** ናይ ሳጥናኤል ጎል ኢትዮጵያ!! ** 1ይ ክፋል( credit denden selomon)

ኦም ህይወት! ገነት! ኢትዮጵያ!

“ የሳጥናኤል ጎል ኢትዮጵያ” ካብ ዝብል ብ ፍስሓ ያዜ ኣብ 2007 ዓ.ም ግእዝ ዝተጻሕፈ፡ ንጸሓፊኡ’ውን ምኽንያት መጥፍኢኡ ካብ ዝኾነት ሚስጥራዊ መጽሓፍ ዝተተርጎመ! ”

“ ኣብ ውሽጥ’ዚ መጽሓፍ ሓደሓደ ንሃይማኖታውን ንኻልኦት ጉዳያትን ዝምልከት ዘለፋታት እንተልዩ፡ እቶም መራሕቲ ሃገራት G20ን እቲ ናይ ቫቲካን ጳጳስን ተኣኪቦም ውዲት ክኣልሙ ኸለዉ ዝተዛረብዎ ኩሉ ከምዘለዎ ስለዝሰፈረ ምዃኑ ከፍልጥ ይደሊ።
……… ደራሲኡ።

“ ክቡር ኣንባቢ፣ ኣንቢብካ ምስወዳእኻ ነዚ ሚስጥራዊ ሰነድ’ዚ ንኻልኦት ነዚ ሚስጥር ዘይፈለጡ ኣሕዋትካ ብምሃብ መንነታዊ ግቡእኻ ፈጽም ደኣምበር ኣይትጨነቕ፡ እንተ እቶም ነዚ ኣንቢቦም ጌና ሕጂ’ውን ብመንነቶም ዘላግጹ ኣሕዋትና ግና ዝዓወረ ልቦናኦም የብርሃሎም! ወዲአ! ”
……… ተርጓሚ።

ሰናይ ንባብ።

#1ይ – ክፋል

* ኣዲስ ኣበባ ኣብ ወርሒ መስከረም 2007 ዓም ግዕዝ *

“እዚ ሕጂ ንመን እዩ ዝንገር? ሕራይ እንታይ ክገብሮ? ንመን ክህቦ? ብኸመይ ክዝርግሖ? መንከ ይቕበለኒ? መን ሰሚዑ መን ይኣምነኒ? ከይፈለጥክዎ ብኻ ተሪፈ ኣይብልን፡ እንቋዕ ፈለጥክዎ። ግን እንታይ ፋይዳ ኣለዎ? ኣኺሉኒ፡ ንበይነይ ሒዘዮ ምሟተይ እዩ! ኣነ ጥራይ ፈሊጠዮ ክመውት? ኣይውዕሎን!”
ይጭድር፣ ይበኪ፣ ጸጉሩ ይነጺ……። ሃንደበት ድማ ርጉእ መሲሉ ጠጠው ይብል እሞ ፍዝዝ …. ኢሉ ይተርፍ። ሒደት ምስ ገዛእ ርእሱ ኣጉረምሪሙ እንደገና ብፍጥነት ይጎይይ።
ናበይ ክበጽሕ ይጎይይ ከምዘሎ ዘይምፍላጡ ምስተረድአ ድማ መሊሱ ጠጠው ይብል’ሞ ንብዙርያኡ የቋምት። ብድሕሪኡ ጁባታቱን፣ ብዙርያ ቁልፉ ዘሎ መዓጥቖን ይድህስስ።
“ግርም! ምሳይ እዩ ዘሎ። ኣይጠፍአን፣ ኣይክጠፍእን ከኣ’ዩ።” እጂ’ውን መሊሱ ኣፍልቡ ይድህስስ። ገጹ በእዳዉ ዳህሲሱ “ግርም ኣለኹ፣ ብሕይወት ኣለኹ፣ ኣይሞትኩን ኣይደቀስኩን። ኣብ ሕልሚ’ውን ኣይኮንኩን ዘለኹ። ከምኡ’ውን ኣይዓበድኩን። ጥዑይ ኢየ። ግን እንታይ ክገብር? ስለምንታይከ ክረጋጋእ ዘይከኣልኩ? ስለምንታይ ስለምንታይ? ስለምንታይ?” ስቕ…..ስቕ…..ስቕ…..ስቕ….. ኢሉ ይበኪ። ንብዓቱ በተን ዝረስሓ ልምሉማት የእዳዉ ደራሪዙ፣ ኣብታ ቆይሙላ ዘሎ ቦታ ብፍጹም ተስፋ ምቑራጽ ተዋሒጡ ብዝግታ ኣብቲ መሬት ኮፍ ይብል። ብዙሕ ከይጸንሐ ከም ዝሰምበደ ኮይኑ ይትንስእ’ሞ፣ ነቲ መልሲ ኣልቦ ዝኾነ ተደጋጋሚ ሕቶታት ይሓትት። ብርግጽ ንመን ይሓትት ከምዘሎ እኳ እንተዘይፈለጠ ግን ይሓትት . . .።
“በጃኺ ኢትዮጵያ! በጃኺ! እዚ ነገር እዚ ይቃላሕ’ሞ ንዓኽን ንደቅኽን ዘድሕን ይኹን!? በጃኺ ርድእኒ!?” መልሲ የለን …። ንሱ ግን ይቕጽል፣ “በጃኺ፣ ብውሕዱ ሕዝብኺ ይፍለጦ። ዘይተርፍ ነገር እኳ እንተኾነ፣ ብውሕዱ ሕዝብኺ ይፍለጥ’ሞ ነናይ ገዛእ ርእሱ መትከል ይሓዝ። በጃኺ ኢትዮጵያ ተለመንኒ! ንስኺ እኮ ኢኺ ትጠፍኢ! ንሕና’ሞ ካብ ንጠፍእ ሓያሎ ጌርና’ለና። እዚ ኾነ እቲ ግና ኣጠፋፍኣኺ ብውሕዱ ደቅኺ ይፍለጥዎ። በጃኺ!? ……

“ሕራይ…ሕራይ… በቃ ኣምላኸይ ስምዓኒ። እዚ ነገር እዚ ክወጽእን ክፍለጥን፣ ክርአን ኣለዎ። ኩሉ ነገር ዝተኣዘዘ ብኣኻ’ኳ እንተኾነ፣ እዚ ነገር እዚ ብሕዝቢ ኢትዮጵያ
እንተተፈለጠ ሽግር ኣለዎ ኢለ ኣይሓስብን። ስለዚ ተለመነኒ ክልምነካ፣ በጃኻ ብገለ ሜላ ብወግዒ ይቃላሕ! ከምኡ ክኸውን እንተዘይተደልዩ፣ ስለምንታይ ኣብ ኢደይ ክኣቱ ከኣለ? በጃኻ! ነዚ ሓቂ ሒዘ ክመውት ኣይደልን። ምእንትኡ ኩሉ ነገረይ እኮ’የ ስኢነ! ህይወተይ፣ ናብራይ…… ሃብተይ፣ ተስፋይ… ጽናሕ….ኣነ….ኣነ….” ብልዑል ኣውያት
እንዳተንሰቕሰቐ ምብካዩ ቀጸለ….።

ኣበይ ከምዝሓደረ ኣይዝክርን። ጥራይ ኣብኡ እንከሎ፣ ጎቦ ኾይኑ ሒደት ኣብ ዘዕረፈሉ ሓደ ጸግዒ ገዛእ ርእሱ ከምዝረኸባን፣ ኣጸቢቑ ከይወግሐ ምትንስኡን፣ ኣንዳሓተተ ምስጓም ከምዝጀመረን ይዝክር። ብኽያቱ ከየቋረጸ ንብዙርያኡ የማን ጸጋም ምስ ኣቋመተ ከባቢ ኣራት ኪሎ ከምዘሎ ተረድአ። ሰዓት እኳ እንተዘይሓዘ ብግምት ንግሆ ሰዓት ትሽዓተ ክኸውን ከምዝኽእል ገመተ። ብኽያቱ ኣቋሪጹ ብትካዘ ተዋሕጠ። ኣብ ኩርናዕ ናይቲ ቀንዲ ጎደና ኮፍ ኢሉ ከምዘሎ ምስ ኣስተውዓለ’ውን ብፍጥነት ተንሲኡ ናብ ሓደ ሓጹር ብምኻድ ተጸጊዑ ኩርምይ ኢሉ ኮፍ በለ። ብኽያቱ’ውን ቀጸለ።
“እንታት ክገብሮ? ንመን ክህቦ? ንመን ክኣምን? ንመን እየ’ኸ ዝደሊ? ንናይ ቤተክህነት ሰባት’ዶ ክህቦም? ንሲኖዶስ? ንማህበረ ቅዱሳን? ነቲ ጳጳስ? ወይ ዕብዳን! ሕሉፍ ሓሊፉስ ከኣ ነቶም ቀንዲ? ይዓብድ ኣለኹ! ዓቢደ ክህሉ ኣለኒ!

