዊ ዕዮኡ ኣብ ገጹ ክረዮም ደለኹ። መንፈሱ ብመንፈሰይ ክርእዮ ፈተንኩ።

ዓመቖኒ። ክዛረብ ኣይደለኹን። ፍሉይ ቋንቋኡ ክቕልበኒ ናይ ምስማዕ ሸውሃተይ ጋህ ኣበልኩዎ። ከይሓተትኩዎ መለሰለይ። ህድኣት ዝመልኦ ወግዑ ድማ ፈለመለይ- ደራሲ በየነ ሃይለ። ስነ-ጥበብ እንተኣፍቅርካዮን ኪኖ ብኣዒንትኻ ብውሽጥኻ እንተኣንቢብካዮን ንሱ ዉ ከምዘፍቅረካን ዝግሃደልካን ጥበብ ብዝመልኦ ኣውግዓኒ።

ኣነ ድማ እታ ብዉክልና ዝትነድቀት ድኳን ትበርህ እትብሃል መጽሓፍ ደጋጊመ ከምዘንበብኩዋ ግን ኣብ ዕምቅታን ብራኼኣን ክበጽሕ ከምዘይከኣኣልኩ፣ እታ ዝሃብካ ሂብካያ ሓቂ ዘይትጸግብ ትጽቢት ባህጉ እትብሃል መጽሓፉ ዉን ኪኖ እቲ ብደገ ዝረአ ክስንጥቓ ጥበብ ከምዝወሓደኒ ነጊረዮ። ብዛዕባ ድራማ ወግዒ ልብን መጽሓፍ ዓቢዱ ዶ ትብልዎን ዘለኒ ፍሉይ ጦብላሕታ ድማ ኣካፈልኩዎ።

ፍቕሪ ስነ ጥበብ ዛካበና ኣዕሩኽ ከምዘለና `መዝገበ’ ድማ ቀንዲ ዓርክና ምዃና ካብኡ ሓሊፍና ዉን ኮፍ ኢልና ኣብ እነዕልለሉ ንመዝገበ ኢልና መነበር ከምነዳሉን ነገርኩዎ። ስሕት ኢልና ንሓድሕድና ‘መዝገበ’ እናተባሃሃልና ከምንጸዋዋዕ ዉን ከይሓባእኩ ገለጽኩሉ። ሽዑስ ክረኽበና ተሃንጥዩ።

ኣብ መጀመርያ ወርሒ ታሕሳስ 2008 ኣብ ትሕቲ ቀይሕመስቀል ስነጥበብ ዝጠርነፈና ሰባት ዘዳለናዮ ናይ ስነጽሕፍ መደብ ስለዝነበረ’ሞ በየነ ድማ ኣብኡ ተረኪቡ ጎደና ጥበብ ከርእየና ብምባል’የ ናይ ዕድመ ደብዳቤ ሒዘሉ መጽየ። ኣቕዲመ ሞባይሉ ካብ ብኽብሪ ዝዝክሮ ምምህር በረኸት ጸጋይ ወሲደ’የ ደዊለሉ። ነዚ ቆጸራ ድማ ቆጺርናዮ።

ብዝተካእሎ መጠን ክምጽእ ምዃኑ ድማ ተማባጻዓለይ። ሓደ መዓልቲ ናብ ገዝኡ ወሲዱ ቅብኣታቱ ከርእየና ምዃኑ ድማ ጥበባዊ ተስፋ ሃበኒ። ምስ ተስፋይ ድማ ተፈላለና። በየነ ኣይጠዓሞን ናብቲ መደብ ስነ ጽሑፍ ኣይመጸን። ተስፋይ ዉን ኣይተፈጸመን። ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ናብ ሸላታት ማይ ስርዋ ምስ ናይ ስነ ጽሕፍ መምህራነይ ብግዴታ ገሽኩ።

ኣብቲ ንልዕሊ ኣርባዕተ ዓመታት ግዱድ መገሻ፣ መጽሓፍ ዘንበብኩላ መዓልቲ ካብቲ መዝገብ ብኹን ዕለት የውጻኣ ነበርኩ። በየነ ብውክልና መጻሕፍቱ ምሳይ ነበር። እታ ኣንቢበ ንኣንበብቲ እናሃብኩ ሻዱሻይ ግዜ ገዚኤያ ዝንበርኩ ዓቢዱ ዶ ትብልዎ ኣብ ማይ ስርዋ ዉን ብዕድል ጎፍ በለትኒ። ከም ሓዲሽ ኮይነ ድማ ኣንበብኩዋ። ደገምኩዋ ። ሰልስኩዋ። ሓደ መዓልቲ ከንብባ ወዓልኩ’ሞ፣ ከምቲ ወትሩ ጽልግልግ ምስ በለ ዝነቓቓሕ ናይ ምግጣም ወነይ፣ ተነቓቐሐ።

