ካብ ፈለማ ካብ እዋን ሌላ
ከጽድፈኒ ደልዩ ህቦብላ
ናይ ማዕበሉ ኣማዓባብላ
ናይ ልበይ ኣጋናፋፍላ
ናፊቐካ ናፊቐኪ ከይበልና ምሸትና ኣይነምስዮን
ፍቅሪ ኣምበር ካልእ ኢልካ ኣይትሰምዮን
ንበል ‘ ሞ “ሕውነት ንፍቕሪ ወለዶ
ገዱፍዎ ከይዱ ሰሪሕሉ ኣጉዶ”
ስለምንታይ ? ንዝብል ከምዚ’ዶ ከምቲ’ዶ
ክጋገ ኣይደልይን ጸላኢና ‘ሓንግዶ
‘ተዘይ ኣግሂድግዮስ ከም ርዱእ ነይወስዶ፡
ኣንቲ ‘ብ ድቕድቕ ጸልማት ብልጭ እትብል ብርሃን
ብጉያ ዝስዕባ ዝረአ ብምስኣን
ብዘይ ጻዕሪ ኣድኪምክኒ ድቃሰይ ወስድኪ
ሃንቀው ይብልለኪ ብፍርቂ ትዕግስቲ
ምራቐይ ይነጥብ ከም ንብዓት
ኣንጉዐይ ይሕለብ ከም ሰርዓት
ጋብራ ልበይ መሊኡ ይደፎኦ
ዝቃጸል ሓዊ ማያት ባሕሪ ዘየጥፎኦ
ካብ’ቲ ጡዑም ልሳንኪ ናብ ልበይ ዝከዖ
ፍቕሪ ብርሃን ‘ተኾይኑ ዘይምፍቃር ግን ዑረት
በይናውነት እስራት ምፍቃር ድማ ነጻነት
ዓለም ናይ ፍቁራት ምስ ብሩህ መጻኢ
ኣብ ሕልሚ፡’ተኔረ ጋህዲ ዘየሪኢ
እነሀኹ ተበራቢረ
ሎሚ ‘ፍቂረ
ኢለ ልበይ ኣበሲረዮ
(እስከ በሊ ( ስመይለይ) 3 ) 2 ስመይዮ
እንታይ ደኣ ኣለይ ዝቃዝን
ኣብ ብስራት ዶ ኣሎ ‘ዩ ዘሕዝን
ናፍቖትኪ ስቓይ’ዩ ዝቅልብ
ብሓደ ጫፍ ቆሩጹ ብካልእ ዝልቅብ
በቲ ይህሰ ኣሎኹ በዚ ይዓግብ።
Kidane (bealha