ጠንባር ግዜ !( Fersham)

ዕጉግ ዑጉግ’ሎም ኣንጎሎ ኣንጎሎ ‘ናዘለልኩ ኣምሪሐ ወግዖም ክጽንበሮ፥ ሻቡ ግን ኣይግድን እዝነይ ኮርኩሑኒ ልዕሊ ብዝሖም ኮይኑ ፍልልያቶም ኣጽሊኡኒ ፥
ኣብ’ቲ ጉጅለ ድሮ’ካ ጓና ኮይነ ዓደይ ዓድኻ ኣውራጃ ምስ ኮነ ፥ ተስፋ ኣይቖረጽኩን ናብ’ቲ ማዕዶ ከይደ ሃይማኖተይ ሃይማኖትካ ዝብሉ ዝገደደ
ቖሎ-ጥጡቖ’ዩ ቁምነገር ዘይብሉ ግዳሞም ኳዕናናት ውሽጦም ምዕንጅሉ፥ ብኽይይ ኣቢለሎም ኣቤት ከደንግጹ ናይ ጽባሕ ዘይብሎም ርእሲ ‘ናጹ ፥ ኩሎም ሓደ ነጋሲን ንግስቲን ዝገደዱ መሓመድን ዛህራን ፥
ጸላኢ ኣቀሚጦም ክንዲ እንባ ሪሞም ዝመንዝዖም ብዓጀባ ፥ ንጽልኢ ለዊሶም ባእሲ ‘ናሰንከቱ ካብ ጡሙይ ክራማት ዝናብ የቋምቱ
ጠንባር ግዜ ኮይኑ ፍለ-ፍለ ራኣዩኒ ዝብል ዓይንና ‘ናቆረ፥ ሰይጣንን መስቀልን ኮይንና ዘይንላገብ ገሌና ናብ ቑልቑል ገሌና ንዓቐብ
ኣዴታት ህግደፍ ቖሎአን ከበሮ ንሸያጢ ባሕረን ዕልልል’የን ዝብልኦ፥ ማህጸነን ዘጽነተን ምርቕ ይኸርምኦ፥ ኩሉ ግዜ ጥረን እስክትሽም ይብላ ኣብ ዓሱር የሕዋተን ምስ ኮቦሮ ይዘላ
ኣንቱም ናይ ሰብ ዘይብሎ ህድግለነ ሃገር ‘ናተሸጠት ህዝባ ‘ናትሓቑነ፥ ትስዕስዑ ኣጣቕዕ ትውዕሉ ከም ዕጣን ትበኑ ከም ቡን ትግንፍሉ
ዝተጋልሀ ሓቂ ዓቢጥኩም ተንቁሩ ደረስቲ ሓሶት ዘሪእኩም፥ ተብቁሉ፥ ሽንቶም ጥንቕልዒት ክዳውንቶም ኣውሊ ናይ ረብሓ ደላሎ ናይ ሰማእታት ቁስሊ፥
ጠንባር ግዜ ኮይኑ ፍለ-ፍለ ራኣዩኒ ዝብል ዓይንና ‘ናንቖረ ፥ ሰይጣንን መስቐልን ኮይንና ዘይንላገብ ገሌና ናብ ቑልቑል ገሌና ንዓቐብ፥
የማንን ጸጋምን ፈጢርና መሳርዕ ገረብ ብሓኽላ’ዩ ሓድሕድ ምብልላዕ፥ ፈሊጥና ንኸውን ጸማምን ዕዉርን ኣንጻር ክልተ ጫፋት ዉሉድን ወላዲን፥
ገለስ ኮይንና ኣሎና…….?! ዘይንቃዶ ህልኽ ንሓድሕድና፥ ከም ሽጉርቲ ውራይ ዝደቐቐ ኣብ ማእከልና ኣትዩ ‘ናፈንቐቐ፤ ዙሮ-ሙሮ ከም እንጣጢዕ ኣብ ክንዲ ፍቕርና ፍልልይና ይጥጥዕ፥
ኣባና ነጊሱ ፍጥረት ሕጊ ዓሳ ሬሳ ተኸልኪሉ ዓዱ ከይምለሳ፤ ኤርትራ ኮይና ምድረ-ሲኦል ንደቓ ሞኹሲ ሴሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቓ
ዘበነ ገበል እዋን ተበለጽቲ ‘ናሟሞቑ ንሽፍታ መንግስቲ፥ ጽውጽዋይ ታሪኽና ዘ-ኢትነገር ተሳኢኑ ሃገር ዘማሓድር
ጠንባር ግዜ ኮይኑ ፍለ-ፍለ ራኣዩኒ ዝብል ዓይንና ‘ናንቖረ፥ ሰይጣንን መስቐልን ኮይንና ዘይንላገብ ገሌና ናብ ቑልቑል ገሌና ንሓቐብ
ደጋል ርእሲ ሕጊ ዘይቕይዶ ኣብ ማእከልና ኣትዩ ከይንቓዶ ምንባርና ጌርዎ ዘይተጠምረ ማእዶ፥ ህላዌና ነቐይ -ነቐይ ኢሉ ቕዋም ኣልቦ ጠበቓ ዘይብሉ፥
ዝገደዱ እዞም ሰብ ወጻኢ ግራት ህግደፍ መኽዚኖ ቐውዒ: ከፈልቲ ዕሽር መረባዕ መስርሒ ኣብ ጻሓይ ኮፍ’ሎም ዝናፍቑ ወርሒ !
ጠንባር ግዜ !
Farshem 17/08/2019 London

Published by

HABESHA PROFILE

film production writer( screenplay ,poem,and story

Leave a Reply

Fill in your details below or click an icon to log in:

WordPress.com Logo

You are commenting using your WordPress.com account. Log Out /  Change )

Google photo

You are commenting using your Google account. Log Out /  Change )

Twitter picture

You are commenting using your Twitter account. Log Out /  Change )

Facebook photo

You are commenting using your Facebook account. Log Out /  Change )

Connecting to %s

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.