ክልቲኡ ኣዕንቲ ሸላይ ጨርቂ ወትፈኩዎ። ሽምዓ ወላዕኩ። እቲ ከም ወረቐት ዝጥቀመሉ ሶፍት( ወረቐትዓይኒ ምድሪ) እንተፈትሽኩ ግን ስኣንኩ። ” ሽግር ትወልዳ ንጥበብ” ድማ ኮነ። ኣብቲ ጻዕዳ ክፋል ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ድማ ነታ ብፍላጥ ሻምብቆኣ ዘውጻኩዎ ብርዐይ ተኸልኩዋ።

ሓሳባተይ ኣይኮልፍኩዎን። ከምዘልዎ ኣውሓዝኩዎ። ‘yes!’ ድማ በልኩ ብሓውሲ ሕሽኹታ ምስ ወዳእኩ። ከምቲ ወትሩ ዝገብሮ ነታ ግጥሚ ንነብሰይ ኣንበብኩላ። ምናልባት ዉን ንበየነ። ወይ ድማ ንመዝገበ። ሽዑ ሽዑ ካብቲ ሸላ ክወጽእ ደለኹ ። ነታ ግጥሚ ን በየነ ህያብ ክህቦ ተሓንጠኹ። ኣይከኣኣልኩን። ምኽፋት ዝተዓጽወ ግዚኡ ኣይኣከለን ኔሩ። ምስ ወጻእኩ ንበየነ ከም ህያብ ክህቦ ምኳነይ ወሲነ ድማ ነታ ቁራጽ ጋዜታ ኣብታ ዘይትሕጸብ ቦርሳይ ሓቢአ ደቀስኩ።

ንጽባሒቱ ኣብቲ ዓለም መናብርተይ ንዝነበረ ብዛዕባ እታ ግጥሚ ኣዕለልኩዎ። ጌና ኣብ ዕላል ከለና ግን ብድህሪ ሸላታትና ‘ጋዚጣ ጋዜጣ’ ዝብል ድምጺ ሰማዕና። እቲ ንሰሙን ኣቢሉ ከይመጸና ዝቐንየ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ’ዩ መጺኡ።

ህልው ህልውና ዓለም ጭልፍ ኣቢላ ስለተምጻኣልና ን ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ ንጽበያ ኢና። መርድእን ምስጋናን ዝበዝሓ ምዃና ድማ ተፍርሓና። ናይ ሰሙን ኣቢሉ ዝኸውን ጋዜጣ ተዓደልና። ሓንቲ ጋዜጣ ከንብብ ምስ ጀመርኩ ድማ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ምቕባሉ ዘሸገረኒ መርድእ ፊት ንፊተይ ግትር በለ።ቅድሚኡ ሰሙን ብሞት ዓቢ ስነጥበበኛ ኢሳይያስ ሰንቢደ’የ።እንሆ ሎሚ ድማ መርድእ ጥበብ ጸፍዓኒ።

”ደራሲ በየነ ሃይለ ዓሪፉ” ድማ ይብል። ነቲ ጋዜጣታት ናብቲ መደቀስየይ ደርበኹዎ። ኣይተዛረብኩን።ዓው ኢለ ግን ”እውይ!” በልኩ። ብውሽጠይ ድማ ” ቅብኣታቱ ከይረኣየኒ፣ ህያበይ ከይሃበኩዎ” በልኩ።

እንሆ እምብእር ንደራሲ በየነ ሃይለ ክህቦ ዘይተዓደልኩ ህያብ (ግጥሚ ) ንዓኹም ንማሕበር ስነ ጽሑፍ ኤርትራ ይህበኩም ኣለኹ። ክንዲ ብዙሕ ድማ ቁጸሩለይ።

‘ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?

መዝገበ ጥበብ ኣማኑኤል
ነታ ካብ ነብሱ ዘይፈልያ
ኣይካቦት ኣይጃኬት
ምስታ ኣረጊት ሳንጥኡ
ንዋት ቅርጻ ዝሓዘት
እኽሊ ከይጠዓመ ዋግዋጎ
ናብቲ ጻዕዳ ኣእማን ዝርከቦ ጎቦ
ተሃንጥዩ ክግስግስ ይረኣኣየኒ’ሞ
ተምሳጥ ጥበቡ ንውሽጠይ ይመልኦ።

መዝገበ መዝጋቢ ጥበቡ
ፍቕሪ ዛይድ መሊኡ ከሎ ልቡ
ብፍቕሪ ስድራቤቱ ብሕንቁቑ
ክምስ ኢሉ ከይተዛረበ
ንድምጺ ውሽጡ ስለዝሰመዐ

ኣዲኡን ሓፍቱን ኣብ ብርኩ ወዲቐን
ካልእስ ይትረፎ ድሓን

ብዓል ትንሳኤ ምስኣተን ከሕልፎ
ዓይኑ ጠሚተን እናለመንኦ
ዛይድ ንሕፍረት ተቓሊሳ
ግዜኣ ምስኡ ከትሕልፎ
ከምእትብህግ እናነገረቶ፣

ብፍቕሪ ጥበብ ተሳዒሩ
ሳንጥኡ ተኾልኲሉ
ክወፍር ናብቲ ጎቦ

ህያው ኮይኑ ይረኣኣየኒ’ሞ
ተምሳጥ ፍቕሪ ጥበቡ
ንውሽጠይ ይሓቑኖ።

መዝገበ!
መዝገብ።
መዝገበ ፈጣሪ ጥበብ
ብራሹ ጨቢጡ ኣብቲ ጎደና
ንሂወት ኣብ ቅባኣ ክምዝግባ
ኪኖ ህያው ኮይኑ ይረኣየኒ’ሞ
ልበይ ይጠልመኒ
ንውነይ ይስእኖ።