“ንቴሌቪዥን ኢትዮጵያ’ዶ ደፊረ ክህቦም? እቲ ቅኑዕን ኣማራጺ ዘይብሉ ውሳነ ንሱ’ዩ ነይሩ። ግን ንሶም የቃልሕዎ’ዶ? ኣይገብርዎን! ሓንሳብ ከይጸንሑ እዮም ብሚልዮን ዶላር ዝሸጥዎ! እንተቃልሕዎ’ውን፣ ንጽባሒቱ …….… እሞ ንመን ክህብ? ብቀጥታ’ዶ ከይደ ነቲ ናይ ድሕነት ሚኒስተር ክህቦ? ንሳቶም ከኣ….… ተቐቢሎም ምኽሓድ ጥራይ ዘይኮነ ንዓይ’ውን ክቐትሉኒ እዮም። ሕራይ ንናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን መጽሔታትን? እዚ’ኸ ከመይ ጌሩ ክኸውን? ንፈነወ ሬድዮ? ኣይከውንን! ምናልባት ንማሕበረሰብ ዩኒቨርስቲ… ?….ሕሉፍ ሓሊፉ ንዕኦም? ብቐጥታ ነቲ ጉዳይ ከረድኦም ምስጀመርኩ፣ ብዘይዝኾነ ምውልዋል ንዕብዳነይ ወግዓውነት ሂቦ እዮም ዝሰጉኒ። እሞ እንታይ ክገብር ይኽእል? ኣባዚሐዶ ከም ናይ ሓበሬታ ወረቐት ንሕዝቢ ክብትኖ? ብውሕዱ ሓደ ርድኢት ዘለዎ ሰብ ይረክብ ይኸውን። ሽዑ…. ሽዑ….፣ ንምዃኑ በየናይ ገንዘብ እየ ከምኡ ክገብር’ከ ዝኽእል? ሙሉእ ዕድመይ ዝኣከብክዎ ፍርቂ ሚልዮን ዶላር ተዘሚተ’ለኹ! ዝበልዖኸ ኣበይ ሃልዩኒ? ዋይ ኣነ ሞት ይረስዓኒ ረሲዐዮ! ከምዚ ዘለኹዎ ብጥሜት እንተሞትኩኸ? ይዳኸም እኳ’የ ዘለኹ!”

“ስድስት ኪሎ ፈረንሳይ፣ ፈረንሳይ ስድስት ኪሎ ክልተ ሰብ… እህ ሓፍተይ ትኸዲ ዲኺ? ፈረንሳይ ስድስት ኪሎ….” ሓደ ናይ ታክሲ ፎተሪኖ ኣብ ጥቕኡ ኮይኑ የጭድረሉ ኣሎ። ኣቐርቂሩ ይበኪ ነበረ’ሞ ምጭዳሩ ገዲፉ ቅንዕ ኢሉ ረኣዮ።
“ኢሂ ሓወይ ናበይ ኢኻ”
“ናብ ዋላሓደ”
“ምናልባት ናይ ትራንስፖርት ስኢንካ እንተዄንካ ከፋንወካ ኢለ’የ”
“የቐንየለይ፣ መንገዲ ሕይወት እዩ ጠፊኡኒ ዘሎ”
“መንገዲ ሕይወት ድኣ’ሞ ገና ዘይተነድቀ”
“ተነዲቑ’ሎ! ወይ እቲ ምንዳቕ ጀሚሩሎ!” በሎ ኣትርር ኣቢሉ።
“ስድስት ኪሎ ፈረንሳይ ክትመልእ ዝቐረበት! ከምዝተነድቀን ምንዳቕ ጀሚሩ ከምዘሎን እንተፈሊጥካ እሞ እቲ መንገዲ ሕይወት ክጠፍኣካ ኣይክእልን እዩ። ንኻልኦት ከማን ከተርኢ
ትኽእል ኢኻ ማለት እዩ። ውሰደኒ ከይብለካ ኣብ ስራሕ እየ ዘለኹ። ግን ልክዕ ኣለኻ መንገዲ ሕይወት ኣሎ። ከማን ብነጻ። ስድስት ኪሎ ፈረንሳይ ክትመልእ ዝቐረበት!”
“ብጣዕሚ መስተውዓሊ ወዲ ትመስል። ዝኾነኾይኑ ክትረድኣኒ ስለዝሓሰብካ ጥራይ ዘይኮነ ቀሪብካ ሽግረይ ስለዝሓተትካኒ ኣዚይ እየ ዘመስግነካ። ግን ኣዝየ ጠምየለኹ! በጃኻ ባኒ ክትገዝኣለይ ትኽእል?” በሎ ንብዓቱ እንዳደራረዘ።
“ያው… ከመይ ደኣ፣ ምርድዳእ ባሕልና እዩ። ኣብ ርእሲኡ’ውን ብምቾት ትነብር ከምዝነበርካ ኣጸቢቕካ ኢኻ ተፍልጥ። በጃኻ ኣጆኻ….. ንዕቁብ ኢለ ካብ ዘቐመጥክዋ ካብ ናይ ትማሊ ጆርናታይ ነክየ እሞ ክህበካ….” ኢሉ፣ ካብታ ዳሕረወይቲ ጁባ ናይታ ዝረስሐት ጅንስ ስሪኡ፣ ብምንዋሕ ዕድመ ክትጅላዕ ዝጀመረት ቦርተፊሎኡ ኣውጺኡ ጥቕላል ዓሰርተ ብር ሂቡ፣ “ኣጆኻ ብራዘር ንቕሕ በል” ብማለት ናብ ማኪንኡ ነጢሩ ኣትዩ ተሰናበቶ።
“እግዚኣብሔር ይሃብካ! ብጣዕሚ እየ ዘመስግን!” ብማለት ንብዓት እንዳኣሕነቕነቖ ብሓደ ኢዱ ነታ ዓሰርተ ብር ጨቢጡ በታ ኻልእ ኢዱ ድማ ቻው ንምባል የእዳዉ ኣንበልበለሉ። ምእማን ሰኣነ። ካብ ሓደ ፎተሪኖ ዘይትጽበዮ ነገር ምዃኑ ሓሲቡ’ውን ተገረመ።

ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ንዝኾነ ሰብ ጠምየለኹ ባኒ ግዝኡለይ ኢሉ ኣይሓተተን። ንመጀመርያ ጊዜ ገበሮ፣ ንሱ’ውን ሰለጦ። ኣብ ጥቕኡ ኣብ ዝነበረ ናይ ዳግማይ ሚኒልክ ቤት ትምህርቲ ሓጹር ተጸጊዖም ሻሂን ፓስተን ካብ ዝሸጣ ዝነበራ ኣዋልድ ናብ ሓንቲ ከይዱ፣ ክልተ ውዑይ ፓስት ምስ ሓንቲ ቢኬሪ ሻሂ ተመጊቡ ሓደ ኩባያ ማይ ሰለሰሉ። ብኡንብኡ ብርትዐ ተሰምዖ’ሞ ንኣምላኹ ኣመስገነ። ሰለስተ ብር ተመለሰሉ። ዓጻጺፉ ኣብተን ሚስጥራውያን ጁብኡ ከተተን። ኣብቲ ቦታ’ውን ሒደት አዕረፈ።
“ፈረንሳይ ስድስት ኪሎ፣ ስድስት ኪሎ ፈረንሳይ….” ናይ ካልእ ፎተሪኖ ድምጺ……ብነጻ እንተዝጽውዓሎም ደስ ምበሎ። ኣማዕድዩ ተመልኪቱ ጽን ምስበለ ድማ፣ “ስቴድየም ሜክሲኮ፣ ካሳንችስ ሃያ ሁለት መገናኛ…..” ናይ ፎተሪኖታት ኣውያት፣ ናይተን ታክሲታት ጉያ፣ ናይቲ ሕዝቢ ዕግርግር፣ ንኹሉ ብጽሞና ኣስተውዓለ። ኣስተውዒሉ’ውን ሓዘነ። “እንታይ ዋጋ ኣለዎ!” ኢሉ’ውን ተበሳጨወ።
“ነዚ ምስኪን ሕዝቢ ብዘይፈልጦን ዘይሓሰቦን መንገዲ ከጥፍእዎ እዮም። ነዛ ምስኪን ሃገር ብስውር ከፍርስዋ እዮም! ነዚ ድማ፣ ኣብዛ ቅድስቲ ምድሪ ካብ ዝነብሩ ብዙሕ ሚልዮን ሕዝብታት ኣዝዮም ውሑዳት እኳ ኣይፈልጡን። ኣነ ግን ብሙሉእ እቲ ፕላን ሒዘዮ’ለኹ! ግን እንታይ ክገብሮ ይኽእል? ምስኪን ሕዝቢ ኢትዮጵያ! ምስኪን ከይበሃል ዘሕርቕ ሕዝቢ ኢዩ! ዘሕርቕ ሕዝቢ ኢዩ ከይበሃል ምስኪን ሕዝቢ ኢዩ! ስለዚ ዋላ ሓንቲ ክግበር ኣይከኣልን!” ብማለት ኣብቲ ነቢሩሉ ዝነበረ ኾይኑ ሒደት ምስ ገዛእ ርእሱ ክዛረብ ጸኒሑ ብዘይሓሰቦን ብዘይደለዮን መንገዲ ሃንደበት ተወርዊሩ ተንስአ።