እቲ ደራሲ፣
ነዚ መዝገበ’ዚ ‘ዩ
‘ዓቢዱ ዶ ትብልዎ?’ ኢሉ ሓቲቱ።

መዝገበ ንዓይ ኣይዓበደን!።

ብፍቕሪ ጥበብ ረቒቑ
ንውሽጡ ሰንጢቑ
ኣኽናፍ ቅርጻን ቅብኣን ገጢሙ
ናብ ጥርዚ እምባ ጥበብ’ዩ ነፊሩ።

እቲ ደራሲ ግን ብርግጽ ዓቢዱ
ከይኣኽሎ’ኳ ብጥበብ ምዕባዱ
ንኣንበብቲ ለኪሙ ዓቢዱ
ካብቶም ዝዓበዱ እነሀለኹ!።
(2012)

ጸጋይ መሓሪ (ተመርዖ)
ንዝኽሪ 3ይ ዓመት ስጋዊ ሞት ደራሲ፡ ሓሳቢ፡ ቀባኢ፡ ገጣምን ኣፍቃሪ ልቦናን በየነ ሃይለ

Amanuel Gaim
Tesfit Abraham
Alexsander Amanel

ሕጂ’ዶ ጸሊኤያ! amusing poem by keste tesfazgi,


ኣብ`ዚ ኣድማስ ዘገምታ እንነብሮ
ልቅብቃብ ጽባቄ ኮይንወን ቁንጣሮ
መዓስ ብከመይ ኣሻባ በጺሓቶ
ከም በጋና ዳዊት ንልበይ ቃንያቶ
ኣቕሊበላ!
ኣብ ዙርያይ ዘምብያ ኣብ`ቲ 
ከውታ ለይቲ
ብኢድካ ዘይትድህሰስ ኣምሳል 
መላእኽቲ
ከም ከዋኽብቲ ንሰማይ 
ንሳ ድማ ኣብ`ቲ ድነ 
በርሃው-ሃው ኣቢላቶ ‘ስ መንፈሰይ
ቀሲነ
ኣሕሊማትኒ!!
ቃንዛ ውሽጠይ ዛይዱ 
መንፈሰይ ተሃንዲዱ
ኣብ ሕልሚ ኣንሳፊፈ 
ካብ ውሽጠይ ሸፊተ
ሽዑ ከፍቅራ ተገዲደ 
ኣፍቂረያ!
በቃ ኣፍቅር`ቢለያ! 
ኣብ ልበይ ፈሊሳ ግዝያት
ሓሊፉ ብጥጂእታ
ጽላል ክኾና ከተዕርፍ ሓዚኤላ ቦታ
“ኩሉትናይ” ኢለ “ካልኣይቲ ኣደይ” ሰምየያ
ሰምየያ!
ኣይቀትሉ ኣይምሕሩ ቃላታ ብሽፉኑ
ከመይ ኢለ እሞ ክቀብጻ ፍቅሪ`ዶ ይቅበጽ ኮይኑ
መሊሰ እኳ ድኣ ወሲኹ ፍቅራ ጠጢዑ ሸዊደ 
ጉዕዞ ባህጊ ልበይ ንምብጻሕ ተስፋ ጌረ መንጒደ
ተስፋ!
የግዳ!
ውልድ ትምቅናይ ቀልቢ
ውልድ ትምቅላብ ሕልሚ
ውልድ ትምሕላም ፍቅሪ
ውልድ ትምፍቃር ስምየት
ውልድ ምስማይ ተስፋ
ውልድ ምትስፋው ድማ ሓዘን ተወሊዱ
በዚ መጽዩ ኣይብሎ 
መዓስ ተኻዊኒ ኣይውዕሎ
ዝተካወነ ክውኖ
መን `ዩ ከ ከኣምኖ 
ካብ መዓልታት ኣብ ቀዳም
ምስ ሓደ ወዲ ኣዳም 
እቲ ዝሕሻ መሪጻ 
ንመርዓ መደብ ሓንጺጻ
“ዕድመኻ!
ኣብ`ቲ ንልበይ ዕሰለ
ንልብኻ ድማ ድበ
ጋቢ ኬንካ ከተሙቆኒ
ሓወይ ኣይትፈለየኒ”
`ቢላ ዕድመ ሰዲዳ
ከይደያ ከመይ ዘይከዳ
“ዕሰልየ” ተባሂሉ ኣሲራ ጋማ
ነታ ካልኣይቲ ‘ደይ ሕጂ `ዶ ጸሊኤያ::