“ጽረግ!” ብዝብል ቃል ጀሚሩ ከም በርቂ እንዳጨደረ ናብ ናይ ኣራት ኪሎ ዩኒቨርስቲ ናይ ሳይንስ ፋካልቲ ኣፍደገ ኣምርሐ። ስጉምቱ’ውን ብፍጥነት ነበረ። ኣውያቱ’ውን ኣተኩሮ ናይቲ ሕዝቢ ዝስሕብ ኮነ። “ጽረግ ነዚ ጓሓፍካ! ጽረግ! ግርም ድንቂ ሳይንስ! ኣየናይ ሳይንስ ኢዩ? ምድራዊ ወይስ ሰማያዊ ሳይንስ ምሂርኩም ትመሃሩ? ሳይንስ እንታይ ኢዩ? እቲ ሳይንቲስት’ኸ መን’ዩ? ናይ ሳይንስ ዕላማ’ኸ እንታይ ኢዩ? ክልተ ጀነሬሽን ሙሉእ ሳይንስ ምሂርኩም ኢኹም። ኣበይ በጺሕኩም? ክንድምንታይ ሳይንቲስት ኣፍሪኹም? ካብ ባዕሉ ካብ ሳይንስ’ከ እንታይ ተማሂርኩም? ናይ ሳይንስን ሳይንቲስትን ቅኑዕ ትርጉም’ከ እንታይ ኢዩ? ናይ ምሁርነት ጎሉ’ኸ እንታይ ኢዩ? ናይ ኢትዮጵያ ሳይንስ’ከ ንባዕሉ ብኸመይ ኢዩ ዝትርጎም? እንተትፈልጥዎስ ሳይንስ ባዕላ ኢትዮጵያ ኢያ ነይራ! ነዚ ከንቱ ሕንጻ ኣፍሪስካ ከም ብሓድሽ ስርሓዮ፣ መጀመሪያ ኣእምሮኻ ኣፍሪስካ ስርሓዮ’ሞ ንሳይንስ ድሉው ግበሮ! ጽረግ ኢለካ’ለኹ ጽረግ! ጽረግ ነዚ ረስሓትካ! ነዚ እራይ ምራይ ጓሓፍካ ኣርሒቕካ’ሞ ደርብዮ ሽዑ ርእስኻ ኣዳሉ! ……” እንዳበለ ምስ ኣንጎድጎደ ብዙሕ ሕዝቢ ተኣኪቡ ይዕዘቦን ይሰምዖን ነበረ። ናብቲ ቀጽሪ ንኸይኣቱ እቶም ዋርድያ ከሊኦሞ እምበር ክኣቱ ድሌት ነበሮ። ናይ ምእታው ፈተንኡ ምስ ፈሸሎ ኢዩ ኣብቲ ኣፍደገ ኮይኑ ብሕዝቢ ተኸቢቡ ከም ሰባኺ ባህታዊ ናይ ጸርፍን ናይ መጠንቀቕታ ቃላትን ከም ልቡ ከውጽእ ዝጸንሐ። ብዙሓት ከም ሰብ’ኳ እንተዘይቆጸርዎ፣ ውሑዳት ግና ብምሕዛን ከንፈሮም መጽዮምሉ ኣለዉ። እቶም ዝተረፉ ድማ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ብምስጓጉ ተበሳጭዩ ዝዓበደን እንዳተጻረፈን ዘሎ መሲልዎም ኣሎ። ኣዝዮም ውሑዳት ከኣ ብሰንኪ ቅይሑ፣ ኣምሓርኛ ዝኽእል ፈረንጂ እንዳመሰሎም ጽግዕ ኢሎም ይርእይዎ’ሞ ሓበሻ ምዃኑ ።ኣረጋጊጾም እልይ ይብሉ።
ኣብ መወዳእታ ብምትሕብባር እቶም ሓለዋ ነቲ ከባቢ ክለቅቕ ተገብረ’ሞ ቁልቁል ናብ ኣምስት ኪሎ ናይ ቴክኖሎጂ ፋካልቲ ኣምርሐ። ብዓቢ ኣውያት ይጭድር ስለዝነበረ፣ ትንፋሱ ምቁጽጻር ስኢኑ ልቡ ክሳብ ትወጽእ ሰብነቱ ብህልኽ ሓዘል ስምዒት ተወጢሩሎ። ንሱ ዘይኮነስ እቲ ዝሓዞ ሓቂ መዕረፊ ስለዝሰኣነ የዕለብጥ። የዒንቱ ንብዓት ቋጺረን ፈጢጠን ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝኣቱ ኣትሒዙ ተንኪፍዎ ዘይፈልጥ ጸጉሩ ብፍላይ ጭሕሙ ኣብ ምድብ ጽሉላት ንኽስራዕ ናይ ገዛእ ርእሰን ሚና ተጻዊተን’የን። እቲ ቀይሕን ጽቡቕን፣ ልስሉስን
ዝነበረ መልክዑ’ውን ካብ ምፍሕሻው ሓሊፉ በልዩ ናብ ቢጫነት ዝልወጥ ዘሎ ይመስል። ብሰንኪ ስእነት መግቢ ምዕጉርትታቱ ብምጥሓለን ነቲ ነዊሕ ኣፍንጭኡ ዝያዳ ነዊሑ ክርኤገይረን ኣለዋ። ኣብ ርእስ’ዚ ትርኢቱ ከኣ እቲ ዘይተመሸጠ ለሚሽ ጸጉሩን ነዊሕ ጽሕሙን፣ ሃይማኖታዊ ልብሱ ኣውጺኡ ብምድርባይ ዓለማዊ ዝኾነን ዝዓበደን መንእሰይ ባህታዊ ኣምሲልዎ’ሎ። ኣብቲ ፋሕ ዝበለ ጭሕሙ’ውን ርፍራፍ ፓስተ ይርአሎ። ኣብ ቁርን ቀዝሕን
ብዘይ ዝኾነ ኣልባሳት ኣብ ፈቐዶ ጸግዓጸግዒ ጎደናታት ክሓድር እዩ ቀንዩ። በዚ ምኽንያት ድማ ካብ ነዃላት ናይታ ነዋሕ ኣፍንጭኡ ዝምንጭዉን ጀረብረብ ዝብሉን ፈሰስቲ በብቑሩብ ምፍሳስ ኣየቋረጻን። ሓድሽ ዝነበረ ነገር ግን እቲ ብሰንኪ ደሮና ኣዝዩ ረሳሕ ዝመስል ጸሊም ናይ ሱፍ ኮቱ ኣብ ልዕሊ ቲሸርቱ ደሪብዎ’ሎ። ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዘይቀየራን ኣብ ዝኾነ እዋን’ውን ከይቕይራ ዝኽእልን ሰማያዊት ጅንስ ስሪኡ ብተመሳሳሊ ደሮና ከርፊሓላ። ወድዪዋ ዘሎ ሳእኒ ብብዝሒ ምርጋጽ ረቒቓ ምርኣያ፣ ኣብ እግሩ ዝተኾመረ ደሮና፣ ኣብ ልዕል’ዚ ድማ ኣብ ጊዜ ካፊያ ኣብ እግሩ ዝነጠበ ናይ ዝናብ ነጠብጣባት ከቢብ ከቢብ ምስርሖም…. ኩሉ
ተደማሚሩ “ዕቡድ” ኢልካ ንምጽዋዕን ንምስያምን ካብ እኹል ንላዕሊ ኢዮም። ብሰንክ’ዚ ይኸውን ኣብ ኣደባባያት ኣብ ዝዛረበሉ እዋን ሓደ ሓደ መንገደኛታት ሓንሳብ ምስ ጠመቱ ጠጠው ኢሎም ንምስማዕ ዘይዳፍኡ። ተማሃሮ ግና ከቢቦም ይሰምዕዎ። ሕጂ’ውን ብዘይዘሓለ ሕርቃኑ ንምዝራብ ኣፉ ኣብሊሑ ናብቲ ኣፍደገ ቀጽሪ ዩኒቨርስቲ
ብቕልጡፍ ሰጒሙ በጽሐ’ሞ፣ “ጽረግ” ክብል ጀመረ። “ጽረግ ነዚ ጓሓፍካ! ንየው በሎ ነዚ እራይምራይካ፣ ቴክኖሎጂ እንታይ ኢዩ? ኢንጅነርነትከ ኣበይ ፈሊጥኩሞ ኢኹም ትምህርዎ? ኢንጅነርነት ሕንጻ ምሕናጽ ጥራይ ዝመስለኩም ክሳብ መዓስ ኢዩ? ኣበይ ኣለው’ቶም ኢንጅነራትኩም? ኣበይ ኣለዉ ናይ ቴክኖሎጂ ሊቃውንትኹም? ክልተ ጀነሬሽን ሙሉእ ምሂርኩም ኢኹም፣ ግን እንታይ ኣትሪፍኩም? ምንም! እታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ይትረፍዶ ናይ ገዛእ ርእሳ ኢንጅነራት ናይ ገዛእ ርእሳ መንገዲ ክትሓንጽ ኣይከኣለትን፣ ኣይጀመረትን! ሰብ ናይ ዝሰርሖ ኮምፕዩተር ኣጠቓቕማ ዲኹም ትምህሩና? ኣበይ ኣሎ ናይ ቴክኖሎጂ ውጽኢትኩም? ኣበይ ኣለዉ ናይ ሞያ ክኢላታትኩም? ዘፍረኹሞም ልሂቃን በዓል መን እዮም? አረ ንምዃኑ ንስኹም እንታይ ትፈልጥዎ ነገር ኣሎ? ትምህርቲ ንገዛእ ርእሱ እንታይ ኢዩ? እስከ ንትምህርቲ ዲፋይን ግበርዎ፣ ኣይትኽእሉን፣ ኣፍርሶ ነዚ ሕንጻ! ነቲ ሕንጻን ገዛእ ርእስኹምን ኣፍሪስኩም ከምብሓድሽ ጀምሩ! ብዛዕባ ቴክኖሎጂ ቅድሚ ምምሃርኩምን ምስትምሃርኩምን ኣእምሮኹም ኣጽርይዎሞ ጽሩይ ርእሲ ሒዝኩም ብዘይ ግብዝነት ኴንኩም ካብቲ ትርጉሙ ጀምሩ! ከም ብሓድሽ ብናይ ኣቦይ የኔታ ፊደል “ሀ” ንማለት ተዳለዉ። ጽረጎ ነዚ ጎሓፍካ! ልምዓት ልምዓት እንዳበሉ መሬት መሬት ጥራይ ክትሪኡ ጌሮም! ንሳቶም ግን ብኣኻትኩም የላግጹ ኣለዉ። ኣብ ልዕሊ ኣዴኹም ዝሕሰብ ዘሎ ውዲት እንተትፈልጡስ እንታይ ኮን ምበልኩም?! ኣፍርሶ ንየው በሎ ነዚ ጉድፍ! ማይ እንተጎነጽዎ እንቦጭ እዩ ዝብል! ንስኹም’ውን ካልእ ምንም ክትኮኑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፣ ድንቂ ቴክኖሎጂ! ቴክኖሎጂ እንታይ ኢዩ? ኢንጅነራትኩም ናበይ እዮም?” እንዳበለ ቀጸለ….።

ገዛእ ርእሱ ምቁጽጻር ክሳብ ዝሰኣኖ’ውን በኸየ….። ብዙሕ ከይጸንሐ ግን ከም ናይ ዝሓለፈ እዋን ብድፍኢት ናይቶም ኣባላት ሓለዋ ካብቲ ከባቢ ክርሕቕ ተገብረ። ኣብቲ ኣፍደገ ብተናጸልን ብሕብረትን ኮይኖም ነቲ ዝብሎ ይሰምዑ ካብ ዝነበሩ ሰባት ፍርቆም ብምልጋጽ መልክዕ፣ “ልክዕ ኣለኻ ናትና ኣንበሳ፣ ከምኡ ጌርካ ልክዕ ልክዖም ኣስምዓልና በጃኻ!” እንዳበሉ ከራስንዎ ከም ዝጸንሑ ከምኡ’ውን፣ ሓሪቖም ብቑጥዓ ዘማራስሕዎ ውሑዳት ኣይነበሩን። እቶም ዝተረፉ ከኣ ከም ናይ ቅድሚ ሕጂ ካብቲ ዩኒቨርስቲ ተሰጒጉ ብምትሕልላኽ ይጻረፍ ከምዘሎ ገሚቶም፣ ንዕኡን ንዘረብኡን ኣርእስቲ ዝገበረ ዕላሎም ቀጺሎም ብዓይኒ ፍሽኽታን ሓዘንን እንዳረኣዩ ኣፋነውዎ።