ከሰተ ተስፋዝጊ 
(ባምብል)

ዝኽሪ 20 ሰነ ( ግርማይ ኣስፍሃ ዓንቂ)

እዛ ግጥሚ፡ኣብቲ”ሳሕል ከም ሃገር፡ህዝባዊ ግምባር ከም መንግስቲ” ብዝብል ቴማ፡ኣብ ግምባር ሰ/ምብራቕ ሳሕል ዝተገብረ-ሃገራዊ ዝክሪ ክትንበብ’ያ ተገጢማ።
እዞም ኣብዛ ግጥሚ ኣስማቶም ዝጥቀሱ ሰማእታት፡99% ኣብቲ ግንባር ዝተሰውኡ’ዮም።ኣባላት ናይ’ተን ኣብቲ ግምበር ዓሪደን ንወታሃደራዊ ግትማት ተወፍየን ንድሕነት ሰውራ ኤርትራ ዘረጋገጻ ኣሃዱታት ህ/ሰራዊት’ዮም።ካብ ብጾቶም ካብ ዝተቖንጨሉ ቁንጣሮ ዝክሪ ኮይኖም፡ዳርጋ ብምልኡ ኣብቲ ግንበር ዝነበረ ተጋዳላይ ዝፈልጦምን ኣዝዩ ግኑን ስም ጅግንነት ዝለበሱ ብምዃኖም፡ ኪንዮ ብስእለ-ኣእምሮ’ ብዓቅመ-ልሳን ክትገልጾም ዘይትኽእል፡ዘልኣለማውያን ሰማእታት’ዮም።

ነጋውስ ናጽነት
ብርጌ 4

ብምንታይ ይልዓል፡ብምንታይ ይፈለም
ኣስማትኩም ክጽውዕ፡ኣፍ ኣውጽኡ ቐለም
ምስ ታሪኽ ከዕልል፡ታሪኽ ዘልኣለም።
ሰነድ ታሪኽ’ወ፡ ብሃውሪ ዘይቅላዕ
መለኸት ሕልና፡ ብልቢ ዝውቓዕ
ልበይ እናተኸኸ፡ ከም ዕጣን ጸናጽል
ማህደር መን ገዲፈ፡ማህደር መን ክግንጽል?
ምስ መንኩም ጸኒሐ፡ናብ መንኩም ክቕጽል?
ዋናታት ናጽነት፡ጎይቶት’ዛ ባንዴራ
ካብ ራስ-ቔሳር፡ ክሳብ ራስ-ዱሜራ
ምእንቲ ሃገር፡ ዝመለኽኩም ሳህራ
ሓበን ዘንትእለት ኢኹም፡ሰማእታት ኤርትራ!