ሓሲቡሉ ናብዚ ከባቢ ዝመጸ ንኽመስል ሕጂ’ውን ነቲ ነዊሕ ዓቐብ ደዪቡ ናብ ስድስት ኪሎ ዩኒቨርስቲ ኣቕንዐ። ትርኢት ገጹ በታ ናይ ንግሆ ጸሓይ ዘይኮነስ ኣብ ውሽጡ ብዘሎ ናይ ብስጭት ስምዒት ረሲኑ ብረሓጽ ተሓጺቡ’ሎ። “ወይ ኣነ” እንዳበለ ጸጉሩ እንዳነጸየ የዕዘምዝም፣ ይበኪ። እንታይ ይገብር ከምዘሎ ብልክዕ’ኳ እንተፈለጦ ነቲ ጉዳይ ፍታሕ የናድየሉ ከምዘየለ ግን ዝተረድአ ኣይመስልን።
“እወ መሕረቕቲ ኢዮም። ከመይ ጌሩ ጥርጣረ ዘይብሎም? ናታቶም ፈላጥነት ኣብ ምንታይ እዩ? ነዚ ጉዳይ ብዝምልከት ሓበሬታ ንዘልሕዀሎም ኣካል ካብ ምንክልባትን ምንሻውን ሓሊፎም እንታይ ጌሮም? ስለዚ ልክዕ ኣለኹ። ልክዕ ልክዖም ክነግሮም ኢየ።….” እንዳበለ ንባእሲ ከምዝተዓደመ ተጓሳጣይ ናይ ኮቱ እጅገ ናብ ላዕሊ እንዳኣከበ ኣብቲ ቦታ በጽሐ’ሞ ካብቲ ቀንዲ ኣፍደገ ቀጽሪ ርሕቕ ኢሉ ኣብ ማእከላይ ቦታ ቆይሙ ጀመረ።
“እንተሰማዕኻ ስማዕ እንተዘይሰማዕኻ ናይ ባዕልኻ ጉዳይ!” ክብል ጀመረ።
“አረ…. ሓድሽ ዓይነት ናይ ኣተዓባብዳ ስታይል ሒዙ ተቐልቀለ። ሓንፈጽ ኢዩ ኸኣ መስለኒ…. እንታይ ክነግረና ኮን ይኸውን? በጃኻ ቀጽል ኣይንሕወኽን ኢና” ብማለት ሓደ ተማሃራይ እንዳሰሓቐ ተማሕጸኖ።
“ከይበልካኒ’ውን ክቕጽል’የ” ክብል ነቲ ሰብ ምላሽ ሂቡ ብዝጭድር ድምጺ ቀጸለ
“እዞም…..እዞም ምሁናት ኢና በሃልትኹም ፍልጠቶም ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ትፈልጡዶ?”
“ኣይንፈልጥን….” ናይ ሓባር ፍሽኽታ ዝመልኦ መልሲ ሃብዎ።
“ኣነ ክነግረኩም እየ! ፍልጠቶም ክሳብ ዋላ ሓደ እዩ። ክስምዑ ደኣምበር ክሰምዑ ስለዘይደልዩ! ጽን ክበሃሉ ደኣምበር ጽን ክብሉ ስለዘይደልዩ። ክነቕፉ ደኣምበር ክንቀፉ ስለዘይደልዩ! ንዝተሰርሐ ስራሕ ምምርሳሕ ደኣምበር ምስራሕ ስለዘይፈልጡ! ንናይ ካልኦት ደኣምበር ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቂ ምቕባል ስለዘይፈትዉ….” እንዳበለ ክቕጽል ምስበለ ብግሩፕ ኮይኖም ተጸጋጊዖም ይሰምዕዎ ካብ ዝነበሩ ተማሃሮ ሓደ ጦብሎቕ ኢሉ “ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን ዝብል ቃል ካብ ማቴዎስ ወንጌል እንተትውስኸሉ ኣይምሓሸን?” ክብል ኣቋረጾ።
“ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን እኮ ዝቃወሙ ዝነበሩ ንጥቕሞም ክብሉ እዮም። ንጥቕሞም ክብሉ ዝዘርግሕዎ ሕጊ ተኸናኺኖምን ዓቂቦምን ከጽንሕዎ ክብሉ እዮም። ክብሮም፣ ጥቕሞምን ሃብቶምን ንምድላብ ክብሉ እዮም። ነቲ ሓቂ እንዳፈለጥዎ ነገር ግን ካብ ንሓቂ ንናይ ርእሶም ጥቕሚ ኣብሊጾም ስለዝነበሩ እዮም ዘይተቐበልዎ። እዚ ንዕኦም እኹልን ከእምን ዝኽእልን ምኽንያት ነይሩ። እዚኦም እኮ ምኽንያት የብሎምን። ዝጥቀምዎ ጥቕሚ’ውን የለን። ተኸናኺኖምን ዓቂቦምን ከጽንሕዎ ዘለዎም ነገር’ውን የብሎምን። ነጻ ባርነት እኳ’ዩ! ካብ ፍልጠት ነጻ፣ ካብ ምጥርጣር ነጻ፣ ካብ ሓቂ ነጻ ካብ ኩሉ ነገር ነጻ እዮም።
እታ ዘላቶም ፍልጠት ኣዝያ ንእሽቶ ኢያ። ንሳ ኸኣ፣ ጸርፊ፣ ካልአይቲ ምንሻው፣ ሳልሰይቲ ከምቲ ንስኻ ዝበልካዮ ግብዝነት፣ ራብዐይትን ናይ መወዳእታን ብየዋህነት ንኢትዮጵያ ምጥፋእ! ጽረጎ! እወ ጽረጎ! ነዚ ጓሓፍ ካሪክለምካ! ነዚ ከም ድርዒ ተጎልቢብካዮ ዘለኻ ጉድፍካ ካብ ልዕሌኻ ቀንጢጥካ ኣርሒቕካ ደርቢ! ሓምሳ ዓመት ሙሉእ! ክልተ ጀነሬሽን ምሉእ! ብስም ዩኒቨርስትን ብጉልባብ ምሁርነትን ተነይሩ። ግን ሓንቲ ጠብ ትብል ነገር ካብ ገሌኹም ኣይመንጨወትን። ኣበይ ኣለዉ ምሁራትኩም? ኣበይ ኣለዉ ዘሰልጠንኩሞም ሊቃውንትኹም? እስከ እንታይ ሰሪሕኩም? እስከ ናይ ዝለፋዕኹምሉ ውጽኢት ኣርእዩ? እስከ ዱክትርናኹም ይገለጽ? ምፍላጥሲ ሕራይ ኣይትፍለጡ፣ ዘይምፍላጥ ሓጢኣት ኣይኮነን። ግን ስለምንታይ ንዓድኹም ብነጻ ትሸጥዋ? ስለምንታይ? ስለምንታይ?” ዘረብኡ ብሃንደበታዊ ንብዓት ተዓገተ። በዚ ድማ ብዙሓት ተማትኡ።
“እወ” ብማለት እንዳበኸየ ዘረብኡ ክቕጽል ፈተነ፣… “እወ ንኢትዮጵያ ብነጻ ኣይትሽጥዋ! በጃኻትኩም! እስከ ሕራይ መዓስ ኢኹም ትነቕሑ? ኣብ ልዕሊ ኣዴኹም ኮፍ ኢሉ ሓምሳ ዓመት ሙሉእ ርእስ ርእስኹም ክወቕዓኩም ንዝጸንሐ ኣካል ከመይ? ከመይ ብውሑዱ’ኳ ቁሩብ ምጥርጣር ተሳእነኩም? ልዕሊ ዝኾነ ነገር ጌርኩም ነቲ ዝበሎ ትሰምዕዎን ነቲ ዝበሎ ትፍጽሙሉን ስለምንታይ እዩ? ክሳብ መዓስ ብጸዓዱ ኣማልኽቲ ትእዘዙ? ክሳብ መዓስ ኢኹም ነቲ ናቶም ሓሶት ትቕበሉን ነቲ ናትኩም ሓቂ ድማ ምምርሳሕ እትቕጽሉ? ዕላማኹም’ከ እንታይ እዩ? ርእስኻን ነቲ ናትካ ዘበለን ናይ ምንዓቕ ሕማምኩም’ከ ክሳብ ክንደይ እዩ ተዓዊኑኩም ዝቕጽል? ክሳብ መዓስ? ናይ ገዛእ ርእስኹም ዘበለ ንምንዓቕን ናታቶም ዘበለ ጥራይ መሪጽኩም ንምቕባልን ዘገደደኩም ሓቂ’ኸ እንታይ እዩ? ትምህርቲ፣ ፍልጠት፣ ስልጣነ እንታይ ማለት ከምዝኾነ እኳ ጌና ኣይተረዳኣኩምን። ኦ ኣቱም ባህልኻን ታሪኽካን ብምንዓቕ ናይ ዝግለጽ ፍልጠት ተሰከምቲ! እዚ መንነትኩም ናብ ምንታይ ኮን ይድርብየኩም ይኸውን? ኣቐድም ኣቢሉ ብዝተሓንጸጸልኩም መበገሲኡን መዕለቢኡን ኣብ ዘይፍለጥ ጃልባ ኴንኩም ትፈሱ ዘለኹም’ከ ናበይ ንምብጻሕን እንታይ ንምግባርን ኮን ይኸውን? ነየናይ ጥቕሚ ደሊኹም ኮን ይኸውን? እቲ ብጸዓዱ ዝተኣልመ ጃልባ ናይ መወዳእታ መዕረፊ ወደብ እንተዝህልዎ ነይሩ ሓምሳ ዓመት ሙሉእ ብኸንቱ ከተንሳፍፉ ኣይምጸናሕኩምን ኔርኩም! ስለ ዘይትፈልጡ እኮ እዩ! ኣይትፈልጡን ኢኹም ከምኡ’ውን ኣይትሓቱን ኢኹም! ዕድመኹም ብከንቱ ምንቕቓፍ ተወዲኡ፣ ንሓቂ ከይፈለጥኩማ ቀበርኩምዋ! እትስ ኣይምሓሰመን፣ ሕጂ ግና ነታ ሃገርን ሕዝባን መዕገቲ ንዘይብሉ ጥፍኣት ተቃልዕዎ ኣሎኹም’ሞ ክጭድር ተገደድኩ! ጥበብ እንታይ እዩ? ካበይ’ከ ይቕዳሕ? እዚ
ንዓኹም ክቐርብ ዝግብኦ ሕቶ’ዩ ነይሩ፣ ነገር ግን ክትምልስዎ ዘይኮነስ ክትስሕቑን ከተባጭዉን፣ ክትነቕፍዎን ከተንቅፍዎን ደኣምበር ክትምልስዎ ስለዘይትኽእሉ ኣይሓተኩምን! ታሪኽ እንታይ እዩ? ንምንታይ’ከ ይጠቅም? ናበይ’ከ የብጽሕ? ነዚ’ውን ኣይትፈልጥዎን፣ ከይፈለጥኩምዎ ግን ትምህሩ ኣሎኹም፣ ካበይ ንዝፈለጥኩሞ ኢኹም ትምህሩ?መን እዩ’ኸ ነጊሩኩም?ናይ ታሪኽ መማህራንኩም’ከ ካበይ ኢዮም መጺኦም? ኣበይ ንዝተማሃርዎ እዮም ኣብዚ መጺኦም ዝምህርዎ? ኣበይ ንዝፈለጥዎ፣ ካበይ ንዝቐድሕዎ ትምህሩን ትማሃሩን ኣሎኹም? ኣብ ልዕሊ መንነትኩም ዝሾምኩምዎ ባዕዲ’ኸ ብዛዕባ’ዛ ሃገር እንታይ ፈሊጡ ንዓኹም ይቐርጸኩም…?