ኣብ ልብና ኣለኹም፡ክመሲ ክወግሕ
ዋሕስ ዒላ-ጻዕዳ፡ ኣባጓይላ ጥግሕ
ዘይክማህ ጽንዓትኩም፡ ወራራት ዘስግድ
በርሀ ተስፋማርያም፡ዓሊ በያን እኩድ
ናትኩም’ዩ’ዚ ዕቤት፡እዚ ቴክኖሎጂ
ኣልማዝ እዮብ፡ ምኪኤለ ሎጂ
ኣናብስ ምዝላቕ፡ ድብያ ዒላበርዕድ
ዝተብዕ’ምበር፡ ዘይብልኩም ዝርዕድ
ሕጽብቲ መዓንጣ፡ መመሊሳ ትስውድ
ተናፋቂት ኢኺ፡ ሶፍያ ሳልሕ ኣሕመድ
ኣብቲ ንቕሎ ዘብዘብ፡ ጸላኢ ንምዕጋት
ንጉስ መዓሚዶ’ዶ ክብለካ፡ጎይታ ጋጋት
ግፍፍ ይብለኒ’ሎ፡ መላእ ነብሰ-ስጋይ
ኣንታ መምህር ጽንዓት፡እባየ ጸጋይ
ቐታሊ ኩብኩብታ፡ ከም ፍሊት ንባርኖስ
ጅግና ኣባሪፋው፡ ብጻይ ገብረሊባኖስ
ባዓል ሓርገጽ’ወ፡ በዓል ኣባ-ዳማ
ተሓበነለይ፡ በራኺ ሽፈራ ይልማ
ምሉእ ግንባር’ንድዩ፡ ፈጺሙ ዘይርታዕ
መን ይርስዖ፡ ንተስፋይ ገብራይ ተባራታዕ?
ሂወቶም ወፍዮም፡ ዝደፍኡልና ዘውዲ
ከመይ ኢልካ’ታ ይርስዑ፡ እኒ ባዓል ማህዲ
ዘይፈላለዩ ፡ ደቂ ከተማ ደቂ ገጠር
ሳላ ግምባር ኣውገት፡ ዕርድታታ ናይ ቕጠር።
ጎይቶት ግጥም፡ ኣናብስ መኸተ
ትዝ’ዶታ ኢሉኩም፡ ቢላል ተኽለ ሃብተ?
ብስኒት ክንማሙቕ፡ ብትዝታ ክንሓብር
ብደም ዝፈረማ፡ ባዓል ለተብርሃን ተስፋጋብር።
ደም ዝቐለቦም፡ ከም ጨካን ኣሰለት
ጎይቶት ኣርዐ ንኡስ፡ ሓራግጽ ናይ ሽግለት!
ጽሓይ ኤርትራ’ዶ ክብለኩም ናይ ኣፍሪቃ ፍኖት
ኣንታ ሰነድ ልቢ፡ ኣድሓኖም ተኽለሃይማኖት።
ዘይበላለጽ ቅያ ነብሲ-ወከፍ ኣውራ
“ንብስም-ኣብ ተመስገን ቀዲማታ”ብህሎ ሰውራ
ሓንፈጽ ተጋዳላይ፡ ብቛል ዘርኢ ሩስያ
ታሪኽ ዘመዝገበ፡ ኣብ መዓስከር ቅያ
ኣብ ክንዲ ናብ ሩስያ፡ መሪጹ ንሜዳ
ኣብ ከርሳ ኣለኩም፡ኪዱ ዒላጻዕዳ።
ኣንቶም ዳሕረወት፡ ከይመስለኩም ጥቕራን
ዝባን ሰብኡት’ዩ፡ ዝቀድድ ከም ምራን
ዒላ ጻዕዳ ኣለኩም’ወ፡ምኪኤለ ሚራን!
ሰብ ሓበን ሓወልቱ፡ ናይ ሎምን ፈለማን
መሓመድ ሓሰን፡ ኣብቦከር ዑስማን።
ድምብርጽ ዘይብለን፡ ዓረርን ባሩድን
ወርቃውያን ወለዲ፡ ናይ ታሪኽ መዓድን
ታሪኽ ጅግንነትኩም፡ ኣይውድኦን ጸውየ
ልቡ’ዩ ሰፈርካ፡ ኣማኑኤል ፍስሃየ።
ድኸም ኢሉኒ’የ ጀሚረልኩም ጽሕፈት
ክንደይ ቅያ ክብሎ፡ ብርጌድ እንዳ ጽፈት?
ቁንታሮ’ዩ ዓቅመይ፡’ታይ’ከ ይኽእሎ
ይቕሬታ ይሃትት፡ንእንዳ ሞንቶካርሎ!!!!
…….ብርጌድ 31
መሊሱ ዝሕደስ፡ ዘይበሊ ጽልዋ
ደቂ ዴስነት’ምበር’ዮም ደቂ ታባ ጉዋ።
ሓዊ ዝድራሮም፡ ከም ግንባራት ናቅፋ
ርእሰ-ተኣማንነቶም፡ ጽንዓቶም ሓለፋ
ዘራይ ኣይዓጦም፡ ኣይግድሶም ውሳይ
ሓጂ ከሊፋስ ተሪፉ፡ መሪጻቶ ጋርሳይ።
ጥሙራት ሓድነት፡ ከም ማእዶ ርግሀ
ገብራኣብ ጋይም፡ ምስ ባይኖሳይ በርሀ።
ሰብ ተውለ ጅግንነት፡ ሰብ ማንታ ሓኾተ
ጅግና ኤልያስ፡ ምስ ብርሃነ ሃብተ።
ምልኣት’ዶ ክብለኩም፡ ጾሎት ስብሃትልኣብ
ኢብራሂም ማንጁስ፡ ምስ ብርሃነ ገብርኣብ።
መበቆል ሓደ ልቢ፡ ምንጩ’ዛ ሓድነት
ደቂ ማሕበርነት’ዮም፡ ታባ ሃጸይነት።
ሓደ ኣካል’ዮም ኩላ ጓላን ወዳን
ቃል ዝኣተዉ፡ ዘይጥለም ኪዳን!
ኣመተ ዘራኣጽዮን፡ ‘ወ ንግስቲ ገ/ኪዳን።
ውፉያት ገናሽል፡ ጽኑዓት፡ ከም ዓረ
ፋጥማ ሳልሕ፡ ምስ ብርሃነ ስዓረ።
ንቅሓት ሕላገቶም ፡ስዓርቲ መሃይም
ንመን ትዝክሩ’ታ ድሕሪ ወዲ ጋይም?
ምፍላይ ሳኢነዮም፡ ሰብ’ድዮም ኔሮም ኣርዮስ
ምዑታት ምልክት’ወ፡ ባዓል ብርሃነ ግርዮስ!
ንጸላእቶም ዘበሉ፡ ‘ስዩምን ኣላሽን
ደቂ ዒላ ጻዕዳ’ወ፡ ደቂ ሩባ ማይ ካላሽን።
ንፈተውቶም መላኣኽ፡ ንጸላእቶም ኣትማን
ኣሰፋሽ ኩኘ፡ ምስ ኢብራሂም ዑስማን።