“ቋንቋ እንታይ እዩ? ብዛዕባ ቋንቋ ትምህሩ ዘሎኹም’ከ ካበየናይ ቋንቋ ተበጊስኩም ኢኹም? ናይ ቋንቋ ምንጩ’ኸ ኣበይ ነበረ? ካበይ’ከ ቀዳሕኩሞ? ኦ ኣቱም ምሁራን! ኣብ
ልዕሊ’ቲ ባህላውያን ኣቦታትኩም ገዲፎሞ ዝኸዱ መሰረት ድዩ ወይስ ኣብ ልዕሊ’ቲ ጸዓዱ ኣዘባሪቖም ኣብ ዘንጸፉሉኩም ናይ ፍልጠት ሜዳ ቌምኩም ትምህሩ ዘሎኹም? መሰረት ዘይብሉ ቤት ክቐውም ኣይክእልን’ዩ! ንስኻትኩም’ውን መሰረት ስለዘይብልኩም ብገዛእ ርእስኹም ደው ከይበልኩም ሚእቲ ዓመት ሙሉእ ኣባኸንኩም! ሕጂ’ውን ኣብ ዝኾነ እዋን ብርእስኹም ኣይትቖሙን። መበገሲኹም መሰረት ኣልቦ ነበረ። ሕጂ’ውን መሰረት ኣልቦ ኣወዳድቓ ክትወድቁ ኢኹም! ናትኩም ምውዳቕ ጸገም ኣይምነበሮን! ግን ኢትዮጵያ ትወድቕ ከምዘላን ሓንኰልታ ኸኣ ንስኹም ምዃንኩም ምፍላጠይ እዩ ዘሕዝነኒ። እጂ’ውን ነቶም ባዕዳን ልዑላንኩም፣ ብዝረቐቐ ሴራ ብስም ፈተውቲ መሓዙት ናብዚ ቀጽሪ ኣትዮም ዘለዉ ኣቦታትኩም ካብ ምምላኽ ኣይትቑጠቡን! ንሳቶም ኣብ ዝሞቱሉን ዝተቐበሩሉን ቅንያት ድማ ንደቆም ንምሿም ምድላዋቶም ኣጠናቒቖም ኣለዉ። ናይ ደቅ-ደቆም ምቕጻልን ዘይምቕጻልን ግና እንድዒ። ናይ ምንታይ ስክፍታ እዩ? ብጉዳይ ሃገር ስክፍታ የለን! ኣቡኡ ፈራዲ ወዱ መንዛዒ ከምዝበሃል፣ ብዝተኸታተለ ናይ ባዕዳን ትውልዲ ነዛ ምስኪን ሃገር ምቕታል! ኣውጽኣዮ ንየው በሎ! ኣየስክረና! ክሳብ ሎሚ ዘስከሮን ዘኽሰሮን ይኣክል! እዚ’ዩ ናትኩም ፍልጠት! እዚ’ዩ ናትኩም ምሁርነት! ሕጂ ግና ኩሉ ነገር ገሃድ ወጺኡ ንኣማዒት ዓመታት ዝተነድፈ ውጥን ተግባራዊ ምዃን ምስ ጀመረ…. ሽዑ ምስረኣኹም ብገዛእ ርእስኹም ምሕፋር ክትጅምሩ ኢኹም! ምናልባት’ውን ትሓንኩ ትኾኑ! ኣውጺእኻ ደርቢ ነዚ መሰረት ኣልቦ ዝኾነ ሴረኛ ስርዓተ ትምህርቲ! ኣውጺእኻ ደርቢ! ብድሕሪኡ ይርፈድ ኣይርፈድ ምንም ኣማራጺ ስለዘየሎ እንደገና ናብቶም ዝነዓቕካዮም ኣቦይ የኔታ ኬድካ “ሀ” ኢልካ ጀምር። መሰረት ዘይብሉ ቤት ሓቚፍካ መዓልቲ ምውዳቕካ እንዳተጸበኻ ካብ ምንባር፣ ነቲ መሰረት ከም ብሓድሽ ደርቢኻ ናይቲ ሕንጸት ፍጻሜ ብተስፋን ብደስታን ምጽባይ ስለዝሓይሽ ከምኡ ግበር! ድንቂ ፈላጥ! ድንቂ ዩኒቨርስቲ! እወ ሰሓቑ! ናትኩም ሰሓቕ፣ ክትርእዩ ነቲ ሓቅነት ከምዘይልውጦ! እቲ ዘሕዝን ነቶም ባዕዳን ከተግንኑ ክትብሉ ንኽንደይ ፈታው ዓዱ መንእሰይን ናይ ብሩህ ኣተሓሳስባ ብዓልቤት ዝኾኑ ወሓለ ቆልዑ ርእስ-ርእሶም ወቒዕኹም ካብ ጸወታ ወጻኢ ምግባርኩም ኢዩ! ልዕልናኹም ኣረጋጊጽኩም ንምሟት?ወይስ ዋላ ሓንቲ ከም ዘይሰራሕኩም ንምሕባእ? ገለ’ኳ ኣይትጥርጥሩን። ንኽንድቲ ዝኣክል ዓመት ኣብ ጸልማት ከተንገርግሩን ፍረ ኣልቦ ምዃንኩም እንክትሓስቡ ከለኹምን እኳ “ስለምንታይ?” ኢልኩም ንገዛእ ርእስኹም ስለምንታይ ዘይሓተትኩም? ንስኹም ኮንኩም እቶም ኣብ ትሕቴኹም ኮይኖም ዝመሃሩ ተማሃሮኹም ዝጭብጥዎን ዝጨበጥኩምዎን ሓደ ነገር ጥራይ እዩ። ርእስኻ ምንዓቕ! ነቲ ዝበልጸኩም ምቕባር! ነቶም ዝሰርሑ ምእላይ! ምንቁሻሽ፣ ምንእኣስ! ስለዚ ነዚ ዩኒቨርስቲ ዕጸውዎ! ኣብ ልዕሊ ሕንጻ ምንባር፣ ኣብ ኣስፋልት ምስጓም፣ መኪና ምዝዋር፣ ሱፍ ምኽዳን፣ ሞባይልን ኮምፕዩተርን ክትጥቀም ምኽኣል ኢዩ ናታትኩም ስትራተጂ ምንዳቕ ስልጡን ሕብረተሰብ? ነዚ ደኣ እንተድኣ ሂብካዮም እንስሳታት’ውን እኮ ይጥቀሙሉ እዮም። ናይ ሰናይ ራእይ ብዓልቤት ዝኾኑ ዜጋታት ንኸይፍጠሩ ዝገበረ ዓቢይ መሰናኽል እዚ ቦታ እዩ’ሞ ዕጸዉዎ! ንሕዝቢ ኢትዮጵያ ከዘራርብ ዝደሊ ካልእ ኣካል ኣሎ፣ ንዕኡ ክዳሎ ኣለዎ። ብርግጽ እዚ ንዓኹም ዝርድኣኩም ዘረባ ኣይኮነን። እስከ ሐራይ መን ይሙት፣ ካባኻትኩም ብዛዕባ ሚስጥር ኣበቓቑላ ጽፍሩ ዝፈልጥ ኣሎ? የለን! ነዚ ከይፈለጡ እዮም እምበኣር ‘ፈጣሪ የለን’ ኢሎም ንኽፈላሰፉን፣ በዚ’ውን ፈላጥነቶም ተረጋጊጹሎም ንኽነብሩ ትገብርዎም ዘሎኹም። ንስኹም ትጥርጥሩ ነዝን ከምዝን ዝኣመሰለ መንፈሳዊ ነገር ኢዩ። ነዚ ጥራይ ኢኹም ግና ክትጥርጥሩ ዘይነበረኩም። ኮይኑ ኸኣ፣ ይትረፍ’ዶ ብዛዕባ መንፈሳዊ ነገር ከተልዕል፣ ክትዛረብ ምጅማር ከማን ብኣኹም በቶም ምሁራን ዕሽነት ኢዩ። ጽፍሪ! ጽፍሪ ከመይ ይበቁል? መልሲ የሎን! ስለዚ ‘ፈጣሪ የለን’ ዝብል ናይ ፍልስፍና ትምህርቲ! ነዚ ኣብ ክንዲ ምጥርጣር ግና ሽርሒ ናይቶም ኣብ ሕቕፍኹም ዘቐመጥኩሞም ባዕዳን መላገጽቲ ምጥርጣር ይቐልል ነይሩ። ግን ኣይኮነን! ኣጽርዮ ነዚ ዝዓሰየ ኣእምሮኻ! ኣጽርዮ ነዚ ርእሲ! ብድሕሪኡ እዩ ምምሃር! ትምህርቲ እንታይ እዩ? ንምዃኑ ብዛዕባ መንነት ትምህርቲ ካባኻትኩም መብርሂ ክህብ ዝኽእል ኣሎ? መቸም ኣይትሓፍሩን ‘ኣሎ’ ትብሉ ትኾኑ! ገዛእ ርእስኻን መንነት ርእስኻን ካብ ምፍላጥ ዘይጀመረ ትምህርቲ ከመይ ጌሩ ትምህርቲ ክበሃል ይከኣል? ካብ መንነት ገዛእ ርእስኻ ዘይጀመረ ትምህርቲ ናይ ምምሃሮም ነገር ከይኣክል ሕሉፍ ሓሊፎም ነቶም ናብ ናይ ገዛእ ርእሶም ጥበብ ከቕንዑ ተዳልዮም ዝነበሩ ብሓይሊ ደው ከምዝብሉ ብምግባር ናብ ናይ ጥፍኣት ጃልባ ምድርባይ እንታይ ይጠቅም? ጽረግ ነዚ ጎሓፍካ! እንታይ ኣለዎ ነዚ እሳተ ነበልባል ዝኾነን ነገር ግን ዘይተማሃረ መንእሰይ ዕድል እንተትህብዎሞ ነቲ መድረኽ
እንተትለቁሉ? ካልእ ይትረፍ ነቲ ናትኩም ጥፍኣት ንኸይደግም ዝፍትን ዝሓሸ ትውልዲ ይህልዋ ይኸውን። እዚኣ ምስኪን ሃገር እኮ’ያ፣ እንታይ ኣለዎ ቁሩብ ዘይትርህርሁላ? ኣብ ኣፍደገ ቀጽሪ ናይ ስድስት ኪሎ ዩኒቨርስቲ ሓደ ጽሉል ዝተዛረቦ ኢልኩም ነዚ ዘረባ ጽሓፍዎ! ብዛዕባ’ዚኣ ዩኒቨርስቲ መንነት ግና እዚ ዩኒቨርስትን እቲ ማሕበረሰብ ኣብ ቀረባ እዋን ክርዳእ እዩ! ሽዑ…. ሽዑ…. ሽዑ….!” ንብዓቱ ብዘይምቁራጽ ጠብ ጠብ ጠብ ክብልዎ ጀመሩ። በዚ ምኽንያት ዘረብኡ ወይ ጸርፉ ወይ’ውን ነቐፌታኡ ምናልባት’ውን ሓቁ በዚ መልክዑ ብስምዒት ገሊጹ፣ ነቲ ከቢቡ ዝሰምዖ ዝነበረ ሕዝቢ እንዳደፋፍአ ክሳዱ ደፊኡ ብስምዒት ሓዘን ጸጉሩ እንዳነጸየ ክስጉም ጀመረ።