………..ብርጌድ 23 ይቅጽል…

ተወንጫፊ ኣሃዱ፡ ኣብ ጎቦን ጽርግያን
ካብ ምዕራብ ናብ ሰሜን፡ ብዘብዘብን ጉያን
ዘይድፈር ሰራዊት ፡ ኣብ ተርግእን ድብያን
ዘይምሕር ወስታኹም፡ ከም መርዛም መንደላይ
ሃደንቲ ዓወት፡ ብተርግእ ፡ ብቃፍላይ
ዓወት ዝድራሮም ፡ኣብ ከበሳን ቖላን
ኣቶም ደቂ መፈየጽ፡ ደቂ ታባ ጎላን!!
ብመንከም ፈሊመ፡ ብመንኩም ክዛዝሞ
እንታይ’ከ ክብል’የ ከይተቕስኩ ማሞ?
ባዕልኻትኩም ሰንደቅ፡ ባዕልኻትኩም ዘንጊ
ተስፋማርያም ጋፎ’ወ፡ ሃይለማርያም ሳህልዝጊ!
ዘይግረር ሓይሊ፡ ዝራብዕ ኣንበሳ
ጨዳዲ ኣኻውሕ፡ ዘይሓቕቅ ማሳ
ሓንጋሪ ኣሃዱ፡ ኣብ ኢድካን ሞንኩብካን
ኣብ ጎቦ ዝጎዩ፡ ምስ ምሉእ ኣርባዕተ ጀሪካን!!
ንበይኑ መስርዕ’ዩ፡ አረ ምሉእ ጋንታ
የብልካን መግለጺ፡ ካልእ’ዩ ሓኔታ
ልቢ’ዩ መቃብርካ፡…ያቖብ ማሕታ!
“መድሕን”‘ኳ ዝብልዋ ንጋንጽላ
ክንደይ ሸባብ ክብሎም’ሞ፡ክንደይ ኣፍላ
ጅግንነትን ዋዛን ኔረን፡ ምስ ምስግና ታፍላ።
ተወርዋሪ ኣሃዱ፡ ኣብ ጉዕዞን መርሽን
ደቂ ባዶ ኣኩብ፡ ታባ ማይ ካላሽን።
ቕሻረት’ዶ’ታ ክብሎ፡ ናይ ኣውገትና ኣርማ
ቃል-ኪዳን መስቃእቲ ዝኣሰረ ጋማ
ጅግና ምልክት’ዩ፡ ናይ ዓወት ሓባሪ
ልበይ ኣሕዲጉኒ፡ ቃልኣብ መሓሪ።
መናብርቲ ታሪኽ መናብርቲ ዓወት
ብርሃነ ሳልሕ፡ ሃይለ ገብሪሂወት።
ምኩሕ ኣሃዱ’ዩ፡ ዓወት ዝድራሩ
ታባ ወዲ ዓከር ትመስክር፡ ታባ ወዲ ግብሩ።
ኣንታ ጸባ-ጸገብ፡ ድልዱል ኣቓውማ
ባዓል ክራር ኔርካ፡ ባዓል ጥዑም ዜማ
ብሩኻት’የን ዝወለዳኹም ማህጸን
ጅግና ኩሉ ገጻት ኔርካ፡ ጀርጆ ተስፋጽዮን።
ኣቤት’ወ ክትኩስ፡ኣትኪልካ ብጠጠው
መልክዐኛ ሸባብ ኔርካ፡ኪዳነ ገ/ሃንስ ጠረው።
ክልተ ትጽቢት’ከ ፡ከመይ’ሉ ክሳነ
ተሪኽ’ዩ ሓድግኹም፡ መቅሊ’ተተሳእነ
ምካኤል ገብረኪዳን፡ ምስ ሕሩይ የማነ።
ምዕይ ዘይብል፡ ንውግእ ኣውዒሉ ዘሕድራ
ጸኒዑ ዘጽንዐ፡ ዑሞር ኣቢዳራ።
ኣንቲ ነብሪ ጎልጎል፡ ዘይብላ ንሕስያ
ዓድረሶ ዝሓረየትኪ፡ ቁንጅናኺ ደልያ
ታሪኽ’ዩ ሓድግኺ፡ ኣልጋነሽ ብሪጣንያ።
ዓይኒ’ዶ ክብለካስ፡ ናይ ኣሃዱ ርእሲ
ፈታሕን ኣሳርን፡ ማዕበላት ትጓሲ
ቅጅል እንካ በልካኒ ሓዚልካ ፒኣርሲ
“ሃሎው..ኣብ ምሰመር ዘለኻ”እናልካ ክትምክት
ድምጽካ’ሎ ገና ስዒድ ምልክት።
…………….እንዳ 74 /ሰንጥቕ/
“ኣንታ ሎሚ ግዳ፡ ወናኒ ስታሊን ኦርጋን”