ተሪፍዎ ዘሎ ቦታ ኣበይ ምዃኑ ንርእሱ ኣይፈለጠን። ናይቲ ኣስፋልት ኮሪደር ጸግዒ ሒዙ ብዝግታ ናብ ላዕሊ ከደ። ካብተን ክልተ ካምፓሳት ዝዛይድን ኣዝዩ ዝበዝሕን ሕዝቢ ኢዩ ኣብዚ ናይ ስድስት ኪሎ ካምፓስ ተኣኪቡ ዝነበረ። ኣብ
ልዕልዚ’ውን ኣብዚ ቦታ ዘረብኡ ኣብ ናይ ባዕሉ ጊዜ ወድአ ድኣምበር መንም ደው ከብሎ ኣይፈተነን። እቶም ተኣከብቲ እንተኾኑ ጽቡቕ ኮነ ሕማቕ ከይተዛረቡ ብጽሞና እዮም
ዝሰምዕዎ ኔሮም። ሕጂ ምስተፈለዮም ብዘይ ገለ ጉርምርምታን ብዘይ ግምታዊ ኣሉታዊ ምላሽ ብዓይኒ ሓዘን እንዳጠመቱ ኣፋነውዎ ደኣምበር ካልእ ዝበልዎ ነገር የለን።
ብዙሕ ከይረሓቐ ኣብቲ ከባቢ ናብ ዝርከብ መናፈሻ ኣትዩ ኣብቲ ሳዕሪ ሮፋዕ በለ። ተስእ ዝበሎን ዝተዛረቦን’ውን ኣይነበረን። የግዳስ ገለ ተማሃሮ፣ ይቕጽል ይኸውን ብዝብል ግምት ደድሕሪኡ ስዒቦሞ ነበሩ’ሞ ኣብጥቓ እቲ ኮፍ ኢልዎ ዝነበረ ቦታ ኮይኖም ክዝንብዩ ጸንሑ። ንሱ ግና ትንፍስ ኣይበለን።