ሕላገት ዶ ክብለኩም፡ ናይ ሰውራና ላዳን
መዳፍዕኩም መብረቕን ነጎዳን
ታርጌት ቦምባታትኩም፡ዘይግለጽ ብልሓቱ
መዕረ ተጋዳላይ፡ ብስለተ-ንቅሓቱ
መለኽቲ ኣጽዋሮም ፡ ልዕሊ ዋናታቱ።
ነዛሕቲ ኣሳት፡ ባሩዱን ቓጸሎን
ቃና ጥዑም ፋጻ፡ ብትኽሎን ብስቕሎን።
ቅድሚ ምትኳሱ’ወ፡ ሓሞቱ ዘዕጥቕ
ኣቦ ከቢድ ብረት፡ ጎይታ ሰንጥቅ
ጀነራል’ምበር’ዩ፡ ናይ ኲናት መሃንድስ
ገበል ጣሻ ኔሩ፡ ብርሃነ፡ወዲ ኮማንድስ።
እቲ ነብሪ ጎልጎል፡ ውዑይ ደም ከም ኣፍላ
ኣካ ተራእየኒ፡ ምስ ዕጥቐ ሕማላ
ኣባ ተራጋረግ፡ ዘይቕደም ኣብ ህጅማ
ዓይኒ ሓፋሽ፡ ከም ፍቱው ዕላማ
ጽንዓት ከዲንካና፡ ግርማይ ወዲ ጎማ።
ሂወቱ ወፍዩ፡ ሂወት ከብልዓኒ
መን ይርስዖም…ንባዓል ኣጎልዕኒ።
ወቃዕቲ ዕላማ ዓይኒ ታርጌት
ዋሕስ ዕርድታትና፡መላእ ግምባር ኣውገት
መድሕን’ዶ ክብለክን፡ ኤርትራውያን ፈውሲ
ኣደ ወሊዳ ትምከን፡ ኤርትራዊት ከርሲ
ቅኒት ተውጻኣሉ፡ ብመንፈር ንተኽሲ
ሕቶ’ጥራይ ኮይነ፡ ስኢነሉ መልሲ
ኣስማትክንን መስዋእትክንን፡ክልቲኡ ሞኽሲ
መሊሱ ዝሕደስ፡ መንፈስክን ዘይስልኪ
መሊሱ ዝግንፍል፡ ሓሞተን ዘይንኪ
ክልቲኤን ኣስቴር፡ ዝሓረራ ኣብ ታንኪ!!
ሓፋሽ’ዩ ምስክረን፡ ሰላም ምስ ተኸድነ
ኣስቴር ነጸርኣብ፡ ምስ ኣስቴር ብርሃነ።
ነቲ እሾኽ፡ ዳንዴር፡ መን ምጸረጎ?
እንተ ዘይሓልፉ፡ ባዓል ኣባጅጎ።
ጎይቶት ጣሻ’ወ፡ ከም ገበል ገፋፍን
ባዓል ወዲ እስማዒል፡ እኒ ሃይለ መስፉን።
ጽሓይ እንዲኻ’ታ፡ ጽሓይ ግምባር ኣውገት
ዓይኒ ዕላማ’ወ፡ ንጉስ ታርጌት
ኣብ ምድርን ሰማይን ፡ኔሩካ ዝህጀም
ስሚ ነፈርቲ’ዶ ክብሎ፡ ንመሓሪ ላዕጀም።
ናኣብነት’የ፡ ቁንጭል ኣቢለዮ
መሓመድ ሓጎስ፡ ምስ የማነ ማርዮ።
‘ታይ ዝበሊ ኒሕ’ዩ’ታ ‘ታይ ዝበለ ሓቦ።
ይትረፍ’ዶ ክትገብሮስ፡ዘደንጹ ክትሓስቦ
ጽኑዕ ኪዳን’ዩ፡ ዘይፈልጦ ማሕላ
ታንኩ እንሳኸደትሲ፡ርእሱ ግን ዘየላ!
ሕድሪ ዘረከቦ…ታንኩ እንከየቓጸለ
ትንፋሱ ኣፋንዩስ… ቓልሱ ዝቐጸለ
ታንኪ ዝዘወረ፡ርእሱ ምስ ተቖርጸ
ንሞት መሊኹ፡ ታሪኽ ዝሃነጸ
“ስዉእ ታንኪ ኣውጺኡ”ኢልካ ዝተገልጸ
ስስዐ ናጽነት’ዩ ሓቲቱ፡ ከምዚኦም
ማህደር ሰውራ’ዮም፡ ባዓል ስማኦን ጎይትኦም!
ሕሉፍ’ዩ ዛንታኦም፡ ዛጊት ዘይተራእየ
ማህደር’ኳ ክውሕዶም፡ ንበዓል ኣምባየ።
……………..ብርጌድ 44 ይቅጽል…