ብኸምዚ ኲነት ጊዜ ረፋድ ተወዲኡ ንኻልኦት ናይ ምሳሕ ሰዓቶም ኣኸለ። ንዕኡ ግና ዝበጽሖ ኮነ ምእንትኡ ክብል ዝበጽሐ ሰዓት እኳ እንተዘይሃለወ ካብቲ ኮፍ ኢልዎ ዝጸንሐ ተሲኡ ከም ብሓድሽ ቁልቁል ወረደ። ድሕሪ ነዊሕ እግሪ ጉዕዞ ኣራት ኪሎ ናብ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ምስ ቀረበ ጽርግያ ተሳጊሩ ብደመ ነፍስ ናብ መእተዊ ኣፍደገ እቲ ቤተ መንግስቲሰጎመ። ናብቲ ቀጽሪ ከምዝቐረበ ብኣግራሞት ዝምልከትዎ ዝነበሩ ዕጡቓት ኣባላት ጸጥታ’ውን፣ “ተመለስ! ናበይ ኢኻ?” ብማለት ብቕልጡፍ ናብኡ ክመጹ ጀመሩ። ንሱ ግና ብሙሉእ ልቡ፣ “እንተተመለስኩ እንተዘይተመለስኩ ኩሉ ሓደ! ንሰባት ናይ’ዚ ቤተ መንግስት’ዚ መልእኽቲ ኣለኒ! ንመራሕቲ’ዛ ሓገር ብስም ልምዓት ክሳዶም ኣቕቢሮም፣ ናይ ኢትዮጵያን ናይ ደቃን ዕጫ ንዘመናት ክምንዝዑን ከመንዝዑን ዝተዳለዉ መሰርያት ኣበይ ደረጃ ከም ዝበጽሑ ክፈልጡ ኣይደልዩን ደኣምበር፣ እንተዝደልዩ ነይሮም ክነግሮምን ብጭቡጥ መርትዖ ኣሰንየ ክትንትነሎምን ኢየ ነይረ ካብ ርሑቕ…….” ብድሕርዚ እንታይ ከም ዝተፈጠረ ዝፈልጦ ነገር ኣይነበረን። ኣብ ኣጋ ምሸት ድንገት ምስ ነቕሐ ንነብሱ ኣብ ውሽጢ ሓደ ጽልምት ዝበለን ክፉእን ክፍሊ ሕክምና ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ንእሽቶ ተንቀሳቓሲት ዓራት ረኸባ። ሰምቢዱ ክትንስእ እንተበለ’ውን፣ ኣብ ጥቕኡ ዝነበረ ክኢላ ሕክምና ኣፍልቡ ብሓይሊ ተጻዒኑ ተመሊሱ ንኽድቅስ ገበሮ።
“እ….. እንታይ ኢዩ…..? እ….. እንታይ ኮይነ ኢየ…..?” ንግዚኡ ምላሽ ዝሃቦ የለን። ንሱ’ውን ልዕል’ቲ መልሲ ክፈልጦ ዝደለዮ ካልእ ነገር ኔሩ። ኣብ ውሽጣዊ ክፋል ስሪኡ ኣብ ዙርያ ቁልፉ ዘቐመጠን ኣብዚ ሰዓት ኣብ ልዕሊ’ዛ ምድሪ ኣዝዩ ልዑል ዋጋ ዘለወን ንብረታቱ ምህላወንን ዘይምህላወንን ምፍላጥ፣ ወይ’ውን ኣብ ውሽጢ ኳሌትኡን ኩስትምኡን ሰፍዩ ዘቐመጠን ነገራት ብምርምሳስ ህላውነተን ከረጋግጽ ኢዩ ነይሩ ድሌቱ። ይኹን ደኣምበር ኣብ ክልተ የእዳዉ ናይ ጉሉኮስ መራፍእ ተሰኺዕወን ስለዝነበረ ኣይከኣለን። ንዕኡ በቲኹ ክርምስሰን ደስ ምበሎ። እዚ ግና ብዝያዳ ንኽጥርጥርዎ ምግባር ስለዝኾነ፣ ነቲ ዝኸውን ብትዕግስቲ ምጽባይ መረጸ። ጽቡቕ ነገሩ፣ ኮቱ እኳ ከየውጽኡ እጅገኡ ንላዕሊ እክብ ኣቢሎም’ዮም ጉሉኮስ ዝገጠሙሉ። በዚ ኸኣ ተስፋ ሰነቐ። ናብ ሓደ ኣንፈት ግልብጥ ኢሉ ብዉሑዱ ናይ ኮቱ ኳሌታ ክትንክፍን ከረጋግጽን ፈተነ፣ ግን ኣይከኣለን። ስለዚ ተመሊሱ ብህድኣት ተጋደመ።

*********************

Page= 1 – 14

ይቅጽል……

N.b …እዚ 330 ዝገጻቱ ናይ PDF ትርጉም ስለምንታይ ኣቅሪበዮን – የቅርቦ ኣለኹን ተሓቲተ ክምልስ ግዴታ ዘይኮነ ኣፍንጭኣዊ (በፍንጫ)…ሕቶ’ዩ። ሸንኰለል ዘይብሉ ንጸሓፊ ዝተጠቅመሉ ቅዲ ኣጸሓሕፋን ዋሕዚ ሓሳብትን ትሕዝቶን ኣገላልጻን ከየድንቅክዎን ዓጀብ ከየበለንን ኣይተረፈን። ከም ተወሳኺ ነቲ ስም ዝሰኣንኩሉ ኣስተርጓሚ ኣገናዕ ክብሎ ብቂ ዘይብሉ ናይ ምስጋና ቃለይን ክብረይን ከይሓንኰኽኩ ክህቦ ይፈቱ። እዚ ክብል ግን ‘ሰፋይኡ ተርሲዑ ተኸዳኒኡ ይዝከርን፡ ይውደስን’ ከይኮነኒ ጉምብስ ኢለ ይቅሬታ ይሓትት።

(መቀጸልታ መዓስ ይኹን ብውሳኔኹም ክፈልጥ ምደለኹ)

ይቋረጽ ዝብል እንተሎ’ውን…!?