ጽዓተኛ ኣሃዱ፡ ፈጺሙ ዘይብገር
ጸዋሪ ክብደት፡ ባዓል ረዚን ማእገር።
ከሰል፡ ዝኽዳንኩም፡ በለልታን ርሃጽን
ጸዊዕኩም ተስሞዑ ፡ ንባሩድ ንሓጺን።
መሊሱ ዝምንጉድ፡ ኣብ ሕሰም ኣብ ምረት
ኣብ ማንቛ ዘጣጥሕ፡ ከም ጀያ ከም ኩሮት
ታሪኽ ዝብሃጎ፡ ሰውራዊ ቅሻረት
ብፍቅሪ ናጽነት፡ ልቦም ዝነደዱ
ደም ከፊሎም፡ ታሪኽ ዝሰነዱ
ቃላት ሓርቢቱኒ፡’ታይ ከይብል ሕጅስ
ዓሊ መሓመድ ዘኪረ፡ ዓሊ ማንጁስ
ስቅ ከይብል ግን፡ ካበይ ይምጻእ ዓቕሊ
ባሕሪ’ንደሞ ኮይኑ፡ዛንታ ዘመን ገድሊ
ብምንታይ ይገለጽ..?
ካብ ምሉእ ከበባ ፡ ኣሃዱአን ኣውጺኤን ዘግዓዛ
ረዚን’ዩ ታሪኸን፡ከቢዱኒ ኣምብዛ
ትብዓት ወዘነት ገ/ሃንስ ዛንታ ዓለውያ ዓሊ
ቃላት የብለይን፡ ንውዕልአን ወካሊ
ምሕታት ይሕሸኩም፡ ኪዱ ምእሳር በቅሊ።
ሰላሕታ ዶ ክብለካ፡ ድሙ ግምባር ኣውገት
ከም ፈሳሲ ዘይዕሞኽ፡ ከም ዓረር ዘይዕገት
ኣንታ ዓርኪ ጣሻ፡ መዋዕልቲ ገረብ
ብምልክት’ምበር፡ ብቓላት ዘይዛረብ
ዉፉይ ስለያ፡ ባዓል ታኣምራት
ዓሊ ስለያ’ወ፡ ኣትሪፋቶ ግራት።
ኩሉ ናትኩም’ዩ፡ ሕልፉን ትሩፉን
ዝራብዕ ወዲ ተስፋይ፡ ምስ ነብሪ ሩት መስፉን።
ከም ቁጡዕ ኣራዊት፡ ፍጹም ዘይዳነ
ወዲ ተስፋልደት፡ ምስ ቴድሮስ የማነ።
ዘይበላለጽ ቅያ፡ ዘይብሉ ምርጫ
ደቂ ሩባ ኣልጌን’ንድዮም፡ደቂታባ ውዑይ ቅጫ።
ብሕልሚ ዝድህል፡ ከም ህሱም ወደባይ
በዓል ገሬ’ምበር’ዮም፡ገሬ ዓርኮብኮባይ
መንፈሶም ኣይተጻዕደን፡ ኣብራኾም ኣይረብረባን
ደቂ ታባ ሰማይ’ምበር’ዮም፥ታ ደቂ’ዛ ካሪባን።
ወትሩ ትወን’ዮም ወትሩ ኣዝመራ
በራኺ ሰመረ፡ ብጻይ ወዲ ኣዝራ።
ንውዕለቶም ዝገልጽ፡ መጠን የለ ዓቀን
ደቂ ታባ ወኪ’ምበር’ዮም፡ደቂ ታባ ላቚን።
ብዘይከኦም የለን፡ ናይ ተሪኽ ሕዛእቲ
ኣናብስ ታባ ጋሕማጥ፡ ሓራግጽ መግዛእቲ።
ሃፈጽታ ፍቅሮም፡ ንልቢ ዘንድድ
ወልዳኣብ ገ/ልዑል፡ ምካኤል ገብረዋህድ።
ጥሙራ ከም ማእዶ፡ ጓሶት ሓድነትና
ቅያታት ውዕሎኹም፡ ሰነድ ናይ ልብና
ጨረርታ ብርሃንኩም፡ኪንዮ ጽሓይ ወርሒ
ኣብ ደናጉላ ኣለኹም፡ ኣብ ኣጻድፍ ከውሒ
ወትሩ ምነት ኢኹም፡ ወትሩ ሰውሒ።
ነጋውስ ናጽነት፡ ደበስ ንዝዓነወ
መርሖ ጭቑናት፡ መፍትሕ ዝተዓጽወ።
ኩሉ ታሓቢኑ’ዩ፡ ቅያ ዎሎኹም ዝሰምዐ
ሕቛፍ ዕምባባ ዘንብር’ምበር፡ኣይተራእየን ዝነብዐ!

ግርማይ ኣስፋሃ/ዓንቂ/